መደብ 30 መስከረም እትጅምር ሰሙን
30 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 30ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 27 ¶10-18 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ገላትያ 1-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ገላትያ 1:18–2:10 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሓጢኣት እንታይ እዩ፧—td 3ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሆዋ ኺምለኽ ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧—ራእ. 4:11 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ “ምሳኻ ንኼገልግሉ ኽትዕድሞም ትኽእልዶ፧” ምይይጥ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት—ንዅሉ ቛንቋታት ምምስካር። ካብታ እተወደበ እትብሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 104፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2፡ ክሳዕ ገጽ 105፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4፡ ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር።
10 ደቒቕ፦ ኣይትጨነቑ። (ማቴ. 6:31-33) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2013፡ ኣብ ገጽ 138፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3፡ ክሳብ ገጽ 139 ሕጡብ ጽሑፍ 3 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 40ን ጸሎትን