መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—መጋቢት 2019
4-10 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 12-14
“ክርስትያናዊት ፍቕሪ ምርኣይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧”
(ሮሜ 12:10) ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።
it-1-E 55
ፍቕሪ
ሕውነታዊት ፍቕሪ (ግሪኽኛ፡ ፊላደልፊያ፡ ቃል ብቓሉ፡ “ፍቕሪ ንሓው”) ኣብ መንጎ ዅሎም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትህሉ ኣለዋ። (ሮሜ 12:10፣ እብ 13:1፣ ኣብ 1ጴጥ 3:8 እውን ርአ።) ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ጉባኤ ዘሎ ርክባት፡ ከም ናይ ተፈጥሮ ስድራ ቤት ጥቡቕን ድልዱልን ውዕዉዕን ኪኸውን ኣለዎ። ኣባላት ጉባኤ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላቶም እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዝያዳ ኺገብሩ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ።—1ተሰ 4:9, 10።
እታ “ተፋቐሩ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ፊሎስቶርጎስ እትብል ቃል ግሪኽኛ፡ ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ጥቡቕ ቅርርብ ከም ዘለዎ ተመልክት። ስተርጎ ዚብል ሱር ሓደ ኽፋል እቲ ቓል፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ንዘሎ ተፈጥሮኣዊ ፍቕሪ የመልክት። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኼማዕብሉ እዩ ኣተባቢዕዎም። (ሮሜ 12:10) ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም” (ግሪኽኛ፡ ኣስቶርጎይ) ከም ዚዀኑን፡ እዚኣቶም እውን ሞት ከም ዚግብኦም ጳውሎስ ሓቢሩ ኣሎ።—2ጢሞ 3:3፣ ሮሜ 1:31, 32።
(ሮሜ 12:17-19) ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ሕሰቡ። 18 ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። 19 ፍቑራተየ፡ “‘ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡’ ይብል የሆዋ” ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ቝጥዓስ ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”
ሮሜ 12:17 ኣንብብ። ጳውሎስ፡ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ሕነ ኽንፈዲ ኸም ዘይብልና ገለጸ። ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ፡ ብፍላይ ኣብተን ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ስድራ ቤታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ክርስትያን መጻምድቲ፡ ብዘረባ ወይ ብተግባር እንተ ተጐዲኡ፡ ንሱ እውን ከምኡ ብምግባር ሕነ ኣይፈድን እዩ። ከመይሲ፡ ‘ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ምፍዳይ’ ዜምጽኦ ጥቕሚ የለን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ነቲ ዅነታት መሊሱ እዩ ዜጋድዶ።
“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ”
ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ” ብምባል ንኣመንትን ንዘይኣመንትን ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዚግባእ ዚገልጽ ምዕዶ ሃበ። እዚ ምዕዶ እዚ ናይቲ ኣቐዲሙ ጠቒስዎ ዝነበረ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ” ዚብል ውጽኢት እዩ። ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ሕነ ንምፍዳይ ክፍኣት ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ናይ ብሓቂ ንእከይ ፈንፊንዎ ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ። ከምዚ ምግባር ምስቲ “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን” ዚብል ዚጻረር እዩ። ጳውሎስ፡ “ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ” በለ። (ሮሜ 12:9, 17) ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ብኸመይ ኢና፧
ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ መልእኽቱ ብዛዕባ እቲ ሃዋርያት ዘጋጠሞም መስጐጕቲ ጽሒፉ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና አሎና። . . . እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ እናተሐሜና ንምዕድ አሎና።” (1 ቈረንቶስ 4:9-13) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሰባት ነቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይዕዘብዎም እዮም። እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ነቲ እናተገፋዕና እንገብሮ ሰናይ ነገር ኪርእዩ ኸለዉ፡ ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽትና ብጽቡቕ ይቕበልዎ ይዀኑ።—1 ጴጥሮስ 2:12።
(ሮሜ 12:20, 21) ግናኸ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠምዩ፡ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸሚኡ፡ ኣስትዮ፣ ነዚ ብምግባርካስ፡ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽትኵምር ኢኻ።” 21 ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ
ሓድሓደ ግዜ፡ ንሓደ ዝበደለካ ሰብ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ስርዓታት ንኺፈልጥ ክትሕግዞ ትኽእል ትኸውን ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጕሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። (ሮሜ 12:20, 21) ዜሕርቕ ነገር እናኣጋጠመካ ኽነሱ ሰናይ ጠባይ እንተ ኣርኢኻ፡ ነቲ ተሪር ኣረኣእያ ብምልስላስ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰባት ዘሎ ጽቡቕ ነገር ከም ዚወጽእ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝበደለካ ሰብ ሕያውነትን ድንጋጽን ርሕራሐን ብምርኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ንኺምሃር ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዅነታት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ልኡም ምላሽ ምሃብካ፡ ነቲ ሰብ ብዛዕባ ጽቡቕ ጠባይካ ኸም ዚሓስብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 2:12፣ 3:16።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ሮሜ 12:1) እምበኣር ኣሕዋተየ፡ ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም፡ ማለት ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብርሕራሐ ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ።
መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧
ኣብ ህይወትና እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ምስቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ይተሓሓዝ እዩ። ጳውሎስ፡ ‘ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም ኣቕርብዎ’ ብምባል ነዚ ገሊጽዎ እዩ። (ሮሜ 12:1) የሱስ እውን፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ እዩ። (ማርቆስ 12:30) ንየሆዋ ወትሩ ዘዝበለጸ ኢና ኽንህቦ እንደሊ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሰባት ንየሆዋ መስዋእቲ ኺስውኡ ኸለዉ፡ ጥዑይ እንስሳ ኬቕርቡ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም ነይሩ። እቲ መስዋእቲ ጕድለት እንተ ኣልይዎ፡ ኣምላኽ ኣይቅበሎን እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 22:18-20) ብተመሳሳሊ፡ ኣምልኾና ብየሆዋ ተቐባልነት ኪስእን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧
የሆዋ፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:14-16፣ 2 ጴጥሮስ 3:11) የሆዋ ንኣምልኾና ዚቕበሎ፡ ቅዱስ ወይ ንጹህ እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ። (ዘዳግም 15:21) ንሱ ዚጸልኦ ነገራት እናገበርና፡ ንኣብነት፡ ብዕሉግ ተግባራት፡ ዓመጻ፡ ወይ ኣጋንንታዊ ተግባራት እናገበርና፡ ኣምልኾና ንጹህ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ሮሜ 6:12-14፣ 8:13) በዚ ነገራት እዚ ንዘናጋዕ እንተ ዄንና ኸኣ፡ የሆዋ ይጕሂ እዩ። እዚ ንኣምልኾና ኣብ ቅድሚኡ ርኹስን ዘይቅቡልን ኪገብሮ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ እውን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ።
(ሮሜ 13:1) ብዘይካ ብኣምላኽ ስልጣን የልቦን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም፣ እቶም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ እዮም።
ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት
13:1—እቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን “ብኣምላኽ እተሰርዑ” ብኸመይ እዮም፧ ሰበ-ስልጣን ዓለም፡ ኣምላኽ ፈቒድሎም ስለ ዚገዝኡ፡ “ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም” ኪበሃል ይከኣል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ ንግዝኣቶም ብዚምልከት ኣቐዲሙ ይፈልጥ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓያሎ ገዛእቲ እተነበዮ ትንቢት ተራእዩ እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ሮሜ 13:1-14) ብዘይካ ብኣምላኽ ስልጣን የልቦን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም፣ እቶም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ እዮም። 2 ስለዚ፡ እቲ ንብዓል ስልጣን ዚቃወም፡ ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ፣ እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ኣብ ርእሶም ፍርዲ ኼምጽኡ እዮም። 3 ከመይሲ፡ እቶም ገዛእቲ፡ ክፉእ ንዚገብሩ እምበር፡ ሰናይ ንዚገብሩ ኣየፍርሁን እዮም። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ሰናይ ግበር፡ ንሱ እውን ኪንእደካ እዩ፣ 4 ንሱስ ንሰናይካ ኢሉ ዝቘመ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ። ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ክፉእ ትገብር እንተ ኣሊኻ ግና፡ ፍራህ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብቶም ክፉእ ዚገብሩ፡ ቍጥዓ ንምግላጽ ዚኸውን ፈዳይ ሕነ እዩ። 5 ስለዚ፡ ስለ ሕልና ኢልኩም እምበር፡ ስለ ቝጥዓ ኢልኩም ጥራይ ኣይኰነን ክትግዝኡ ዚግብኣኩም። 6 ምእንቲ እዚ ኸየብኰሩ ዜገልግሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ግብሪ እትኸፍሉ ዘለኹም። 7 ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ቀረጽ ንዚግብኦ ቐረጽ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብሪ ንዚግብኦ ኽብሪ፡ ንዅሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ። 8 እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሓደ እኳ ገለ ዕዳ ኣይሃሉኹም። 9 እቲ፡ “ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ኣይትተምነ” ዚብል ሕጊ፡ ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ። 10 ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን እያ፣ እምበኣር፡ ፍቕሪ መፈጸምታ ሕጊ እያ። 11 ድሕነትና ኻብቲ ዝኣመንናሉ ግዜስ ሕጂ ይቐርብ እሞ፡ ድሮ ኻብ ድቃስ እትበራበሩላ ሰዓት ከም ዝኣኸለት፡ እዋኑ ስለ እትፈልጥዎ፡ ከምኡ ግበሩ። 12 ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ እውን ቀሪባ እያ። እምበኣር፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። 13 ብፈንጠዝያን ስኽራንን፡ ብብዕሉግ ጾታዊ ርክብን ንውርምናን፡ ብባእስን ቅንእን ዘይኰነስ፡ ከም ብመዓልቲ ብኣደብ ንመላለስ። 14 ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ትምኒት ስጋ ኸተርውዩ ኢልኩም ኣይትሃቅኑ።
11-17 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 15-16
“ተጻዋርነትን መጸናንዕን ንምርካብ ናብ የሆዋ ጠምት”
(ሮሜ 15:4) ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።
“ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ”
እቲ ኣልኣዛር ምስ ሞተ የሱስ ኣዝዩ ኸም ዝሓዘነ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብዙሕ ዜጸናንዕ ጥቕስታት እዩ። እወ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ዜጸናንዕ ጥቕስታት ኣሎ። እዚ ድማ ኣየገርመናን እዩ፣ ምኽንያቱ፡ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:4) ንስኻ እውን ትሓዝን እንተ ኣሊኻ፡ እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ፦
▪ “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም።”—መዝ. 34:18, 19።
▪ “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።”—መዝ. 94:19።
▪ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረና፡ ብጸጋ እውን ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሃበና ኣቦና ኣምላኽን . . . ንልብኹም የጸናንዕዎን የጽንዕዎን።”—2 ተሰ. 2:16, 17።
(ሮሜ 15:5) እቲ ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም፣
“ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”
ካብ የሆዋ ብርታዐ ርኸብ። የሆዋ፡ “ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ” እዩ። (ሮሜ 15:5) ነቲ ዜጋጥመና ጸገማት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከባቢናን ስምዒትናን ኣፈጣጥራናን ምሉእ ብምሉእ ዚርዳእ ንሱ ጥራይ እዩ። ክንጻወር ምእንቲ ኽንክእል እንታይ ከም ዜድልየና ብልክዕ ዚፈልጥ እምበኣር ንሱ በይኑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡ ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን” ይብል። (መዝ. 145:19) ግናኸ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽንጻወር ዜድልየና ብርታዕ ንምርካብ እነቕርቦ ጸሎት ከመይ ገይሩ ይሰምዖ፧
(ሮሜ 15:13) ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተስፋኹም ምእንቲ ኽትዓዝዝሲ፡ እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎኩም እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኩም።
‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ’
የሆዋ፡ ‘ብሓጐስን ብሰላምን ዚመልኣና ተስፋ ይህበና’ እዩ። (ሮሜ 15:13) እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ተስፋ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እምነትና ዚወርድ ፈተናታት ብጽንዓት ንኽንሰግሮ የኽእለና። እቶም ‘ክሳዕ ሞት እሙናት ዚዀኑ’ ቕቡኣት፡ ‘ኣኽሊል ሰማያዊ ህይወት ኪውሃቦም እዩ።’ (ራእ. 2:10) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሓለውቲ ንጽህና ድማ፡ ኣብታ ዓለምለኻዊት ገነት ንዘለኣለም ኪባረኹ እዮም። (ሉቃ. 23:43) ብዛዕባ ተስፋና እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ ብሓጐስን ብሰላምን ደይኰንናን እንምላእ፧ ነቲ ወሃብ “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ዝዀነ ኣምላኽከ ብዝያዳ ደይኰንናን እነፍቅሮ፧—ያእ. 1:17።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ሮሜ 15:27) ኣህዛብ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸቶም ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም እውን ንዓታቶም ብስጋዊ በረኸቶም ኬገልግልዎም ዕዳ ኣለዎም እሞ፡ ከምኡ ኺገብሩ ፈትዮም ኣለዉ፣ እወ፡ ሰብ ዕዳኦም እዮም።
w89-E 1/12 24 ¶3
“ሓቅነት ፍቕርኹም ክዕዘብ”
እቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ኣብቲ ሽግሮም ንምድጋፍ ድራኸ ኺሓድሮም ይግባእ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ኪኸፍልዎ ዚግባእ ፍሉይ “ዕዳ” ነይርዎም እዩ። እቲ ብስራትሲ ኻብ የሩሳሌም ደይኰነን ናብ ኵሎም ኣህዛብ በጺሑ፧ ስለዚ፡ ጳውሎስ፡ “ኣይሁድ ክርስትያናት መንፈሳዊ መዛግብቶም ንኣህዛብ ካብ መቐልዎምሲ፡ ኣህዛብ ብስጋ ንዜድልዮም ኬዋጽኡሎም ንጹር ግዴታ ኣለዎም” በለ።—ሮሜ 15:27፡ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል።
(ሮሜ 16:25) ነቲ በቲ ኣነ ዘበስሮ ብስራትን ስብከት የሱስ ክርስቶስን ኬጽንዓኩም ዚኽእል፡ ክብሪ ይኹኖ። እቲ ስብከት እቲ ኸኣ፡ ምስ ግልጸት እቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ስቕ ተባሂሉ ዝጸንሐ ቕዱስ ምስጢር ዚሰማማዕ ኰይኑ፡
it-1-E 858 ¶5
ኣቐዲምካ ምፍላጥ፡ ኣቐዲምካ ምምዳብ
መሲሕ ወይ ክርስቶስ፡ ካብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ዝዀኑ ዅሎም ጻድቃን ዚባረኹሉ እተተስፈወ ዘርኢ እዩ ነይሩ። (ገላ 3:8, 14) እቲ “ዘርኢ” ንፈለማ ግዜ ድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን እተገብረ ዕልወት፡ ግናኸ ኣቤል ከይተወልደ ኸሎ እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። (ዘፍ 3:15) እዚ ኸኣ ካብቲ ግልጸት እቲ “ቕዱስ ምስጢር” ብምግላጽ እቲ መሲሓዊ “ዘርኢ” ዝነጸረሉ ኣስታት 4,000 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ዀይኑ። ስለዚ፡ ብሓቂ “ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ስቕ ተባሂሉ ዝጸንሐ” እዩ።—ሮሜ 16:25-27፣ ኤፌ 1:8-10፣ 3:4-11።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ሮሜ 15:1-16) ንሕና እቶም ብርቱዓት ዝዀንና፡ ንርእስና ባህ ከነብል ዘይኰነስ፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር ይግብኣና እዩ። 2 ነፍሲ ወከፍና ንብጻዩ ኺሃንጾስ፡ ብሰናይ ባህ የብሎ። 3 ከመይሲ፡ ከምቲ፡ “ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ ኣባይ ወዲቑ” ዚብል እተጻሕፈ፡ ክርስቶስ እኳ ንርእሱ ባህ ኣየበለን። 4 ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ። 5 እቲ ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም፣ 6 እዚ ድማ ሓቢርኩም ብሓደ ድምጺ፡ ንኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተኽብሩ እዩ። 7 ስለዚ፡ ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ፡ ከምቲ ክርስቶስ እተቐበለና፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። 8 ከመይሲ፡ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ ኣገልጋሊ እቶም እተገዝሩ ኸም ዝዀነ እብለኩም ኣለኹ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣቦታቶም እተተስፈውዎ ተስፋታት ምእንቲ ኼጽንዖ፡ 9 ኣህዛብ ድማ ንኣምላኽ ስለ ምሕረቱ ምእንቲ ኼመስግንዎ እዩ። ከምቲ፡ “ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክውድሰካ፡ ንስምካ እውን ውዳሰ ኽዝምር እየ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ። 10 ከም ብሓድሽ እውን፡ “ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ” ይብል። 11 መሊሱ ኸኣ፡ “ኵልኹም ኣህዛብ፡ ንየሆዋ ወድስዎ፣ ኵሎም ህዝብታት እውን ይወድስዎ” ይብል። 12 ከም ብሓድሽ ድማ ኢሳይያስ፡ “እቲ ሱር እሴይ፡ እቲ ንኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ ከኣ ኪመጽእ እዩ፣ ኣህዛብ ኣብኡ ተስፋ ኺገብሩ እዮም” ይብል። 13 ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተስፋኹም ምእንቲ ኽትዓዝዝሲ፡ እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎኩም እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኩም። 14 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ሰናይ ከም ዝመልኣኩም፡ ብዅሉ ፍልጠት ድማ ከም እተመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም እውን ክትማዓዓዱ ኸም እትኽእሉ፡ ኣነ ባዕለይ እኣምን እየ። 15 ግናኸ፡ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፡ ብዛዕባ ገለ ነገራት ኣዝየ ደፊረ ጽሒፈልኩም ኣለኹ፣ ከምኡ ዝገበርኩ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ጸጋ ስለ እተዋህበኒ እየ፣ 16 እዚ ኸኣ ንኣህዛብ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ክኸውን እዩ ተዋሂቡኒ። እዞም ኣህዛብ እዚኦም ቅቡል መስዋእቲ፡ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሱ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣብቲ ቕዱስ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተጸሚደ ኣለኹ።
18-24 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ቈረንቶስ 1–3
“ስጋዊ ሰብ ዲኻ ወይስ መንፈሳዊ ሰብ፧”
(1 ቈረንቶስ 2:14) ግናኸ፡ ስጋዊ ሰብ ነቲ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ዘበለ ኣይቅበሎን እዩ፣ እዝስ ንዕኡ ዕሽነት እዩ፣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዚምርመር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ።
መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ፈለማ፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ ስጋዊ ሰብ እሞ ሕሰብ። ዓለም ብቐንዱ ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰረ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዋ። ጳውሎስ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ “ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኤፌ. 2:2) እዚ መንፈስ እዚ፡ ንመብዛሕትኦም ሰባት፡ ልሙድ ኣተሓሳስባ ኪቕበሉ፡ ማለት ደድሕሪ ብዙሓት ኪስዕቡ ጽልዋ ገይሩሎም እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰሩ እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ መብዛሕትኦም ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮም እዮም ዚገብሩ፡ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪነብሩ እውን ኣይጽዕሩን እዮም። ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ኺረኽቦ ዚኽእል ሃብትን ክብርን ብዙሕ እዩ ዚጭነቕ፣ መሰሉ ኬኽብር እውን ብዙሕ እዩ ዚጽዕር።
ስጋዊ ሰብ ዚልለየሉ ኻልእ መገዲኸ እንታይ እዩ፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን “ግብሪ ስጋ” ዚካፈሉ ሰባት፡ ስጋውያን ሰባት እዮም። (ገላ. 5:19-21) ጳውሎስ ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቲ፡ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ዚልለዩሉ ብዙሕ ካልእ ባህርያት ጠቒሱ ኣሎ። ስጋውያን ሰባት፡ ኣብ መንጎ ሰባት ፍልልይ ዚፈጥሩ፡ ምስ ሰባት ዚውግኑ፡ ግርጭት ዚፈጥሩ፡ ምስ ሓዎም ዚፋረዱ፡ ንርእስነት ኣኽብሮት ዘየርእዩ፡ ኣብ ምብላዕን ምስታይን ኣመና ዜተኵሩ እዮም። ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ ድማ፡ ቀልጢፎም እዮም ዚደኽሙን ኢዶም ዚህቡን። (ምሳ. 7:21, 22) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣዝዮም ስጋውያን ካብ ምዃኖም እተላዕለ፡ “ዘይመንፈሳውያን” ከም ዚዀኑ ገሊጹ ኣሎ።—ይሁ. 18, 19።
(1 ቈረንቶስ 2:15, 16) ግናኸ፡ መንፈሳዊ ሰብ ንዅሉ ይምርምር እዩ፣ ንሱ ንባዕሉ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ። 16 ከመይሲ፡ “ምእንቲ ኺምህሮስ፡ ሓሳብ የሆዋ ዚፈልጥ መን እዩ፧” ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና።
መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
“መንፈሳዊ ሰብ” ኪብሃል ከሎ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧ መንፈሳዊ ሰብ ከም ስጋዊ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኣዕሚቝ ዚሓስብ እዩ። መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ‘ንኣምላኽ ኪመስልዎ’ ይጽዕሩ እዮም። (ኤፌ. 5:1) ስለዚ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኺፈልጡን ንኣረኣእያኡ ኪቐድሕዎን ይጽዕሩ እዮም። ኣምላኽ ንዓታቶም ብሓቂ ህያው እዩ። ከም ስጋውያን ሰባት ዘይኰኑስ፡ መገድታቶም ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ከም ዚሰማማዕ ኪገብሩ ይጽዕሩ እዮም። (መዝ. 119:33፣ 143:10) ግብሪ ስጋ ኣይገብሩን፣ የግዳስ፡ “ፍረ መንፈስ” ኬፍርዩ እዮም ዚጽዕሩ። (ገላ. 5:22, 23) እወ፡ ሓደ ንመንፈሳዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኣዕዚዙ ዚርኢ ሰብ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ይብሃል።
መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ብብሕትና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 2:16፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ኪህልወና ኸም ዘለዎ ይመኽረና እዩ። ሮሜ 15:5 ኸኣ፡ “ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም” ትብል። ስለዚ፡ ከም ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣተሓሳስባኡ ኽንፈልጥን ባህርያቱ ኣጸቢቕና ኽንርዳእን ኣሎና። ድሕሪኡ ድማ፡ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ኣሎና። ኣተሓሳስባ የሱስ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ምጽዓርና፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ብዝያዳ ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ ከም የሱስ ክንሓስብ ከም እንኽእል ምፍላጥና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(1 ቈረንቶስ 1:20) ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ፧ ተማጓቲ እዚ ስርዓት እዚ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧
it-2-E 1193 ¶1
ጥበብ
ስለዚ፡ ዓለም ብጥበባ ነቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ ኸም ዕሽነት ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ኣይተቐበለቶን፣ ገዛእታ ኸኣ ክኢላታትን ኣስተውዓልትን ኣመሓደርቲ እኳ እንተ ዀኑ፡ ‘ነቲ ኽቡር ጐይታ ሰቒሎምዎ’ እዮም። (1ቈረ 1:18፣ 2:7, 8) ኣምላኽ ድማ ብግዲኡ ነቲ ዘይፈርስ ዕላማኡ ንምፍጻም፡ ንጥበብ እቶም ጥበበኛታት ዓለም ዕሽነት ገይርዎ፡ ንጥበበኛታቶም ከኣ በቲ ንሳቶም “ዕሽነት ኣምላኽ” ገይሮም ዚሓስብዎን በቶም ‘ዓያሹን ድኹማትን ንዑቓትን’ ገይሮም ዚቘጽርዎም ሰባትን ገይሩ ኣሕፊርዎም እዩ። (1ቈረ 1:19-28) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ጥበብ እዚ ስርዓት እዚ ወይስ ጥበብ እቶም ዚሓልፉ ገዛእቲ እዚ ስርዓት እዚ” ከንቱ ኸም ዚኸውን ኣዘኻኺርዎም እዩ፣ ስለዚ፡ እዚ ጥበብ እዚ ኽፍሊ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣይነበረን። (1ቈረ 2:6, 13) ኣብ ቈሎሴ ንዝነበሩ ክርስትያናት ድማ፡ “በቲ ኣብ ስርዓት ሰብ . . . እተመስረተ ፍልስፍናን [ፊሎሶፊያስ፡ ቃል ብቓሉ፡ ፍቕሪ ጥበብ] ከንቱ ጥበራን” ኣብ መፈንጠራ ኸይኣትዉ ኣጠንቂቕዎም እዩ።—ቈሎ 2:8፣ ምስ ፍቕዲ 20-23 ኣረኣኢ።
(1 ቈረንቶስ 2:3-5) ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን ድማ እየ ዝመጻእኩኹም፣ 4 ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብመርኣያ መንፈስን ሓይልን እምበር፡ ብዚሓብል ቃላት ጥበብ ኣይነበረን፣ 5 እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ እምነትኩም ብጥበብ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትከውን እየ።
ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዚጐልሕ ነጥብታት
2:3-5። ጳውሎስ ኣብታ ማእከል ፍልስፍናን ትምህርትን ግሪኽ ዝነበረት ቈረንቶስ ኪምስክር ከሎ፡ ንሰማዕቱ ኼእምኖም ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲብዎ ይኸውን እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን ድኽመቱ ወይ ፍርሁ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኣገልግሎት ከይፍጽም ዕንቅፋት ኪዀኖ ኣየፍቀደን። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ዘይለመድናዮ ዅነታት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከይንእውጅ ዕንቅፋት ኪዀነና ኽንፈቕደሉ የብልናን። ከም ጳውሎስ፡ የሆዋ ሓገዝ ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(1 ቈረንቶስ 1:1-17) ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ኪኸውን እተጸውዐ ጳውሎስን ሶስቴነስ ሓውናን፡ 2 ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ናባኻትኩም ናብቶም ብክርስቶስ የሱስ እተቐደስኩም፡ ምስቶም ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ዚጽውዑ ዘበሉ ዅላቶም ከኣ ቅዱሳት ክትኰኑ እተጸዋዕኩም፦ 3 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 4 ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣ 5 ምኽንያቱ፡ ብዅሉ፡ ማለት ብዅሉ ዘረባን ብዅሉ ፍልጠትን ሃብቲምኩም ኢኹም፣ 6 ብዛዕባ ክርስቶስ እተዋህበ ምስክርነት ከኣ ኣባኻትኩም ጸኒዑ እዩ፣ 7 ግልጸት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተሃንጢኹም እናተጸበኹም ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ውህበት ኣይጐደለኩምን። 8 ኣምላኽ እውን፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መንቀፊ ዘይብልኩም ክትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ። 9 እቲ ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ሕብረት ኪህልወኩም ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ። 10 ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ሓድነት ኪህልወኩም እምበር፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከይህሉ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 11 ኣሕዋተየ፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ብዛዕባኹም እንዳ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ። 12 ማለተይ፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኬፋ፡” “ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ” ትብሉ ኢኹም። 13 ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ እዩ፧ ጳውሎስዶ ተሰቒሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስዶ ተጠሚቕኩም ኢኹም፧ 14 ብዘይካ ንክሪስጶስን ንጋይዮስን፡ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፡ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ፣ 15 ስለዚ፡ ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም፡ ኪብል ኣይክእልን እዩ። 16 ንቤተ ሰብ እስጢፋናስ እባ ኸኣ ኣጥሚቐዮም እየ። ብዛዕባ ዝተረፉ ግና፡ ንኻልእ ኣጥሚቐ እንተ ዀይነ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17 ጕንዲ ስቅያት ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ክርስቶስ፡ ከጥምቕ ዘይኰነስ፡ ብዘይ ጥበብ ዘረባ ኸበስር እዩ ልኢኹኒ።
25-31 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ቈረንቶስ 4-6
“ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ የብኵዖ”
(1 ቈረንቶስ 5:1, 2) አረ ምንዝርና ይውረየልኩም ኣሎ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ምንዝርናስ ኣብ ኣህዛብ እኳ የልቦን፣ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ሰበይቲ ኣቦኡ ኣእትዩ ኣሎ። 2 በዚኸ ትሕበኑዶ ኣለኹም፧ እቲ እዚ ግብሪ እዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕሲ፡ ክትሓዝኑዶ ኣይምተገብኣኩምን፧
(1 ቈረንቶስ 5:5-8) መንፈስ ብመዓልቲ ጐይታ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንጥፍኣት ስጋ ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ። 6 ትምክሕትኹም ጽቡቕ ኣይኰነን። ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ ኸም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 7 ክርስቶስ እቲ ገንሸል ፋስጋና ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሕጂ ዘለኹምዎ፡ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣወግድዎ። 8 ስለዚ፡ ብኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ ክፍኣትን እከይን ዘይኰነስ፡ ብቕጫ ግርህነትን ሓቅን ነብዕል።
(1 ቈረንቶስ 5:13) ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዚፈርዶም ግና ኣምላኽ እዩ። “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ።”
it-2-E 230
ማይ ብሑቝ
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ ኸም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ክርስቶስ እቲ ገንሸል ፋስጋና ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሕጂ ዘለኹምዎ፡ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣወግድዎ” ብምባል ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ዚምንዝር ሰብ ካብታ ጉባኤ ኼውጽእዎ ኺእዝዝ ከሎ ሕደ ተምሳል እዩ ተጠቒሙ። ድሕሪኡ፡ “ማይ ብሑቝ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣነጺርዎ ኣሎ፦ “ስለዚ፡ ብኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ ክፍኣትን እከይን ዘይኰነስ፡ ብቕጫ ግርህነትን ሓቅን ነብዕል።” (1ቈረ 5:6-8) ጳውሎስ ኣብዚ ንስእላዊ ትርጉም እቲ ደድሕሪ ፋስጋ ዚብዓል ናይ ኣይሁድ በዓል ቅጫ እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። ከምቲ ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ዜብኵዖ፡ ነቲ ዜበላሹ ዚምንዝር ሰብኣይ እንተ ዘየወጊዶምዎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እታ ጉባኤ ብሓፈሻ ርኽስቲ ትኸውን እያ። ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ ቅነ እቲ በዓል ኣብ ኣባይቶም ማይ ብሑቝ ዘይነበሮም፡ እቶም ክርስትያናት እውን ነቲ “ማይ ብሑቝ” ካብ ማእከሎም ንምውጻእ ስጕምቲ ኺወስዱ ነይርዎም።
it-2-E 869-870
ሰይጣን
‘ንሓደ ሰብ ንጥፍኣት ስጋ ንሰይጣን ኣሕሊፍካ ምሃብ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ መምርሒ፡ ነቲ ንሰበይቲ ኣቦኡ ብምእታው እኩይ ተግባር ዚገብር ዝነበረ ኣባል ስጕምቲ ኺወስዱሉ ኺእዝዝ ከሎ፡ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንጥፍኣት ስጋ ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1ቈረ 5:5) በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ሰብ ካብ ጉባኤ ኼውጽእዎ፡ ምስኡ ዝነበሮም ኵሉ ሕብረት እውን ኪበትኩ እዩ ዚእዝዞም ነይሩ። (1ቈረ 5:13) ንሰይጣን ኣሕሊፍካ ምሃብ ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ጉባኤ ናብታ ሰይጣን ዝኣምላኻን ዝገዛኢኣን ዓለም ምውጻእ ዜመልክት እዩ። ከምቲ “ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ” ዜብኵዖ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ እውን ኣብታ ጉባኤ ሕማቕ ጽልዋ ዜሕድር “ስጋ” እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ንሰበይቲ ኣቦኡ ዘእተወ ሰብኣይ ብምውጋድ፡ እታ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዋ ጉባኤ ነቲ ኣብ መንጎኣ ዘሎ “ስጋ” ኸተጥፍኦ ነበራ። (1ቈረ 5:6, 7) ብተመሳሳሊ ድማ፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እምነትን ሰናይ ሕልናን ስለ ዝደርበዩ፡ እምነቶም እውን ከም እተሰብረት መርከብ ኰይና ስለ ዝጠፍአት፡ ጳውሎስ ንዓታቶም፡ ንሰይጣን ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ።—1ጢሞ 1:20።
(1 ቈረንቶስ 5:9-11) ኣብ ደብዳበይ፡ ምስ ኣመንዝራታት ደጊም ከይትጽምበሩ ጽሒፈልኩም ነይረ፣ 10 ግናኸ ብሱሩ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ ኣምለኽቲ ጣኦት ማለተይ ኣይኰነን። እንተ ዘይኰነስ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። 11 ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይ ስሱዕ፡ ወይ ኣምላኺ ጣኦት፡ ወይ ተጻራፊ፡ ወይ ሰኽራም፡ ወይ ዘራፊ ዝዀነ ደጊም ከይትጽምበሩ፡ ምስ ከምዚ ዝበለ ኸኣ ከቶ ኸይትበልዑ፡ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።
lvs 241፡ ተወሳኺ ሓበሬታ
ውገዳ
ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ዘይንሳሕን ምስ መለክዒታት የሆዋ ተሰማሚዑ ምምልላስ ዚኣብን እንተ ዀይኑ፡ ኣባል ጉባኤ ዀይኑ ኪቕጽል ኣይክእልን እዩ። ኪውገድ ከኣ ኣለዎ። ሓደ ሰብ እንተ ተወጊዱ፡ ምስኡ ዝነበረና ርክብ ይብተኽ እዩ፣ ድሕሪኡ እውን ኣይነዘራርቦን ኢና። (1 ቈረንቶስ 5:11፣ 2 ዮሃንስ 9-11) ውገዳ ንስም የሆዋን ንስም ጉባኤን የዕቍብ እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:6) ብዘይካዚ፡ ውገዳ ንሓደ ሰብ ናብ የሆዋ ምእንቲ ኺምለስ፡ ከም ዚንሳሕ ኪገብሮ ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 15:17።
▸ ምዕራፍ 3፡ ሕጡብ ጽሑፍ 19
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(1 ቈረንቶስ 4:9) ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ምርኢት ስለ ዝዀንናስ፡ ኣምላኽ ንዓና ንሃዋርያት፡ ሞት ከም እተፈርዶም ገይሩ ኣብ መወዳእታ ምርኢት ዝገበረና ይመስለኒ።
መላእኽቲ—“መናፍስቲ ኣገልግሎት”
ኣብ ትሕቲ ፈተና ዘለዉ ክርስትያናት፡ ‘ንመላእኽቲ ትርኢት ኰይኖም ኣለዉ።’ (1 ቈረ. 4:9) መላእኽቲ ንተኣማንነትና ኺዕዘቡን ሓደ ሓጥእ ኪንሳሕ ኪርእዩን ከለዉ፡ ብዙሕ ዕግበት ይረኽቡ እዮም። (ሉቃ. 15:10) ነቲ ክርስትያን ኣንስቲ ዜርእያኦ ፍርሃት ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ኣካይዳ እውን ይዕዘብዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ” ይብል። (1 ቈረ. 11:3, 10) እወ፡ ክርስትያን ኣንስትን ኵሎም ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽን ምስ ቲኦክራስያዊ ስርዓትን ርእስነትን ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኸለዉ፡ መላእኽቲ ይሕጐሱ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ነቶም ሰማያውያን ደቂ ኣምላኽ ጽቡቕ መዘኻኸሪ ይዀኖም።
(1 ቈረንቶስ 6:3) ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዜጋጥም ነገራት ግዳ ኸመይ ዘይንፈርድ፧
it-2-E 211
ሕጊ
ሕጊ ንመላእኽቲ። እቶም ብተፈጥሮኦም ካብ ሰብ ልዕል ዝበሉ መላእኽቲ ንሕግን ንትእዛዛትን ኣምላኽ ይግዝኡ እዮም። (እብ 1:7, 14፣ መዝ 104:4) የሆዋ ነቲ ተጻራሪኡ ዝዀነ ሰይጣን እውን ከይተረፈ ኣዚዝዎን ቀይድዎን እዩ። (እዮ 1:12፣ 2:6) ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ምስ ድያብሎስ ኪማጐት ከሎ፡ “የሆዋ ይግናሕካ” ብምባል ንስልጣን የሆዋ ተቐቢሉን ኣኽቢሩን እዩ። (ይሁ 9፣ ምስ ዘካ 3:2 ኣረኣኢ።) እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ፡ ኵሎም መላእኽቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ስልጣኑ ኪዀኑ ብየሆዋ ኣምላኽ ተዋሂብዎ እዩ። (እብ 1:6፣ 1ጴጥ 3:22፣ ማቴ 13:41፣ 25:31፣ ፊል 2:9-11) ስለዚ፡ ብትእዛዝ የሱስ፡ ሓደ ልኡኽ መልኣኽ ናብ ዮሃንስ ተላእከ። (ራእ 1:1) ኰይኑ ግና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:3፡ መንፈሳውያን ኣሕዋት ክርስቶስ ንመላእኽቲ ኺፈርዱ ኸም እተሸሙ ተዛሪቡ ኣሎ፣ ከምኡ ዝበለ ድማ ኣብ ልዕሊ እኩያት መናፍስቲ ፍርዲ ኣብ ምፍጻም ስለ ዚሳተፉ ኪኸውን ኣለዎ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(1 ቈረንቶስ 6:1-14) ካባኻትኩም፡ ሓደ ምስቲ ኻልእ ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳት ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲዶ ኺፋረድ ይደፍር እዩ፧ 2 ወይስ እቶም ቅዱሳት ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ኣዝዩ ንኣሽቱ ነገራት ክትፈርዱዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ 3 ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዜጋጥም ነገራት ግዳ ኸመይ ዘይንፈርድ፧ 4 እምበኣርከ፡ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዚፍረድ ነገራት እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዚንዓቑዶ ፈራዶ ትገብርዎም ኢኹም፧ 5 ከሕፍረኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። ካንዶ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ጥበበኛ የብልኩምን ኢኹም፧ 6 ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓው ምስ ሓዉ ይፋረድ ኣሎ፣ እሞ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣመንቲ! 7 ንሓድሕድኩም ትፋረዱ ምህላውኩምሲ፡ ብሱሩ ንዓኻትኩም ስዕረት እዩ። ከመይ ግዳ ንስኻትኩም ዘይትብደሉ፧ ከመይከ ዘይትዕመጹ፧ 8 መሓልፎ ንስኻትኩም ትብድሉን ትዕምጹን ኣለኹም፣ እሞ ኸኣ ንኣሕዋትኩም! 9 ወይስ ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትታለሉ። ኣመንዝራታት ኰኑ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኰኑ፡ ዘመውቲ ዀኑ፡ ኣባታቶም ግብረ ሶዶም ኪግበር ዚፈቕዱ ዀኑ፡ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ ዀኑ፡ 10 ሰረቕቲ ዀኑ፡ ስሱዓት ኰኑ፡ ሰኽራማት ኰኑ፡ ተጻረፍቲ ዀኑ፡ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። 11 ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም። ግናኸ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም። 12 ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺቈጻጸረኒ ኣይሓድጎን እየ። 13 ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ እውን ንብልዒ እዩ፣ ኣምላኽ ግና ንኽልቲኡ ኸንቱ ኺገብሮ እዩ። ሰብነት ንጐይታ እምበር፡ ንምንዝርና ኣይኰነን፣ ጐይታ እውን ንሰብነት እዩ። 14 ኣምላኽ ግና ንጐይታ ኣተንሲእዎ እዩ፣ ንዓና እውን ብሓይሉ ኼተንስኣና እዩ።