ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ካብ ጥሪ ኣትሒዝና፡ ሳልሳይ ፍሉይ ወፍሪ ኽሊ ጀሚርና ኣለና። ክሳዕ ሕጂ፡ ካብ ሓሙሽተ ወጻኢ ሃገራት፡ 28 በጻሕቲ መጺኦም ኣለዉ፣ 400 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚነብሩ ኣሕዋት እውን ተመዲቦም ኣለዉ። እቶም ካብ ምድቦም እተመልሱ፡ ከም ዝሓለፋ ዓመታት፡ በቲ ዝረኸብዎ ተገዳስነት ብዙሕ እዮም ተሓጒሶም።
ድምር እቶም ጸብጻብ ዝሃቡ 8,652 ኣሕዋት፡ ካብ ናይ ዓሚ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ቍሩብ ይውሕድ። ገምጋም ሰዓታት 13.1 ኪኸውን ከሎ፡ ገምጋም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ 0.3 ኸም ዝዀነ ጸብጻብ ተዋሂቡ እዩ። የሆዋ ነቶም 6,262 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪባርኾም ንጽሊ ኢና፣ ገለ ኻባታቶም ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ንየሆዋ ምግልጋል ኪጅምሩ ኸኣ ተስፋ ንገብር። በታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክትን በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍን ጌርና መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ጻዕሪ ኽንገብር ከለና፡ ብዙሓት ሰባት ኣዕሩኽ የሆዋ ንኪዀኑ ኺሕገዙ ኸም ዚኽእሉ ኣየጠራጥርን እዩ።