መደብ 26 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
26 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 30ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
fg ትምህርቲ 4፡ ክፋል 4, 5 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መሳፍንቲ 5-7 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መሳፍንቲ 7:12–25 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኣምኖን—ፍረ ነገር፦ ዘይግቡእ ጾታዊ ስምዒት፡ ሳዕቤን ኣለዎ—yp-1 187 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጴጥሮስ ኣይተሃንጸትን—td 26ለ (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ብዅሉ ትሕትና ንጐይታ ተገዛእ።’—ግብ. 20:19።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ጥርን ለካቲትን ዚዕደል ጽሑፋት። ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ኣገልግሎት ብምጥቃሞም ንዝረኸብዎ ጽቡቕ ተመክሮ ኼዘንትዉ ዓድሞም። ነታ ብሮሹር ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ። ብድሕርዚ፡ ነታ፡ “ከይተደናጐኻ ኽትከይድ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧” እትብል ዓንቀጽ ተመያየጡላ።
10 ደቒቕ፦ ንጐይታ ዚግዝኡ ሽማግለታት—መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው። ኣብዘን ዚስዕባ ሕቶታት ብምምርኳስ፡ ምስ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው ዚግበር ቃለ መጠይቕ። ዕዮኻ እንታይ የጠቓልል፧ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ኢኻ እትዳለወሉ፧ ንዅሎም ሓሳብ ኪህቡ ኢዶም ሓፍ ዘበሉ ሰባት ንኺምልሱ ዕድል ክትህቦም ዘይትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ እቲ ኣንባቢ፡ እቶም ዚምልሱ፡ ከምኡ እውን እቶም ማይክሮፎን ዜዙሩ፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ጠቓምን ባህ ዜብልን ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ሓገዝ እዮም ኬበርክቱ ዚኽእሉ፧ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዝወሰድካዮ ስልጠና፡ ነዚ ኣገዳሲ ሓላፍነት እዚ ብዝሓሸ መገዲ ንኽትፍጽም ብኸመይ ሓጊዙካ፧
10 ደቒቕ፦ “ኣብ ኣገልግሎትካ ንjw.org ተጠቐመሉ—‘ዓርኪ የሆዋ ኹን።’” ምይይጥ። ንትሕዝቶ እዚ ኽፋል ወብ ሳይትና ኸልስ፣ ንሰማዕቲ ድማ ንሓንቲ ኻብተን ቪድዮታት ኣርእዮም። ነተን “ዓርኪ የሆዋ ኹን” ዚብላ ቪድዮታት፡ ካብ ቤት ናብ ቤት፡ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ከምኡ እውን ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኺጥቀሙለን ዚኽእሉ ኻልእ መገዲ እንተ ኣልዩ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 24ን ጸሎትን