5 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
5 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ሳሙኤል 16-18
ቍ. 1፦ 1 ሳሙኤል 18:1-16
ቍ. 2፦ td 23ሀ ቀዳሞት ክርስትያናት መዓልቲ ልደቶም ይኹን በዓል ልደት ኣየብዕሉን ነበሩ
ቍ. 3፦ ንምቕባል ጋሻ ኽንቀዳደም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ሮሜ 12:13)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ሓደ ብዓል ቤት፡ ‘ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምንን እየ’ ምስ ዚብል። ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ ካብ ገጽ 150 ክሳብ 151 ተመርኲስካ ዚቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ተመሊስካ ብጽሓዮም። ብመደረ ዚቐርብ። ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ሓብር፡ ምስኡ እተተሓሓዘ ተመክሮታት ድማ ጥቐስ። ኵሎም ኣስፋሕቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጅማር ሸቶ ሒዞም ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ተመሊሶም ኪበጽሕዎም ኣተባብዕ። ናብ ፍሉይ መደረ ኺዕድምዎም ከም ዘለዎም እውን ኣዘኻኽሮም። ምስዚ ዚተሓሓዝ መርኣያ ኣቕርብ።