ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/12 ገጽ 2
  • ሳጹን ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳጹን ሕቶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስድራ ቤተይ ድኻታት እንተ ዀይኖምከ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • የሆዋ ነቶም ብፍታው ዚህቡ ይባርኾም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተረፎም ጐደሎ ይምልእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 6/12 ገጽ 2

ሳጹን ሕቶ

◼ ምስ ሞትና እተወሰነ ወይ ብምሉኡ ንብረትና ንውድብ የሆዋ ኺውሃብ ምስ እንደሊ፡ እንታይ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧

ሰባት እንተ ሞይቶም፡ ንብረቶም ኪቈጻጸርዎ ኣይክእሉን እዮም። (መክ. 9:5, 6) ገሊኦም ኣሕዋት ነቲ ብውልቆም ዘይደልይዎ ገንዘብ፡ ውድብ የሆዋ ምእንቲ ኺጥቀመሉ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ፡ “ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ” ዚብል ክፍሊ ኣቐሚጦምዎ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ብህይወቶም ክሳዕ ዘለዉ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእሉ መደብ ብምግባር፡ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ንውድብ የሆዋ ኣመሓላሊፎም እዮም። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኪህልዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብዅነታት ዚቕየደሉ እዋናት ግና ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ ገሊኣቶም ቅድሚ ሙማቶም ብዛዕባ ንብረቶም ኣብ ምንታይ መዓላ ኺውዕል ከም ዚደልይዎ ዚገልጽ ለበዋ ወይ ሕድሪ ይህቡ እዮም። (2 ነገ. 20:1) እዚ ሕጋዊ ሰነድ እዚ፡ እቲ ሰብ ንመን ብዓል ሕድሪ ኪኸውን ከም ዚደልዮ ይሕብር እዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ሰነድ እንተ ዘይተዳልዩ፡ ንብረት እቲ መዋቲ ብኸመይ ኪከፋፈል ከም ዘለዎ ዚውሰን፡ ብሰበ ስልጣን ወይ ብልምዳዊ ስርዓት እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ ንብረትና፡ እተወሰነ ወይ ብምሉኡ ንውድብ የሆዋ ኺውሃብ ምስ እንደሊ፡ ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሕጋዊ ሰነድ ከነዳሉ፡ ዚውክለና ብዓል ሕድሪ ኸኣ ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ብዓል ሕድሪ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ዘለዎ። እቲ ንብረት ሰፊሕ ወይ ብዙሕ እንተ ደኣ ዀይኑ ድማ፡ ነቲ ንብረት ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ንኼከፋፍሎ ደቀቕቲ ዝርዝራት ኬማልእ ኬድልዮ ይኽእል እዩ፣ ግዜ እውን ዚወስድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰበ ሰልጣን ኪስዓብ ዜድልዮ መምርሒ ይሕዙ እዮም። ብዘይካዚ፡ ኵሉ ኣባል ጉባኤ ኣይኰነን፡ ንፉዕ ብዓል ሕድሪ ኪኸውን ዚኽእል። ስለዚ፡ እቲ እንመርጾ ሰብ፡ ክእለት ከም ዘለዎን ሕድሪ ኸም ዜጽንዕን ድሌትና ንኼማልእ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነን ክንፈልጥ ኣሎና።—ኣብ ናይ 8 ታሕሳስ 1998 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ነታ፡ ብዛዕባ ንብረትካ ኣቐዲምካ ምምዳብ ጥበባዊ ምዃኑን እንታይ ረብሓ ኸም ዘለዎን እትገልጽ፡ “ዘ ዊስደም አንድ በነፊትስ ኦቭ ኢስቴት ፕላኒንግ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ