መደብ 28 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
28 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 14 ሕ.ጽ. 1-9 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መሃልየ መሃልይ 1-8 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መሃልየ መሃልይ 1:1-17 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ማርያም “ድንግል” ኰይና ኣይቀጸለትን—td 10ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ካብ ካልኦት ኣኽብሮት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ኵሎም ኣብዚ ዕዮ እዚ ኺካፈሉ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ፦ “ንፉዕ መምህር ንምዃን ዜድሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህርይ።” ሕቶታትን መልስታትን። ሰማዕቲ፡ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሎም ኣስፋሕ ዘርኣዮም ፍቕሪ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ኬዘንትዉ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ታሕሳስ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ርእይቶታት። ምይይጥ። ንሓደ ወይ ንኽልተ ደቓይቕ ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ብዛዕባ ዚኽእል ዓንቀጻት ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ሰማዕቲ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም፡ እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት፡ ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 18ን ጸሎትን