መደብ 7 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
7 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 33ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 13 ሕ.ጽ. 1-8 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት፡-
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 27-31 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ምሳሌ 28:19–29:10 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሮሜ 8:32፡ ኵሉ መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም እተረጋግጸልና ብኸመይ እያ፧ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ንግዜና ዚኸውን ግብራዊ መምርሒ ዝሓዘ እዩ።—td 9ለ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደም ንዚለዓል ሕቶታት ምምላስ። ኣብታ ሪዝኒን እትበሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 74፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ክሳዕ ገጽ 76፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ሓደ ፈላሚ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኣገልገለ ኸሎ ብዛዕባ ደም ንዚቐርበሉ ሕቶ ብመጽሓፍ ሪዝኒን ተጠቒሙ ብኸመይ ከም ዚምልስ መርኣያ ኸም ዜቕርብ ግበር።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ የሆዋ ንህዝቡ ኣይኪሓድጎን እዩ። (መዝ. 94:14) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2011 (እንግሊዝኛ) ካብ ገጽ 215፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-2፡ ከምኡውን ካብ ገጽ 221፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3፡ ክሳዕ ገጽ 222፡ ሕጡብ ጽሑፍ 5 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ምስ ተመያየጥኩምሉ፡ ሰማዕቲ ኻብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 15ን ጸሎትን