ከም ለባማት ተመላለሱ
1 የሱስ ንኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ ኺስዕብዎ ምስ ሓተቶም: ሰጋእ መጋእ ከይበሉ “ብኡብኡ . . . ሰዐብዎ።” (ማቴ. 4:18-22) ሳውል ብዓል ጠርሴስ እውን ብተመሳሳሊ ናብ ክርስትና ምስ ተለወጠ እሞ ካብ ዑረቱ ምስ ሓወየ: ድሕር ምሕር ከይበለ “ብኡብኡ . . . ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ: . . . ሰበኸ።” (ግብ. 9:20) ግዜ ንቕድሚት ጥራይ እዩ ዚኸይድ፣ ሓንሳእ ምስ ሓለፈ ድማ ንሓዋሩ ኣይምለስን እዩ። በዚ ኸኣ እዩ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜና ‘ኸም ለባማት ክንመላለስ’ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ።—ኤፌ. 5:15, 16
2 ኣጋጣሚ:- እዚ ሎሚ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎና ኣጋጣሚታት: ጽባሕ ኣይንረኽቦን ንኸውን። (ያእ. 4:14) ዋላ ሓደ ኻባና “ኣጋጣሚ” ዘይትንክፎ የለን። (መክ. 9:11) ኣብ ርእሲኡ ድማ: ኵላትና ዕድመ እናደፋእና ኢና እንኸይድ ዘለና: ኣብዚ ስርዓት እዚ ድማ ካብቲ ምስ እርጋን ዚመጽእን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ዚድርትን “ክፉእ መዓልትታት” ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። (መክ. 12:1) ስለዚ: ርእስና ንኣምላኽ ካብ ምውፋይ ከነድሓርሕር ወይ ኣገልግሎትና ብዚከኣለና መጠን ንኸነስፍሕ ምሹእ ኵነታት ክሳዕ እንረክብ ክንጽበ ልብምና ኣይኰነን። (ሉቃ. 9:59-62) ኣብርሃም ንህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ብምውፋይ ብጥበብ ስለ እተጠቕመላ: ኣብ እርጋኑ ሰላምን ህድኣትን ረኺቡ “ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ” ሞተ።—ዘፍ. 25:8
3 እቲ ዘመን ሓጺር እዩ:- “እቲ ዘመን ሓጺር” ስለ ዝዀነ እውን ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኢና እንደሊ። (1 ቈረ. 7:29-31) እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪጠፍእ እዩ። ኣብቲ ኣብ እዋን ‘ዓጺድ ምድሪ’ ዚግበር ኣባጊዕ መሰል ሰባት ናይ ምእካብ ዕዮ ንምክፋል ዘሎና ኣጋጣሚታት እውን ኬብቅዕ እዩ። (ራእ. 14:15) ሓልዮት ሓዳርን ኣቓልቦኻ ዚሰርቕ ነገራትን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ከነሕልፎ እንኽእል ግዜና ኺሰርቀና ኸይነፍቅደሉ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ሉቃ. 21:34, 35) ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኽንሓስብ ከለና: ኣብቲ ዓጺድ ምሉእ ተሳታፍነት ከም ዝነበረና ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜዕግብ ኪኸውን እዩ!
4 ዜሐጕስ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ከየምልጠና ወትሩ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና። “ሎሚ” ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣለና ዘበለ ንምግባር ቈራጽነት ንግበር። (እብ. 3:13) ከምዚ ብምግባር: ናይ ሓቂ ለባማት ምዃንና ነርኢ: ከመይሲ: “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር . . . ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ዮሃ. 2:17