ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/10 ገጽ 3-4
  • ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • እተፈተኹም መሰኻኽር የሆዋ፦
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 3/10 ገጽ 3-4

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

እተፈተኹም መሰኻኽር የሆዋ፦

ንስም እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ኽንጸውር ምኽኣልናስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! እዚ ስም እዚ ዘለኣለማውን መወዳድርቲ ዘይብሉን እዩ። የሆዋ ባዕሉ እዩ ንስሙ ኽንጾሮ ሂቡና፣ ብፍላይ ከኣ ካብ 1931 ኣትሒዝና በዚ ፍሉይ ስም እዚ ኢና እንፍለጥ። (ኢሳ. 43:10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንና ምግላጽ ከኣ የዅርዓና እዩ።

ድያብሎስ፡ ስም ኣምላኽ ንኼጥፍእ ሒዅ እዩ ዚብል። ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዚርከቡ ኣህዛብ ድማ፡ ንስም የሆዋ የነኣእስዎ ኣለዉ። እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን፡ ንስም ኣምላኽ ጸሊኣቶን ካብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣልጊሳቶን እያ። ብኣንጻሩ ግን፡ የሱስ ንስም ኣቦኡ ኽብ ኣቢሉ እዩ ዚርእዮ ነይሩ፣ ኣብታ ኣብነት ክትኰኖም ኢሉ ንሰዓብቱ ዝመሃሮም ጸሎት ቀዳምነት ሂብዎ ነበረ። “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ ኸኣ ነገሮም። (ማቴ. 6:9) ጸኒሑ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት እውን፡ “ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም” በለ። (ዮሃ. 17:6) ንሕና እውን ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ብምስዓብ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንስም የሆዋ ኣብ መላእ ምድሪ ንምእዋጅ ቈሪጽና ኣለና።

‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ መስክሩ’ እትብል ጥቕሲ ዓመት 2009፡ ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ንኽንፍጽም ኣተባቢዓትና እያ። (ግብ. 20:24 NW) የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ከም ዝባረኸና ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ መላእ ዓለም ንስም የሆዋ ዜኽብር ዜደንቕ ምስክርነት እዩ ተዋሂቡ። ንዅሉ ሰብ ኣብ ምምስካርን ነቶም መዓልታዊ ንዜጋጥሞም ብዙሕ ጸገማት ፍታሕ ዚደልዩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብ ምምሃርን፡ 7,313,173 ዝኣኽሉ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ይካፈሉ ኣለዉ። ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ 18,168,323 ተኣኪቦም ምንባሮም፡ ቅድሚ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ምጥፋኡ፡ ገና ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ንስም የሆዋ ዚጽውዑ ሰባት ከም ዚህልዉ ዜርኢ እዩ።

የሆዋ ኽሳዕ ዝፈቐዶ፡ ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ክንረኽቦም ዜኽእለና ዝዀነ ይኹን ሜላ ተጠቒምና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ምስባኽና ኽንቅጽል ኢና። (ማቴ. 24:14፣ ማር. 13:10) ካብ ቤት ናብ ቤት፡ ኣብ መገዲ፡ ብደብዳበ፡ ብናይ ተሌፎን ምስክርነት ኣቢልና ወይ ብዘይወግዓዊ መገዲ ተጠቒምና፡ ስም የሆዋን ዕላማኡን ንዅሎም ሰባት ከነፍልጥ ንጽዓር።

የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንስሙ ንምቕዳስ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ንኽንኣምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። (ህዝ. 36:23) እቶም ንስሙ ዜካፍኡ ሰባት ዚጠፍኡሉ እዋን ኣመና ይቐርብ እዩ ዘሎ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነቶም ንስም የሆዋ ዘፍለጡን ንልዑላውነቱ ዝደገፉን እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸመይ ዝበለት እተደንቕ መዓልቲ ዀን እያ ኽትከውን!

ኣብቲ ኣብ 2009 ኣብ መላእ ዓለም እተገብረ “ንቕሑ!” ዘርእስቱ ኣውራጃውን ኣህጉራውን ኣኼባታት፡ የሆዋ ንህዝቡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዚሓልየሎም ብንጹር ተራእዩ እዩ። እዚ ኣብ ቲኦክራስያዊ ታሪኽና ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ ኣኼባታት እዚ፡ ንመዓልቲ የሆዋ ንቑሓት ኴንና ኽንጽበ ኣድላዪ ምዃኑ ብዝያዳ ንኽንግንዘብ ሓጊዙና እዩ።—ማር. 13:37፣ 1 ተሰ. 5:1, 2, 4።

ብሓቂ የሆዋ ሰናይ ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ብሓጐስ ይመልኦ እዩ። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለናን ናብ እንዓርፈሉ ማይ ይመርሓናን እዩ።—መዝ. 23:1, 2፣ 100:2, 5።

ኣብዚ ዚቕጽል ወርሓት፡ ብኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ትሑዛት ክትኰኑ ኸለኹም፡ የሆዋ ብቐጻሊ ኸም ዚባርኸኩም ክትተኣማመኑ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣሕዋትና ምውቕ ክርስትያናዊ ፍቕርና ይብጻሕኩም።

ኣሕዋትኩም፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ