መደብ 15 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
15 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 1ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
Jr ምዕ. 15 ¶7-12 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 6-8 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ እያሱ 8:18–29 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ዝኽሪ ድራር ጐይታ—td 24ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣዝዩ ኽፉእ ተጻራሪ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ—w10 15/11 ገጽ 25 ¶7-11 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ካብቲ ብሕድሪ እተዋህበና ጽቡቕ መዝገብ፡ “ጽቡቕ” ነገር ኣውጽእ።—ማቴ. 12:35ሀ።
15 ደቒቕ፦ “ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 3 ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ሓደ ኣስፋሒ ምስ ተመሃራዩ ዀይኑ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 15፡ ሕጡብ ጽሑፍ 8 ኺመያየጥ ከሎ ዜርኢ፡ ክልተ ኽፋል ዘለዎ መርኣያ ኣቕርብ። ኣብታ ቐዳመይቲ መርኣያ፡ እቲ ኣስፋሒ ብዙሕ ይዛረብ። ኣብታ ኻልአይቲ ግና፡ እቲ ኣስፋሒ፡ ኣተሓሳስባ ተመሃራዩ ንምፍላጥ ዜኽእሎ ሕቶታት ይሓትት።
15 ደቒቕ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ኣብ እትገብሮ ምድላው እትሕግዘካ ንዋት። ምይይጥ። ንሰማዕቲ ናብታ ኣብ jw.org እትርከብ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚምህር፧” (“What Does the Bible Teach?”) ዘርእስታ ኽፋል ከም ዜተኵሩ ግበር (ብእንግሊዝኛ እትርከብ። ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > TEENAGERS ርአ።) እዛ ንዋት እዚኣ፡ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዚርከቡ ሰባት፡ ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሕ ብኸመይ ክትሕግዘና ኸም እትኽእል ተመያየጡላ። ኣብቲ ወብ ሳይት ወረቐት ዕዮ ይርከብ እዩ። እቲ ኣብዚ ወረቐት ዕዮ ዚርከብ ሕቶታት፡ ንልቢ ተመሃሮና ኽንትንክፍ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ኣስፋሒ፡ ንተመሃራዩ እንታይ ከም ዜድልዮ ንኺፈልጥን ውጽኢታዊ ሕቶታት ንኺዳሎን ምእንቲ ኺሕግዞ፡ ንሓንቲ ኻብተን ኣብቲ ወብ ሳይት ዚርከባ ወረቐት ዕዮ ኺጥቀም ከሎ ምስ ነብሱ ብምዝራብ የርኢ። ንሰማዕትኻ፡ ካብቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዘሎና “ጽቡቕ” ነገር ተጠቒሞም ንልቢ ተመሃሮኦም ኪትንክፉ ብምጽዓር ዝሓሹ መምሃራን ኪዀኑ ብምትብባዕ ዛዝም።—ምሳ. 20:5።
መዝሙር 30ን ጸሎትን