ኣብ ኣኼባ ኣዘውቲርካ ምእካብ ቀዳምነት ንሃቦ
1 ክርስትያን ስድራቤታት ኣብ ኣኼባ ኣዘውቲርካ ምእካብ ቀዳምነት እየን ዚህባኦ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ መዳይ እዚ ናብራና ጸገማት ኪፈጥረልና ይኽእል እዩ። ዋኒን ቤትና: ዓለማዊ ዕዮ: ወይ መምህራንና ዚህቡና ዕዮ ገዛ ነቲ ንኣምልኾ የሆዋ እተመደበ ግዜ ይሰርቆ ድዩ፧ ነዚ ጕዳይ እዚ በረኣእያ የሆዋ ምስ እንርእዮ: ነየናይ ነገር ቀዳምነት ክንህብ ከም ዚግባእ ንኺንጽረልና ይሕግዘና።—1 ሳሙ. 24:7፣ 26:11
2 ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንጨይቲ ብምእራይ ደይ መደይ ኢሉ ነረኣእያ የሆዋ ነጸጎ። ምናልባት ‘ንስድራቤተይ ዜድሊ እየ ዜማልእ ዘለኹ’ ወይ ‘ንእሽቶ ነገር እዩ’ ዚብል መመኽነይታ ነይርዎ ይኸውን። የሆዋ ግን ኣብቲ ንኣምልኾ እተመደበ ግዜ ኣብ ዓለማዊ ንጥፈታት ምስታፍ ኣፍኲስካ ዚርእዮ ዘይምዃኑ በቲ ዝፈረዶ ፍርዲ ኣቢሉ ኣርኣየ።—ዘሁ. 15:32-36
3 ነቲ ጸገማት ምስጋሩ:- ሓያሎ ክርስትያናት ብምኽንያት ዓለማዊ ስርሖም ካብ ኣኼባታት ንኸይበዅሩ ብዙሕ እዮም ዚቃለሱ። ገሊኣቶም ንወሃቢ ስርሖም ብምዝራብ: ምስ መሳርሕቶም ዚሰርሑሉ እብረ ብምቅይያር: እተወሰነ ኮርሳት ወይ ዓይነት ስራሕ ብዘይምቅባል: ዝሓሸ ስራሕ ብምንዳይ: ወይ ናብራኦም ቀሊል ብምግባር ነዚ ጸገማት እዚ ተዋጺኦምሉ እዮም። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐዳምነት ንምሃብ ተባሂሉ ዚግበር ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ኣምላኽ ከም ዚሰምሮ ኣየጠራጥርን እዩ።—እብ. 13:16
4 መምህራን ዚህቡና ዕዮ ገዛ እውን ጸገም ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ሓንቲ መንእሰይ “ገሊኡ ዚወሃበኒ ዕዮ ገዛ ቕድሚ ኣኼባ: ካብኡ ዝተረፈ ኸኣ ናብ ቤተይ ምስ ተመልስኩ እየ ዝዓዮ” በለት። ገሊኣቶም ወለዲ ዅሉ እቲ ዕዮ ገዛ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ምሸት ኪውዳእ ዘይክእል እንተ ዀይኑ: ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ኣብ ስድራቤቶም ቀዳምነት ዚወሃቦ ጕዳይ ምዃኑ ነቶም መምህራን ገሊጾምሎም እዮም።
5 ሓንቲ ስድራቤት ዋኒን ቤታ ወዳዲኣ ኣብ ኣኼባ ብሰዓቱ ንኽትእከብ ካብ ዜኽእላ ኣገዳሲ ረቛሒታት ምትሕብባርን ጽቡቕ መደብ ምውጻእን እዩ። (ምሳ. 20:18) ንኣሽቱ ውሉዳት እውን ከይተረፉ ናብ ኣኼባ ንምኻድ ብእዋኑ ተኸዳዲኖም ንኺዳለዉ ኪስልጥኑ ይኽእሉ እዮም። ወለዲ በቲ ንደቆም ዘርእይዎም ኣብነት ኣቢሎም ንኣገዳስነት ኣኼባታት ኪሰርጹሎም ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 20:7
6 ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘሎ ጸቕጢ እናገደደ ብዝኸደ መጠን: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ኽንእከብ ኣሎና። እምበኣር: ነዚ ጕዳይ እዚ በረኣእያ የሆዋ ንርኣዮ: ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ምእካብ ድማ ቀዳምነት ንሃቦ።—እብ. 10:24, 25