መደብ 30 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
30 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 33ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 7 ¶9-13፡ ኣብ ገጽ 56 ዘላ ሳጹን (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ህዝቅኤል 21-23 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ህዝቅኤል 23:35-45 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እያ ሰፋሕ፧—ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 8:38, 39 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ መንፈስ ቅዱስ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ—td 22መ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ ኣብ ነሓሰ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
25 ደቒቕ፦ “ቅድሚ ምስባኽካ፡ ከተናዲ የድልየካ ይኸውን።” ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ ሕቶታትን መልስታትን። እቲ ትምህርቲ ኣብ ከባቢኹም ብኸመይ ኪዕየየሉ ኸም ዚኽእል ኣጕልሕ። እታ ጉባኤ ንጕጅለ ቛንቋ ወጻኢ እትድግፍ እንተ ዀይና፡ ወይ ከኣ ንቛንቋ እታ ጉባኤ ንዚዛረቡ ሰባት ተናዲ እንተ ዀይና፡ ንሕጡብ ጽሑፍ 5 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ኣብቲ ዕዮ ምንዳይ እንታይ ኪብሃል ከም ዚከኣል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 47ን ጸሎትን