ኣብ ግዜ በዓላት እንታይ ክትገብር ኢኻ፧
ሃይማኖታውን ሃገራውን በዓላት ኣብ ዚበዓለሉ እዋናት፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ስራሕ ስለ ዘይወፍሩ፡ እዚ እዋናት እዚ ኣብ ኣገልግሎት ንኽንካፈል ዜኽእል ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ጉባኤታት ኣብ ግዜ በዓላት ንኺምስክራ ዜኽእለን ፍሉይ ምድላዋት ኪገብራ ኣለወን። መብዛሕትኦም ሰብ ቤት ኣራፊዶም ካብ ድቃስ ዚትንስኡ እንተ ዀይኖም፡ እቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚግበረሉ ሰዓት ኪተዓራረ የድልዮ ይኸውን። ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት፡ ብዛዕባ እቲ ተገይሩ ዘሎ ፍሉይ ምድላዋት ብምልክታ ኺንገርን ኵሎም ኣስፋሕቲ ንኺካፈሉ ምትብባዕ ኪውሃብን ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ግዜ በዓላት፡ ንኸነዕርፍን ውልቃዊ ጕዳያትና ንኽንገብርን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ስለምንታይ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዘይነሕልፎ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ብምክፋል ዚመጽእ ዕግበት ክትረክብ ኢኻ።—ማቴ. 11:29, 30።