መደብ 3 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
3 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 49ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 11 ሕ.ጽ. 8-14 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 1-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ምሳሌ 6:1-19 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሮሜ 8:26, 27፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረና መረጋገጺ እትህበና ብኸመይ እያ፧ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧—td 8ሀ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ተማሂርና፧ ምይይጥ። ሉቃስ 5:12, 13 ከምኡውን ሉቃስ 8:43-48 ኣንብብ። እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ግለጽ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ጠባይ ኣርኢ። (2 ቈረ. 6:3) ኣብዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ፦ (1) ክንሰብኽ ከለና ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (2) ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፦ (ሀ) ጕጅለና ኣብቲ እነገልግለሉ ኽሊ ኽትበጽሕ ከላ፣ (ለ) ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና፣ (ሐ) ኣብ ማዕጾ ደው ኢልና ኸነዘራርብ ከለና፣ (መ) ብጻይና ኺምስክር ከሎ፣ (ረ) እቲ ብዓል ቤት ኪዛረብ ከሎ፣ (ሰ) እቲ ብዓል ቤት ብስራሕ ትሑዝ እንተ ዀይኑ ወይ ኵነታት ኣየር ቈራሪ እንተ ዀይኑ፣ (ሸ) እቲ ብዓል ቤት ዘይእሩም እንተ ዀይኑ።
መዝሙር 16ን ጸሎትን