ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/12 ገጽ 4
  • መደብ 6 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ 6 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 6 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 1/12 ገጽ 4

መደብ 6 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

6 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 10⁠ን ጸሎትን

□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦

cf ምዕ. 17 ¶10-15 (25 ደቒቕ)

□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኢሳይያስ 47-51 (10 ደቒቕ)

ቍ. 1፦ ኢሳይያስ 51:1-11 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ቍ. 2፦ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምትሕውዋስ ኣምላኽ ዚፈትዎ መገዲ ኣይኰነን—td 14ሀ (5 ደቒቕ)

ቍ. 3፦ ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ኽነሱ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ዜጥፍእ ከመይ ኢሉ እዩ፧—2 ተሰ. 1:6-9 (5 ደቒቕ)

□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦

መዝሙር 36

3 ደቒቕ፦ ምልክታታት።

10 ደቒቕ፦ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ማሕበራዊ መራኸቢ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧—2ይ ክፋል። ኣብ ናይ ነሓሰ 2011 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 10-13 ኸምኡውን ኣብ ናይ ለካቲት 2012 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 8-9 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።

10 ደቒቕ፦ “‘ንዅሉ ሰብ’ ስበኸሉ።” ሕቶታትን መልስታትን። ዕላማ እቲ ኣብ እታው እዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ቐሪቡ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ብሮሹር ተመያየጠሉ። ድሕሪኡ፡ ነቶም ኣብ ክልኹም ዘለዉ ሰባት ኪጠቕሞም ዚኽእል ክልተ ብሮሹራት ምረጽ። ንትሕዝቶ እተን ብሮሹራት ተመያየጥሉ፣ ነፍሲ ወከፈን ብኸመይ ኪብርከታ ኸም ዚኽእላ ዜርኢ መርኣያ ድማ ኣቕርብ።.

7 ደቒቕ፦ ኣብ ለካቲት መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። ንሓደ ወይ ንኽልተ ደቓይቕ ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ብዛዕባ ዚኽእል ዓንቀጻት ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም፡ እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት፡ ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 44⁠ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ