በቲ ዘሎካ ዕገብ
1 ቅዱሳት ጽሑፋት ንስድራቤትና ብስጋ ዘድልዮም ነገራት ከነማልኣሎም ይምሕጸነና ኢዩ: እዚ ግን ቀንዲ ሸቶ ናይ ህይወትና ክኸውን የብሉን። የግዳስ መንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ። (ማቴ. 6:33፣ 1 ጢሞ. 5:8) ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ ሚዛንካ ሓሊኻ ምኻድ ቀሊል ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 3:1) ከምዚ ንኽንገብር ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧
2 ኣረኣእያኻ ከምቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ ይኹን:- ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ መንፈሳዊ ውድቀት ከምጽኣልና ኸም ዝኽእል ቃል ኣምላኽ የጠንቅቐና ኢዩ። (መክ. 5:10፣ ማቴ. 13:22፣ 1 ጢሞ. 6:9, 10) ኣብዚ ወሳኒ እዋን እዚ ብዓለማዊ ስራሕ ወይ ብሓልዮት ሓዳር ካብ መጠን ንላዕሊ ትሑዛት ብምዃንና ንመንፈሳዊ ነገራት ማለት ንኣኼባታትን መጽናዕትን ኣገልግሎትን ካልኣይ ቦታ እንተ ሂብናዮ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። (ሉቃ. 21:34-36) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ መጽሓፍ ቅዱስ “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ኢዩ ዝብለና።—1 ጢሞ. 6:7, 8
3 ከምዚ ኽበሃል ከሎ ክርስትያናት ድኻታት ክዀኑ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን እዚ ምኽሪ እዚ ብሓቂ ብስጋ ዘድልየና ነገራት እንታይ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብረና ዘሎ። እዚ ድማ ምስቲ እንነብረሉ ኸባቢ ዝመጣጠን መግብን ክዳንን መንበርን ኢዩ። ነዚ መሰረታዊ ነገራት እንተ ኣማሊእና: ዝያዳን ዝሓሸን ነገራት ንምጥራይ ዘየድሊ ጻዕሪ ኽንገብር የብልናን። ሓደ ነገር ቅድሚ ምዕዳግና ወይ ተወሳኺ ስራሕ ቅድሚ ምሓዝና: ‘ብሓቂዶ የድልየኒ ኢዩ፧’ ኢልና ንርእስና ምስ እንሓትት ሰናይ ኢዩ። ከምዚ ምስ እንገብር: ነቲ “ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ንምስዓብ ክሕግዘና ኢዩ።—እብ. 13:5
4 ብየሆዋ እንተ ተኣሚንና: ንሱ ክባርኸና ኢዩ። (ምሳ. 3:5, 6) ነቲ መዓልታዊ ዘድልየና መሰረታዊ ነገራት ንምምላእ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ እኳ እንተሎና: ነዚ ነገራት እዚ ግን ቀንዲ ሸቶ ህይወትና ኣይንገብሮን ኢና። ጥሪትና ሒደት ይኹን ብዙሕ ብዘየገድስ: ዘድልየና ነገራት ንምምላእ ኣብ የሆዋ ኢና እንውከል። (ፊል. 4:11-13) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ዕግበትን ብዙሕ በረኸትን ንረክብ።
5 ንሰብ እምነት ምሰሎም:- ሓንቲ ንውላዳ ብመገዲ ሓቂ እተዕቢ ዝነበረት ንጽል ወላዲት: በብቕሩብ ናብራኣ ቀሊል ከም ዝኸውን ገበረቶ። ኣብ ቤታ ጥዒምዋ ትነብር እኳ እንተ ነበረት: መጀመርታ ናብ ዝነኣሰ ቤት ገዓዘት። እዚ ኸኣ ንዓለማዊ ስራሕ እተጥፍኦ ግዜ ንኽትንክን ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ሰዓታት ንኸተሕልፍን ኣኽኣላ። ጓላ ዓብያ ምስ ተመርዓወት ድማ ጥሮታ ወጸት: እዚውን ኣታዊኣ ከም ዝንኪ ገይሩ ኢዩ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ኣብዚ እዋን እዚ ንሻውዓይ ዓመት ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ተገልግል ኣላ: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወታ ቐዳምነት ንምሃብ ዝኸፈለቶ ስጋዊ መስዋእትታት እውን ኣጣዒስዋ ኣይፈልጥን።
6 ሓደ ሽማግለን በዓልቲ ቤቱን ንሓያሎ ዓመታት ፓይነራት ኰይኖም እናኣገልገሉ ሰለስተ ውሉዳት ኣዕበዩ። ከም ስድራቤት መጠን ቃሕ ዝበሎም ኵሉ ከጥርዩ ኣብ ክንዲ ምፍታን በቲ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ዓጊብካ ምምልላስ ይፈልጡ ኢዮም። እቲ ሓው ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሃበ:- “ቀሊል ናብራ ኽንነብር ነበረና። ሓድሓደ ግዜ ጽንኩር እዋን እኳ እንተ ኣሕለፍና: የሆዋ እቲ ዘድልየና ወትሩ ይህበና ኢዩ። . . . ስድራቤትና ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ሂባ ኽርኢ ኸለኹ: ብዅሉ መዳይ ቅኑዕ ነገር ከም ዝገበርና ይስምዓኒ: ዕግበት እውን እረክብ።” በዓልቲ ቤቱ ኸኣ “[ሰብኣየይ] ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዝ ኰይኑ ኽርእዮ ኸለኹ: ልባዊ ዕግበት ይስምዓኒ ኢዩ” በለት። እቶም ውሉዳት እውን ወለዶም ንየሆዋ ብምሉእ ግዜኦም ከገልግልዎ ምውሳኖም የሐጕሶም ኢዩ።
7 ነቶም ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ኣብ ክንዲ ምጕያይ ንኣምላኽ ውፉያት ብምዃን ህይወቶም ዝመርሑ ሰባት ብምሉኦም: ኣብዛ ሕጂ ዘላን ኣብታ እትመጽእን ህይወት ብዙሕ በረኸት ክረኽቡ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ተመባጺዕሎም ኣሎ።—1 ጢሞ. 4:8