18 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
18 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 305 ሕ.ጽ. 15–ገጽ 307 ሕ.ጽ. 20
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መሳፍንቲ 1-4
ቍ. 1፦ መሳፍንቲ 2:11-23
ቍ. 2፦ td 20ሀ ክርስትያናት ብመዓልቲ ሰንበት ኣይቅየዱን እዮም
ቍ. 3፦ ኣምላኽ፡ ድያብሎስ ኣይፈጠረን
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ነቶም ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ምጽንናዖም። ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2008 ገጽ 25-29 ተመርኲስካ ብሓደ ሽማግለ ዚቐርብ፣ እቲ ሽማግለ፡ ምሳሌ 17:17 ድሕሪ ምጥቃስ፡ “ኣብቲ ሰብ እምበር፡ ኣብቲ ሕማም ኣይተቕልብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ናብ ዘሎ ነጥብታት ብቕልጡፍ ይሰግር። ቀጺልካ፡ ነቲ ሕሙም ዚምልከት ሓበሬታ ምሕባእ ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤን ንምጕላሕ፡ ኣብታ “ንኽትሰምዕ ድሉው ኩን” እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ንዘሎ ኻልኣይ ሕጡብ ጽሑፍ ከምኡውን ኣብታ “ነቲ መሰረታዊ ዜድሊ ነገራት ምርዳኡ” እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ንዘሎ ኻልኣይ ሕጡብ ጽሑፍ ተመያየጠሉ። እብራውያን 13:18 ከምኡውን ኤፌሶን 4:25 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 4-6 ዀነ ነቲ ኣብ ገጽ 29 ኣብ ዚርከብ ሳጹን ዘሎ ምኽሪ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ሓብር። ኣብታ ዓንቀጽ ካብ ዚርከብ መዛዘሚ ነጥብታት ጌርካ ነቲ ምይይጥ ደምድሞ።
7 ደቒቕ፦ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኽትዕድል ተዳሎ። ትሕዝቶ እተን መጽሔታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነን ንሰማዕቲ ሕተቶም። ሓደ መንእሰይ ኣስፋሒ ነዘን መጽሔታት ንኺዕድል ኪዳሎ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
8 ደቒቕ፦ ሳጹን ሕቶ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ብምንባብ ተመያየጠሉ።