መደብ 11 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
11 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 34ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 69-73 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መዝሙር 72:1-20 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ማእሰር መርዓ ኽቡር ኪኸውን ኣለዎ—td 4ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ መንእሰያት ካብ ንጉስ ህዝቅያስን ካብ ንጉስ ዮስያስን ዚመሃርዎ ትምህርቲ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ንሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቐመሉ—3ይ ክፋል። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ካብ ገጽ 238 ሕጡብ ጽሑፍ 5 ኽሳዕ ገጽ 239 ሕጡብ ጽሑፍ 4 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢልካ ብመርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ “‘ለዋሃት’ ኩኑ።” ሕቶታትን መልስታትን።
10 ደቒቕ፦ ዚሓይሽ መርምሩ። (ፊል. 1:10) ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ወይ ከቢድ ሓላፍነታት ስድራ ቤት እናሃለዎም ክነሱ፡ ብስሩዕን ብቕንኣትን ኣብ ኣገልግሎት ንዚካፈሉ ሓደ ወይ ክልተ ርእሲ ስድራ ቤታት ቃለ መጠይቕ ግበረሎም። ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተ ዀኑ፡ ንኣገልግሎት ግዜ ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧ ኣዘውቲሮም ኣብ ኣገልግሎት ምክፋሎም ንዕኦምን ንስድራ ቤቶምን ብኸመይ ጠቒምዎም፧
መዝሙር 25ን ጸሎትን