መደብ 4 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
4 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 43ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jl ትምህርቲ 3-4 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቲቶስ 1–ፊልሞን (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ቲቶስ 2:1-15 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ዘመናት ኣህዛብ ብ1914 (ድ.ክ.) ተወዲኡ—td 4ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ን“ጽውጽዋያት” ከነቕልበሉ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧—1 ጢሞ. 1:3, 4፣ 2 ጢሞ. 4:3, 4 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሕዳር መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ኣብዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ፦ ኣብተን ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 እንዕድለለን ቀዳመ ሰናብቲ፡ ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ መጽሔታት እውን ክንዕድል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎ፧ ካብ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ናብ መጽሔታት ንምስግጋር እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ምስ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ቃል ኣምላኽ ይዓዪ እዩ። (እብ. 4:12) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2013፡ ካብ ገጽ 57፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ክሳብ ገጽ 59፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ኣብ ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 37ን ጸሎትን