ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ሕዳር፦ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38። ታሕሳስ፦ ትራክትታት ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ጥሪ፦ ብስራት ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ከኣ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ። (እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እትብሃል ብሮሹር፡ ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብሎም ወይ ከኣ ፈጺሞም ንዘይተማህሩ ኽትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም።)