መደብ 15 መስከረም እትጅምር ሰሙን
15 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 15ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 12 ¶1-7 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 26-29 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 27:15–28:10 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ 144,000 ጥራይ ናብ ሰማይ ይኸዱ—td 19ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣዳም ፍጹም እንተ ደኣ ነይሩ፡ ከመይ ኢሉ ኺሓጥእ ይኽእል፧—w08 1/10 ገጽ 27 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ እንታይ ዓሚምና፧ ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት እተዓምመ ዜተባብዕ ነገራት ብምትኳር፡ እታ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ዝነበራ ንጥፈታት፡ እንተላይ እቲ ኣብ ነሓሰ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ኣቕርብ። ኣብቲ እተዓምመ ዜተባብዕ ነገራት ብምትኳር፡ ንኣስፋሕቲ ስለቲ ዝገበርዎ ሰናይ ዕዮ ንኣዶም። ሰማዕቲ ኣብ ነሓሰ ንዝረኸብዎ ጽቡቕ ተመክሮ ኼዘንትዉ ዓድሞም፡ ኣገልግሎቱ ንዘስፍሐ ሓው ወይ ሓብቲ ቓለ መጠይቕ ግበር። ኣብ ዚመጽእ ዓመት ኪትኰረሉ ዘለዎ ሓደ ወይ ክልተ መዳያትን ኬመሓይሹሉ ዚኽእሉ ግብራዊ ሓሳባትን ብምጥቃስ ደምድም።
15 ደቒቕ፦ “ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ናሆም።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 46ን ጸሎትን