ኣብ . . . መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት
ኣብ ወወርሒ፡ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት፡ ብኸመይ መጽሔታት ከነበርክት ከም እንኽእል ዚገልጽ ክፍሊ ይቐርብ እዩ። ዕላማኡ፡ ትሕዝቶ እቲ መጽሔታት ብመልክዕ ድግማ ንምቕራብ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነተን መጽሔታት ንምዕዳል ዚሕግዝ ርእይቶታት ንምምይያጥ እዩ። ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ መምርሒ፡ እቲ ነቲ ኽፍሊ ዜቕርቦ ሓው፡ ሓጺር መእተዊ ተጠቒሙ ብዛዕባ እተን መጽሔታት ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዚሓድር ይገብር። ድሕሪኡ፡ ኵሎም ሰማዕቲ ምእንቲ ኺከታተሉን ነቲ ኺጥቀምሉ ዚደልይዎ ርእይቶ እምንቲ ኬቕልቡሉን፡ እቲ ሓው ነቶም ኣስፋሕቲ፡ ንሓንቲ ዓንቀጽ (ወይ ንተኸታታሊ ዓንቀጻት) ብኸመይ ኬበርክቱ ኸም ዝሓሰቡ ንኺገልጹ ይዕድሞም። እቲ ሓው ነቶም ሰማዕቲ፡ ምሉእ ኣቀራርባ ንኺዛረቡ ኣብ ክንዲ ዚዕድሞም፡ ፈለማ እንታይ ተገዳስነት ኬለዓዕል ዚኽእል ሕቶታት ኪጥቀሙ ኸም ዝሓሰቡ ይሓትቶም፣ ድሕሪኡ፡ ኣየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑ ይሓትቶም። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ብምቕራብ ድማ ይዛዝም። ኣብቲ ኣኼባ ርእይቶና ምእንቲ ኽንህብ፡ ኣቐዲምና ነቲ መጽሔታት ከነንብቦ ኣሎና። ኵላትና እንተ ተዳሊና፡ እቲ ኽፍሊ ንገጽ ብጻይና ንኽንስሕሎ ኺሕግዘና እዩ።—ምሳ. 27:17።