መደብ 30 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
30 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 30ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 17 ¶1-9 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኢሳይያስ 43-46 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ኢሳይያስ 45:15-25 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ትዕግስቲ ኣምላኽ ናብ ድሕነት ዚመርሕ ብኸመይ እዩ፧—2 ጴጥ. 3:9, 15 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ “ናብ ኣምላኽ ንኬቕርበና ጥራይ እዩ” ኢልካ ዚግበር ኣምልኾ ኣይፍቀድን—td 13ሐ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ንናይ ቀረባ እዋን ግምቢ ዘብዐኛ እተዳለወ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ ኣብ ለካቲት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ብዛዕባ እቲ ብኢንተርነት ዚግብር ማሕበራዊ ርክብ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧—1ይ ክፋል። ኣብ ናይ ሓምለ 2011 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 24-27 ከምኡውን ኣብ ናይ ለካቲት 2012 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 6-7 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።
20 ደቒቕ፦ “ሕክምና ንዜድልዮ ድንገተኛ ዅነታት ተዳሊኻዶ ኣሎኻ፧” ሕቶታትን መልስታትን። ነቲ ኣብ መጀመርታን ኣብ መወዳእታን ዚርከብ ሓሳብ ብሕጽር ዝበለ መገዲ ኸም መእተውን ከም መዛዘምን ጌርካ ተጠቐመሉ።
መዝሙር 43ን ጸሎትን