ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/07 ገጽ 1
  • ከም ለባማት ተመላለሱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከም ለባማት ተመላለሱ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ኣብቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ገዛእ ርእስና ንኣገልግሎት የሆዋ ኽንውፊ ሕጉሳት ኢና!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንየሱስ ብምምሳል ነቲ ብስራት ኣብ ጸጽባሕ ምእዋጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 11/07 ገጽ 1

ከም ለባማት ተመላለሱ

1 የሱስ ንኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ ኺስዕብዎ ምስ ሓተቶም: ሰጋእ መጋእ ከይበሉ “ብኡብኡ . . . ሰዐብዎ።” (ማቴ. 4:18-22) ሳውል ብዓል ጠርሴስ እውን ብተመሳሳሊ ናብ ክርስትና ምስ ተለወጠ እሞ ካብ ዑረቱ ምስ ሓወየ: ድሕር ምሕር ከይበለ “ብኡብኡ . . . ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ: . . . ሰበኸ።” (ግብ. 9:20) ግዜ ንቕድሚት ጥራይ እዩ ዚኸይድ፣ ሓንሳእ ምስ ሓለፈ ድማ ንሓዋሩ ኣይምለስን እዩ። በዚ ኸኣ እዩ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜና ‘ኸም ለባማት ክንመላለስ’ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ።—ኤፌ. 5:15, 16

2 ኣጋጣሚ:- እዚ ሎሚ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎና ኣጋጣሚታት: ጽባሕ ኣይንረኽቦን ንኸውን። (ያእ. 4:14) ዋላ ሓደ ኻባና “ኣጋጣሚ” ዘይትንክፎ የለን። (መክ. 9:11) ኣብ ርእሲኡ ድማ: ኵላትና ዕድመ እናደፋእና ኢና እንኸይድ ዘለና: ኣብዚ ስርዓት እዚ ድማ ካብቲ ምስ እርጋን ዚመጽእን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ዚድርትን “ክፉእ መዓልትታት” ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። (መክ. 12:1) ስለዚ: ርእስና ንኣምላኽ ካብ ምውፋይ ከነድሓርሕር ወይ ኣገልግሎትና ብዚከኣለና መጠን ንኸነስፍሕ ምሹእ ኵነታት ክሳዕ እንረክብ ክንጽበ ልብምና ኣይኰነን። (ሉቃ. 9:59-62) ኣብርሃም ንህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ብምውፋይ ብጥበብ ስለ እተጠቕመላ: ኣብ እርጋኑ ሰላምን ህድኣትን ረኺቡ “ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ” ሞተ።—ዘፍ. 25:8

3 እቲ ዘመን ሓጺር እዩ:- “እቲ ዘመን ሓጺር” ስለ ዝዀነ እውን ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኢና እንደሊ። (1 ቈረ. 7:29-31) እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪጠፍእ እዩ። ኣብቲ ኣብ እዋን ‘ዓጺድ ምድሪ’ ዚግበር ኣባጊዕ መሰል ሰባት ናይ ምእካብ ዕዮ ንምክፋል ዘሎና ኣጋጣሚታት እውን ኬብቅዕ እዩ። (ራእ. 14:15) ሓልዮት ሓዳርን ኣቓልቦኻ ዚሰርቕ ነገራትን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ከነሕልፎ እንኽእል ግዜና ኺሰርቀና ኸይነፍቅደሉ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ሉቃ. 21:34, 35) ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኽንሓስብ ከለና: ኣብቲ ዓጺድ ምሉእ ተሳታፍነት ከም ዝነበረና ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜዕግብ ኪኸውን እዩ!

4 ዜሐጕስ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ከየምልጠና ወትሩ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና። “ሎሚ” ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣለና ዘበለ ንምግባር ቈራጽነት ንግበር። (እብ. 3:13) ከምዚ ብምግባር: ናይ ሓቂ ለባማት ምዃንና ነርኢ: ከመይሲ: “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር . . . ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ዮሃ. 2:17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ