መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
4-10 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ዮሃንስ 1-5
“ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ”
(1 ዮሃ. 2:15, 16) ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈትዩዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የላን፣ 16 ምኽንያቱ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ትምኒት ስጋን ትምኒት ኣዒንትን መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባልን፡ ካብ ዓለም እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።
ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓብ
ገሊኦም ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ጌጋ ዘይምዃኑ ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ዓለምን ስሕበታን ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ብቐሊሉ ኼስግለና ይኽእል እዩ። እቲ እተቕርቦ ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ናብ ኣምላኽ ኣየቕርበናን እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ዋላ እውን ነቲ ብርእሱ ጌጋ ዘይኰነ ነገራት ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልና፡ ኣብ ሓደገኛ መገዲ ኢና ዘሎና። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ዓለም ዘሎ መብዛሕትኡ ነገራት እከይ ብምዃኑ ኼበላሽወና ይኽእል እዩ። ዓመጻ፡ ፍቕረ-ንዋይ፡ ጾታዊ ርኽሰት ዜጕልሕ ፊልምታት ወይ መደባት ተለቪዥን ንርኢ እንተደኣ ዄንና፡ ነዚ ነገራት እዚ ፈለማ ንቕበሎ እሞ ድሕሪኡ ኺፍትነና ይኽእል። ምስቶም ብቐዳምነት ናብራኦም ኣብ ምምሕያሽ ወይ ብሉጽ ስራሕ ኣብ ምሓዝ ዜተኵሩ ሰባት እንተ ተቐራሪብና፡ ነዚ ነገራት እዚ ቐዳምነት ክንህቦ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 6:24፣ 1 ቈረንቶስ 15:33።
(1 ዮሃንስ 2:17) ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።
ከመይ ዝበልካ ኽትከውን ከም ዚግብኣካ ሕሰብ
ነቲ፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት ዮሃንስ ምዝካርና፡ ካብቲ “ኣብ ዓለም ዘሎ” ነገራት ንኽንርሕቕ ዚሕግዘና ኻልእ መገዲ እዩ። (1 ዮሃ. 2:17) ስርዓት ሰይጣን ነባርን ናይ ሓቅን እዩ ዚመስል። ኰይኑ ግና፡ ሓደ መዓልቲ ኺጠፍእ እዩ። ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ሓላፊ ምዃኑ ምዝካርና፡ ብመህረሪታት ድያብሎስ ንኸይንታለል ይሕግዘና እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(1 ዮሃንስ 2:7, 8) ፍቑራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰንኩን ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። እዚ ናይ ቀደም ትእዛዝ እዚ፡ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። 8 ጸልማት ይሓልፍ፡ ብርሃን ሓቂ እውን ድሮ ይበርህ ኣሎ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ኣብኡን ኣባኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።
መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ
ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ከም ዘሎና ዚሕብር ተደጋጋሚ መዘኻኸሪታት ሒዙ ኣሎ። የሱስ እታ ዝዓበየት ካልኣይቲ ትእዛዝ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እትብል ምዃና ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 22:39) እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ እውን፡ ፍቕሪ፡ “ንጉሳዊ ሕጊ” ምዃና ገሊጹ ኣሎ። (ያእ. 2:8) ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ፍቑራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰንኩን ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 2:7, 8) ዮሃንስ፡ “ናይ ቀደም ትእዛዝ” ኪብል ከሎ፡ ነየናይ ትእዛዝ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ ነቲ ንኽንፋቐር እተዋህበና ትእዛዝ እዩ ዜመልክት ነይሩ። “ናይ ቀደም” እተባህለሉ ምኽንያት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኻብ ዚህቦም፡ ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ ስለ ዝነበረ እዩ። “ሓድሽ” እተባህለሉ ምኽንያት ግና፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓድሽ ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ነዛ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ብግብሪ ኼርእይዋ የድልዮም ስለ ዝነበረ እዩ። ከም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መጠን፡ ካብቲ መለለዪ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ፡ ንብጻይና ኸም ዘይነፍቅር ኪገብረና ዚኽእል መንፈስ ስስዐ ንኽንሕሎ ዚሕግዘና መጠንቀቕታታት ከነማስወሉ ኣይግብኣናንዶ፧
(1 ዮሃንስ 5:16, 17) ሓደ ንሓዉ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ርእይዎ፡ ይለምነሉ፡ ኣምላኽ እውን ህይወት ኪህቦ እዩ። እዚ ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩ እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይኰንኩን “ይለምነሉ” ዝብል ዘለኹ። 17 ዓመጻ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፣ ግናኸ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ።
it-1 862 ¶5
ሕድገት፡ ይቕረታ
ምእንቲ ኻልኦት ሰባት፡ ዋላ እውን ምእንቲ ብዘሎ ጉባኤ ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ምልማን ግቡእ እዩ። ሙሴ ነቲ ህዝቢ እስራኤል ብደረጃ ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣት ድሕሪ ምንዛዝ፡ ይቕረታ ለሚኑሎም እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ሰሚዕዎ እዩ። (ዘሁ 14:19, 20) ሰሎሞን እውን ኣብ ወፈያ እታ ቤተ መቕደስ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ሓጢኣት ገይሮም ናብኡ ኣብ ዚምለሱሉ እውን ይቕረ ኺብለሎም ለሚኑ እዩ። (1ነገ 8:30, 33-40, 46-52) እዝራ ነቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ወኪሉ ሓጢኣቶም ተናዚዙሎም እዩ። እቲ ልባዊ ጸሎቱን ምዕዶኡን ድማ ነቶም ህዝቢ ይቕረታ የሆዋ ንምርካብ ስጕምቲ ኸም ዚወስዱ ገይርዎም እዩ። (እዝ 9:13–10:4, 10-19, 44) ያእቆብ ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዝሓመመ ሰብ ንሽማግለታት ጉባኤ ኺጽውዕ እሞ ንሳቶም ድማ ኪጽልዩሎም ኣተባቢዑ እዩ፣ ድሕሪኡ፡ እቲ ሕሙም “ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑ፡ . . . ኪሕደገሉ እዩ” ኢሉ እዩ። (ያእ 5:14-16) ኰይኑ ግና፡ “ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ፡” ማለት ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ዚፍጸም ሓጢኣት ወይ ይቕረታ ዘይግበረሉ ፈቲኻ ዚግበር ሓጢኣት ኣሎ። ሓደ ክርስትያን ነቶም ከምዚ ዓይነት ሓጢኣት ዚገብሩ ኺጽልየሎም የብሉን።—1ዮሃ 5:16፣ ማቴ 12:31፣ እብ 10:26, 27፣ ሓጢኣት፡ መንፈስ ርአ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(1 ዮሃንስ 1:1–2:6) ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ ብኣዒንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና እውን ዘረምሰሳኦ ቓል ህይወት ንነግረኩም ኣለና። 2 (እወ፡ ህይወት ተጋሂዳ እያ፣ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረትን ንዓና እተጋህደትን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክረልኩምን ንነግረኩምን ኣለና።) 3 ንስኻትኩም እውን ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። እዚ ሕብረትና እውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። 4 ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣለና። 5 እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፡ ንዓኻትኩም እውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ እዚኣ እያ፦ ኣምላኽ ብርሃን እዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ከቶ የልቦን። 6 “ምስኡ ሕብረት ኣሎና” ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላሊስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂ እውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና። 7 ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላሊስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ወዱ እውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ። 8 “ሓጢኣት የብልናን” እንተ ኢልና፡ ንርእስና ነስሕታ ኣለና፡ እታ ሓቂ እውን ኣባና የላን። 9 ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝና፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ እውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። 10 “ኣይሓጣእናን” እንተ ኢልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ ኣለና፡ ቃሉ እውን ኣባና የሎን።
2 ደቀየ፡ ምእንቲ ኸይትሓጥኡ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ፡ ኣብ ኣቦ ረዳኢ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቕ ኣሎና። 2 ንሱ ኸኣ ምእንቲ ሓጢኣትና ዜተዓርቕ መስዋእቲ እዩ፣ ምእንቲ ሓጢኣት ብዘላ ዓለም እውን እምበር፡ ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። 3 ብቐጻሊ ትእዛዛቱ ንሕሉ እንተ ዄንና ድማ፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። 4 እቲ፡ “እፈልጦ እየ” ዚብል፡ ንትእዛዛቱ ግና ዘይሕሉ፡ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂ እውን ኣብኡ የላን። 5 እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ፍጽምቲ ትኸውን። ምስኡ ሓድነት ከም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 6 እቲ፡ “ምስኡ ብሓድነት እየ ዝነብር” ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ ገይሩ ኺመላለስ ግዴታ ኣለዎ።
11-17 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ዮሃንስ 1–ይሁዳ
“ኣብ ሓቂ ምእንቲ ኽንጸንዕ ክንጋደል ኣሎና”
(ይሁዳ 3) ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ድሕነትና ኽጽሕፈልኩም እኳ ሃረር እንተ በልኩ፡ ነታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ምእንቲ ኽትጋደሉ፡ ክጽሕፈልኩም ኣድላዪ ዀይኑ ረኺበዮ እየ።
‘ብጐይታ በርትዑ’
ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ መሰረታዊ ስልትታት ሰይጣን ስለ ዜቃልዖ፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና። (2 ቈረንቶስ 2:11) ድያብሎስ ኣብቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ኣብ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ሞት ዜፍቅሮም ሰባት፡ ናይ ስድራቤት ምጽራር፡ ኣካላዊ ስቓይ፡ ከምኡውን ካብ ናይ ሓሶት ፈተውቲ መሰረት ዘይብሉ ነቐፋ ተጠቒሙ እዩ። እዮብ በዚ ተደቝሰ፡ ኣምላኽ ዝራሕርሖ ድማ መሰሎ። (እዮብ 10:1, 2) ኣብዚ ግዜና ሰይጣን ብቐጥታ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ዘየምጽኣልና እኳ እንተዀነ፡ ንሓያሎ ክርስትያናት ግን ምስዚ ዚመሳሳል ጸገማት የጋጥሞም እዩ፡ ሰይጣን እውን ነዚ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ግዜና መንፈሳዊ ሓደጋታት ይበዝሕ እዩ ዘሎ። ስጋዊ ነገራት ንመንፈሳዊ ሸቶታት ኣብ ዚዕብልሎ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። መራኸቢ ብዙሓን ንብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ጓሂ ዜምጽእ ዘይኰነስ ዜሐጕስ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ወትሩ ዚገልጾ። መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” እዮም ኰይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ‘ንእምነትና እንተ ዘይተጋዲልና፡’ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ንመንፈሳዊ ሚዛንና ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ።—ይሁዳ 3።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ይሁዳ 4) ምኽንያቱ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኣቐዲሙ ነዚ ፍርዲ እዚ እተነግረሎም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ገለ ሰባት ሰሊኾም ኣትዮም ኣለዉ፣ ንሳቶም ብጸጋ ኣምላኽና ኣመኽንዮም ንውርምና ዚገብሩን ነቲ በይኑ ዋናናን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕዱን እዮም።
(ይሁዳ 12) እዚኣቶም ምሳኻትኩም ኣብ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ዚበልዑ ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ማይ እተሓብኡ ኣኻውሕ፡ ብዘይ ፍርሃት ንርእሶም ዚምግቡ ጓሶት፡ ብንፋስ ናብዝን ናብትን ዚድፍኡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ኣብ መወዳእታ ኣዝመራ ዘይፈርያን ክልተ ሳዕ ዝሞታን ካብ ሱረን እተመንቈሳን ኣእዋም እዮም፣
it-2 279
ናይ ፍቕሪ መኣዲ
እዚ ናይ ፍቕሪ መኣዲ እንታይ ከም ዝነበረን ክንደይ ሳዕ ይዳሎ ኸም ዝነበረን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። (ይሁ 12) ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወይ ሃዋርያቱ ዝኣዘዝዎ ኣይነበረን፣ ከም ግዴታ ወይ ከም ቀጻሊ ጌርካ ኸም ዘይተራእየ እውን ግሁድ እዩ። ብስጋ ሃብታማት ዝነበሩ ክርስትያናት ደጊሶም ንድኻታት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ይዕድሙ ምንባሮም ገሊኦም ይኣምኑ እዮም። ዘኽታማትን መበለታትን ሃብታማትን ድኻታትን ብናይ ሕውነት መንፈስ ብሓደ መኣዲ ይበልዑ ነይሮም እዮም።
it-2 816
ከውሒ
ስፒላስ እትብል ካልእ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ትሕቲ ማይ ንእተሓብአ ኸውሒ ወይ ከርከስ እተመልክት ክትከውን ኣለዋ። ይሁዳ ነቶም ክፉእ ሓሳብ ሒዞም ሰሊኾም ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝኣተዉ ሰባት ንምግላጽ ተጠቒሙላ ኣሎ። ከምቲ እተሓብአ ኣኻውሕ ንመራኽብ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዝነበረ፡ እቶም ሰባት እቲኣቶም ከኣ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ ኻልኦት ሰባት ብሓቂ ሓደጋ እዮም ዚዀንዎም ነይሮም። ይሁዳ ድማ ብዛዕባ እቶም ሰባት እቲኦም፡ “እዚኣቶም ምሳኻትኩም ኣብ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ዚበልዑ ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ማይ እተሓብኡ ኣኻውሕ . . . እዮም” ኢሉ እዩ።—ይሁ 12።
(ይሁዳ 14, 15) እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ዝዀነ ሄኖክ እውን፡ ከምዚ ኢሉ ብዛዕባኦም ተነብዩ እዩ፦ “እንሆ፡ የሆዋ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ። 15 ንዅላቶም ኪፈርዶም፡ ንዅሎም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ድማ ብዛዕባ እቲ ብእኩይ መገዶም ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብሮም፡ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሓጥኣን ከኣ ብዛዕባ እቲ እተዛረብዎ ዜሰምብድ ዘረባ ኺረትዖም መጺኡ ኣሎ።”
‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’
ትንቢት ሄኖክ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ የሆዋ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ። ንዅላቶም ኪፈርዶም፡ ንዅሎም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ድማ ብዛዕባ እቲ ብእኩይ መገዶም ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብሮም፡ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሓጥኣን ከኣ ብዛዕባ እቲ እተዛረብዎ ዜሰምብድ ዘረባ ኺረትዖም መጺኡ ኣሎ።” (ይሁዳ 14, 15) ኣብዚ፡ ሄኖክ ብዛዕባ ትንቢታት ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ ድሮ ኸም እተፈጸመ ገይሩ ምዝራቡ ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። ድሕርዚ ቐጺሉ ዝመጸ ብዙሕ ትንቢታት እውን ነዚ ኣገባብ እዚ እዩ ስዒቡ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ ሓደ ኸም ዚፍጸም ምንም ዘየጠራጥር ነገር ይዛረብ ብምንባሩ፡ ድሮ ኸም እተፈጸመ ጌርካ ኺግለጽ ዚከኣል ስለ ዝዀነ እዩ።—ኢሳይያስ 46:10።
‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’
እምነት ሄኖክ፡ ነዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ከምቲ ኣምላኽ ዚርእያ ጌርና ንርእያ እንተ ዄንና ንርእስና ኽንሓትታ ኽትድርኸና ትኽእል እያ። እቲ ሄኖክ ብትብዓት ዝኣወጆ ፍርዲ፡ ነታ ብግዜኡ ዝነበረት ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዛ ሎሚ ዘላ ዓለም እውን ይምልከታ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሄኖክ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸኣ የሆዋ ብግዜ ኖህ ኣብ ልዕሊ እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ማይ ኣይሂ ኣምጽአ። እቲ ጥፍኣት እቲ ግና ብዛዕባ እቲ ብሕጂ ዚመጽእ ዝዓበየ ጥፍኣት መሰክሒ እዩ ዀይኑ። (ማቴዎስ 24:38, 39፣ 2 ጴጥሮስ 2:4-6) ልክዕ ከም ሽዑ፡ ሎሚ እውን ኣምላኽ ምስቶም ኣእላፋት ቅዱሳቱ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ጽድቃዊ ፍርዲ ኼውርድ ተዳልዩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍና ንመጠንቀቕታ ሄኖክ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ንኻልኦት ከነካፍሎምን የድልየና። ስድራ ቤትናን ኣዕሩኽናን ካብ ናትና እተፈልየ መርገጺ ይሕዙ ይዀኑ። ሓድሓደ ግዜ እውን በይንና ኸም ዝዀንና ይስምዓና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሄኖክ ፈጺሙ ኣይጠንጠኖን፣ ነዞም ሎሚ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ እውን ፈጺሙ ኣይኪጥንጥኖምን እዩ!
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(2 ዮሃንስ 1-13) ካብቲ ሽማግለ፡ ናብታ ሕርይቲ እመቤትን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፣ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩስ፡ ኵሎም እቶም ንሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ እውን የፍቅርዎም እዮም። 2 ስለ እታ ኣባና ዘላን ንዘለኣለም ምሳና እትነብርን ሓቂ ኢልና ኢና ኸኣ እነፍቅሮም። 3 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣቦን፡ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምስ ሓቅን ፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ። 4 ገለ ኻብ ደቅኺ፡ ከምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ በታ ሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣለኹ። 5 ሕጂ ድማ፡ እመቤት፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣለኹ። (ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እየ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ።) 6 ፍቕሪ ማለት ከኣ፡ ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ እያ። ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ጌርኩም ብእኡ ኽትመላለሱ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ፡ እዚ እዩ። 7 የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ኣብ ዓለም ተንሲኦም ኣለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። 8 ምሉእ ዓስቢ ኽትረኽቡ እምበር፡ ነቲ ዝጸዓርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 9 እቲ ሓሊፉ ዚኸይድን ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዘይጸንዕን፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን ኣለውዎ። 10 ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጺኡ እሞ ነዚ ትምህርቲ እዚ እንተ ዘየምጺኡ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላም እውን ኣይትበልዎ። 11 እቲ ሰላም ዚብሎስ ተኻፋሊ እቲ እኩይ ግብሩ እዩ። 12 ብዙሕ ዝጽሕፈልኩም ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይደልን እየ፣ ግናኸ፡ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእን ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩምን ተስፋ እገብር ኣለኹ። 13 ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።
18-24 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 1-3
“ግብርኻ . . . እፈልጥ እየ”
(ራእይ 1:20) ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረኣኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን ናይቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቅን ቅዱስ ምስጢር እዚ እዩ፦ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፡ መላእኽቲ እተን ሸውዓተ ጉባኤታት እዮም፣ እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ፡ ሸውዓተ ጉባኤታት እየን።
እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢኻ እተርኢ፧
ከምዚ ዓይነት መንፈስ ምእንቲ ኸነርሕቕ፡ የሱስ “ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ኸም ዝሓዘ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ምህላዉ ኽንዝክር ይግባእ። “ከዋኽብቲ” ንቕቡኣት ሽማግለታት ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ ንዅሎም ሽማግለታት ጉባኤ እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ። የሱስ ነቶም ኣብ ኢዱ ዘለዉ “ኸዋኽብቲ” ኸም ዝደለዮ ገይሩ ኺመርሖም ይኽእል እዩ። (ራእ. 1:16, 20) ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምዃኑ ድማ፡ ንዅሎም ኣካላት ሽማግለታት ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚቈጻጸሮም። ሓደ ኻብቶም ኣካል ሽማግለታት ብሓቂ መአረምታ ምስ ዜድልዮ፡ እቲ “ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን” እተባህለሉ የሱስ፡ ኣብ ዝደለዮ ግዜን ብዝደለዮ መገድን እቲ ሽማግለ ኸም ዚእረም ይገብር እዩ። (ራእ. 1:14) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ ሰብኡት ከነኽብሮም ይግባእ። ከመይሲ፡ ጳውሎስ፡ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ።—እብ. 13:17።
(ራእይ 2:1, 2) “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ኤፌሶን ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቂ እውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ 2 ‘ግብርኻን ጻዕርኻን ተጻዋርነትካን፡ ነቶም እኩያት እውን ክትጻወሮም ከም ዘይከኣልካ፡ ነቶም “ሃዋርያት ኢና” ዚብሉ፡ ግናኸ ዘይኰኑ ድማ ፈቲንካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮም እፈልጥ እየ።
የሆዋ ንኽንድሕን ይሕልወና
እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 2ን 3ን ተመዝጊቡ ዘሎ ራእይ ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ነተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት መርመረን። እቲ ራእይ፡ ክርስቶስ ንሓፈሻዊ ዝንባለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዝርዝር ኵነታት እውን ከም ዚርእዮ ዚሕብር እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ንውልቀ ሰባት እውን እንተ ዀነ ጠቒሱ እዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ድማ፡ ግቡእ ናእዳ ወይ ምኽሪ ሂቡ እዩ። እዚ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ እተን ሸውዓተ ጉባኤታት ነቶም ድሕሪ 1914 ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት እየን ዜመልክታ፣ እቲ ነተን ጉባኤታት እተዋህበን ምኽሪ ድማ፡ ብተዘዋዋሪ ኣብተን ሎሚ ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዋ ህዝቢ ኣምላኽ ዚርከቡለን ጉባኤታት ይውዕል እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ንህዝቡ ይመርሖም ከም ዘሎ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። ካብዚ መሪሕነት እዚ ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ምስጓም
ምስታ እናማዕበለት እትኸይድ ዘላ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ምስጓም ነቲ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ከም “ርእሲ ማሕበሩ” ዝሃቦ መዝነት ኣፍልጦ ምሃብ ዝሓትት ኢዩ። (ኤፌሶን 5:22, 23) ካልእ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዘለዎ ኸኣ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 55:4 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ኢዩ። ኣብቲ ጥቕሲ እቲ የሆዋ “እንሆ፡ ምስክር ንህዝብታት፡ መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ” ይብለና። የሱስ ብኸመይ ከም ዝመርሕ ብርግጽ ይፈልጥ ኢዩ። ነባጊዑ የለልየን ንግብርታተን ድማ ይፈልጦ ኢዩ። ነተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ማሕበራት ምስ መርመረን ‘ንግብረን ከም ዝፈልጦ’ ሓሙሽተ ሳዕ ገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 2:2, 19፣ 3:1, 8, 15) የሱስ እውን ልክዕ ከም ኣቦኡ የሆዋ ድሌትና ይፈልጥ ኢዩ። ነቲ ናይ ኣብነት ጸሎት ቅድሚ ምሃቡ “እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ” በለ።—ማቴዎስ 6:8-13።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ራእይ 1:7) እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ኪርእይዎ እዮም፣ ኵሎም ነገዳት ምድሪ ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም። እወ፡ ኣሜን።
መንግስቲ ኣምላኽ ንጸላእታ ተጥፍኦም
ምሃብ ፍርዲ። ኵሎም ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንስቓዮም ዜጋድድ ፍጻመ ኺርእዩ ኺግደዱ እዮም። ነዚ ብዚምልከት፡ የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ብዓብዪ ሓይልን ክብርን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም” ኢሉ እዩ። (ማር. 13:26) እዚ ልዕለ ባህርያዊ መግለጺ ሓይሊ፡ የሱስ ኪፈርድ ከም ዝመጸ ኼመልክት እዩ። ብዛዕባ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዜመልክት ካልእ ክፋል እዚ ትንቢት እዚ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዚውሃብ ፍርዲ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ሂቡ እዩ። እቲ ሓበሬታ እቲ፡ ኣብቲ ምሳሌ ኣባጊዕን ኣጣልን ኢና እንረኽቦ። (ማቴዎስ 25:31-33, 46 ኣንብብ።) እሙናት ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ “ኣባጊዕ” ከም ዝዀኑ ኺፍረዱ፡ ‘ድሕነቶም ከም ዝቐረበ’ ፈሊጦም ከኣ ‘ርእሶም ኬልዕሉ እዮም።’ (ሉቃ. 21:28) ተጻረርቲ መንግስቲ ኣምላኽ ግና፡ “ኣጣል” ከም ዝዀኑ ኺፍረዱ፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ከም ዚጽበዮም ፈሊጦም ድማ ‘ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም።’—ማቴ. 24:30፣ ራእ. 1:7።
(ራእይ 2:7) እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ፦ ነቲ ዚስዕር፡ ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክፈቕደሉ እየ።’
ካብ ራእይ ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል
2:7—“ገነት ኣምላኽ” እንታይ እያ፧ እዘን ቃላት እዚኣተን ንቕቡኣት ክርስትያናት እተጻሕፋ ስለ ዝዀና፡ እታ ኣብዚ ተገሊጻ ዘላ ገነት፡ ነታ ኣምላኽ ዚርከበላ ሰማያዊት ገነት እያ እተመልክት። እቶም እሙናት ዝዀኑ ቕቡኣት፡ ካብታ “ኦም ህይወት” ብምብላዕ ዓስቦም ኪረኽቡ እዮም። ዘይትመውት ህይወት ድማ ኪቕበሉ እዮም።—1 ቈረ. 15:53።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ራእይ 1:1-11) እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ራእይ። ንሱ ኸኣ መልኣኹ ልኢኹ፡ ንባርያኡ ዮሃንስ ብምልክታት ኣርኣዮ፣ 2 ንሱ ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ቓልን ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመስከሮ ምስክርን፡ እወ፡ ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ዅሉ መስከረ። 3 እቲ ምዱብ ግዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ንቓል እዚ ትንቢት እዚ ዓው ኢሉ ዜንብቦን እቶም ዚሰምዕዎን ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ እውን ዚሕልውዎን ሕጉሳት እዮም። 4 ካብ ዮሃንስ፡ ናብተን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘለዋ ሸውዓተ ጉባኤታት፦ ካብቲ “ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡” ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 5 ካብቲ “እሙን ምስክርን” “በዅሪ ምዉታትን” “ገዛኢ ነገስታት ምድርን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። ንዕኡ ነቲ ዜፍቅረናን ካብ ሓጢኣትና ብደሙ ሓራ ዘውጽኣናን፡ 6 መንግስቲ፡ ከምኡ ድማ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ካህናት ዝገበረና፡ እወ፡ ንዕኡ ኽብርን ሓይልን ንዘለኣለም ይኹኖ። ኣሜን። 7 እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ኪርእይዎ እዮም፣ ኵሎም ነገዳት ምድሪ ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም። እወ፡ ኣሜን። 8 እቲ “ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል” የሆዋ ኣምላኽ፡ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል። 9 ኣነ ዮሃንስ ሓውኩም፡ ኣብቲ ምስ የሱስ ብምሕባር ዚመጽእ ጸበባን መንግስትን ተጻዋርነትን ከኣ መኻፍልትኹም፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራበይን ብዛዕባ የሱስ ብምምስካረይን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሃል ደሴት ነበርኩ። 10 ብመንፈስ ተመሲጠ፡ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዀንኩ፣ ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ብድሕረይ ከምዚ ዚብል ሰማዕኩ፦ 11 “ነዚ እትርእዮ፡ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሸውዓተ ጉባኤታት ስደዶ።”
25 ሕዳር–1 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ራእይ 4-6
“ምግላብ እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት”
(ራእይ 6:2) ረኣኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ ቀስቲ ኣለዎ፣ ኣኽሊል እውን ተዋህቦ፣ እናሰዓረስ ኪስዕር ድማ ወጸ።
እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧
እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ ፈረሰኛ መን እዩ፧ መንነቱ ኣብዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ንረኽቦ ኢና። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ጸኒሓ ነዚ ኣብ ሰማይ ዚጋልብ ፈረሰኛ፡ “ቃል ኣምላኽ” ኢላ ጸዊዓቶ ኣላ። (ራእይ 19:11-13) እዚ፡ ቃል ዚብል መዓርግ ንየሱስ ክርስቶስ እዩ ዜመልክት፣ ከመይሲ፡ ንሱ ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ እዩ ዜገልግል። (ዮሃንስ 1:1, 14) ብዘይካዚ፡ “ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን” ከምኡ ድማ “እሙንን ናይ ሓቅን” ብዚብል መግለጺታት ተጸዊዑ ኣሎ። (ራእይ 19:11, 16) ተዋጋኢ ንጉስ ኪኸውን ስልጣን ከም ዘለዎ፡ ንሓይሉ ኸኣ ብብልሹውን ንኻልኦት ብዚሃስን መገዲ ኸም ዘይጥቀመሉ ንጹር እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገለ ሕቶታት ይልዓል እዩ።
wp17.3 4 ¶5
እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧
እቶም ፈረሰኛታት ኪጋልቡ ዝጀመሩ መዓስ እዮም፧ እቲ ቐዳማይ ፈረሰኛ ዝዀነ የሱስ፡ ምግላብ ዝጀመረ ኣኽሊል ድሕሪ ምቕባሉ ኸም ዝዀነ ኣስተብህል። (ራእይ 6:2) የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ኣኽሊል ዝደፍአ መዓስ እዩ፧ ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ ሽዑ የሱስ ኪጽበ ዝጀመረሉ ግዜ እዩ። (እብራውያን 10:12, 13) የሱስ ንሰዓብቱ፡ እዚ ናይ ምጽባይ ግዜ ዜብቅዓሉን ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ዚጅምረሉን ግዜ ኼለልዩ ዚሕግዞም ምልክት ሃቦም። ኪገዝእ ምስ ጀመረ፡ ኵነታት ዓለም ኣዝዩ እናኸፍአ ኪኸይድ ምዃኑ ነገሮም። ውግእን ጥሜትን ለበዳን ኪህሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:3, 7፣ ሉቃስ 21:10, 11) ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ፡ ደቂ ሰብ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ፡ ጽንኩር ግዜ ዚርኣየሉ መዋእል ከም ዝኣተዉ ንጹር ኰነ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።
(ራእይ 6:4-6) ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተፈቕደሉ፣ ዓብዪ ሰይፊ እውን ተዋህቦ። 5 ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር፡ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ መጋል ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። 6 ካብ ማእከል እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ከም ድምጺ ዚመስል፡ “ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፣ ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን ድማ ኣይትጕዳእ” ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧
እዚ ፈረሰኛ እዚ ንውግእ የመልክት። ንሰላም ካብ ሒደት ሃገራት ዘይኰነስ፡ ካብ መላእ ምድሪ ኸም ዜርሕቓ ኣስተብህል። ብ1914 ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ዓለምለኻዊ ውግእ ተባርዐ። እቲ ዝያዳ ኣዕናዊ ዝነበረ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ስዒቡ መጸ። ብመሰረት ገሊኡ ጸብጻባት፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ብሰንኪ ውግኣትን ብረታዊ ግጭታትን ብድምር ልዕሊ 100 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ሞይቶም እዮም! ካልኦት ብዙሓት ውልቀ ሰባት ድማ ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎም እዩ።
wp17.3 5 ¶4-5
እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧
“ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ መጋል ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። ካብ ማእከል እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ከም ድምጺ ዚመስል፡ ‘ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፣ ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን ድማ ኣይትጕዳእ’ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”—ራእይ 6:5, 6።
እዚ ፈረሰኛ እዚ ንጥሜት የመልክት። ብመቝነን ዚውሃብ ምግቢ ኣዝዩ ኻብ ምውሓዱ እተላዕለ፡ ዋጋ ሓደ ኮይኒክስ (0.7 ኪ.ግ.) ስርናይ ሓደ ዲናር ከም ዚኸውን ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ እዩ ነይሩ! (ማቴዎስ 20:2) ስገም ካብ ስርናይ ኣትሕት ኣቢልካ ዚርአ እኽሊ ብምንባሩ ድማ፡ በዚ ሰልዲ እዚ፡ ሰለስተ ኮይኒክስ (2.1 ኪ.ግ.) ስገም ኪዕደግ ይከኣል ነይሩ። እዝስ ንሓንቲ ዓባይ ስድራ ቤት ንኽንደይ ዚኣክል እዋን እዩ ኺዕንግላ ዚኽእል፧ ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንምግቢ ዚኸውን ቀንዲ ፍርያት ስለ ዝነበረ፡ በዚ ጽቡቕ መግለጺ እዚ ኣቢሉ ሰባት ንዕለታዊ ምግቢ ዚኸውን ነገራት ቈጢቦም ኪጥቀሙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።
(ራእይ 6:8) ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ ጨላይ ፈረስ፣ ስም እቲ እተወጥሖ ድማ ሞት እዩ። መቓብር እውን ደድሕሪኡ ይስዕቦ ነበረ። ብነዊሕ ሰይፍን ብጥሜትን ብመቕዘፍትን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንርብዒ ምድሪ ኪቐትሉ ስልጣን ተዋህቦም።
wp17.3 5 ¶8-10
እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት እንታዎት እዮም፧
እቲ ራብዓይ ፈረሰኛ፡ ብለበዳን ብኻልእ ምኽንያታትን ንዚስዕብ ሞት የመልክት። ድሕሪ 1914 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ቀተለ። ኣስታት 500 ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም እዚ ተጠቒዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ፡ ሽዑ ብህይወት ካብ ዝነበሩ ሰባት ዳርጋ 1 ኻብ 3 ማለት እዩ።
ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ግና መጀመርታ ጥራይ እዩ ነይሩ። ክኢላታት ከም ዚግምትዎ፡ ኣብ መበል 20 ዘመን ኣማእታት ሚልዮናት ሰባት ብሕማም በዲዶ ሞይቶም እዮም። ጽዑቕ ሕክምናዊ ምርምር እናተገብረ ኽነሱ፡ ሕማም አይድስን ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ዕምሪ ሚልዮናት ሰባት የሕጽር ኣሎ።
ውግእ፡ ጥሜት ወይ ለበዳ፡ መወዳእታኡ ሞት እዩ ዜስዕብ። መቓብር ድማ ጸጊበ ኸይበለን ዝዀነ ተስፋ ኸይሃበን ነዞም ግዳያት ይእክቦም ኣሎ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ራእይ 4:4) ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ 24 ዝፋን፡ ኣብቲ ዝፋናት እውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ 24 ሽማግለታት ተቐሚጦም ረኣኹ።
(ራእይ 4:6) ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ከም ባሕሪ መረጼን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል ነበረ። ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ድማ፡ ብቕድሚኦምን ብድሕሪኦምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ነበሩ።
ዕቤት ናይቲ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ
ዮሃንስ ኣብታ ጥንታዊት ማሕደር፡ ካህናት ንኸገልግሉ ከም እተመዘዙ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ነቲ ቐጺሉ ዝገልጾ ብምርኣዩ ተገሪሙ ክኸውን ነበሮ፦ “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን አርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ።” (ራእይ 4:4) እወ፡ ኣብ ክንዲ ካህናት፡ ከም ነገስታት ኣብ ዝፋናት እተቐመጡ ኣኽሊላትውን ዝደፍኡ 24 ሽማግለታት ኢዮም ዘለዉ። እዞም ሽማግለታት እንታዎት ኢዮም፧ እዚኣቶም ብዘይካ እቶም ተንሲኦም ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎም ሰማያዊ ቦታ ዝሓዙ ቅቡኣት ኣባላት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካልኦት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ነዚ ከመይ ገይርና ንፈልጦ፧
ዕቤት ናይቲ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ
እዞም ፍጡራት እዚኣቶምከ እንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧ ብሓደ ኻልእ ነብዪ፡ ማለት ህዝቅኤል ዝቐረበ ጸብጻብ ነቲ መልሲ ክንረኽቦ ይሕግዘና ኢዩ። ህዝቅኤል ከምቲ ብዮሃንስ እተገልጸ ዝመስል ባህርያት ዝለበሱ ህያውን ፍጡራት ተሰንዩ፡ ንየሆዋ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሰማያዊት ሰረገላ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ርኣየ። (ህዝቅኤል 1:5-11, 22-28) ድሕርዚ ህዝቅኤል፡ እንደገና ነቲ ናይ ሰረገላ ዝፋን ብህያዋን ፍጡራት ተሰንዩ፡ ርኣዮ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ነቶም ህያዋን ፍጡራት፡ ኪሩቤላት ኢሉዎም ኣሎ። (ህዝቅኤል 10:9-15) እቶም ዮሃንስ ዝርኣዮም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት እምበኣር፡ ነቶም ኣብቲ መንፈሳዊ ማሕበር የሆዋ ክብ ዝበለ መዓርግ ዝሓዙ ናይ ኣምላኽ ኪሩቤላት ከመልክቱ ኣለዎም። ዮሃንስ፡ ኣብ ጥቓ የሆዋ ኪሩቤላት ብምርኣዩ ተገሪሙ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብታ ናይ ጥንቲ ማሕደር ኣብ ልዕሊ እቲ ንዝፋን የሆዋ ዘመልክት መኽደን ታቦት ኪዳን ክልተ ብወርቂ እተሰርሑ ኪሩቤላት ነይሮም ኢዮም። ካብ መንጎ እዞም ኪሩቤላት እዚኣቶም ከኣ፡ ድምጺ የሆዋ ነቲ ህዝቢ ትእዛዛት የመሓላልፍ ነበረ።—ዘጸኣት 25:22፣ መዝሙር 80:1።
(ራእይ 5:5) ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ግና፡ “ደጊም ኣይትብከ። እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪቐልዓን ነቲ ማሕተማታ ኺፈትሖን ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።
“እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ”
ኣንበሳ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ትብዓት እዩ ዚተሓሓዝ። ምስ ሽደን ኣንበሳ ፊት ንፊት ተረኣኢኻዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ ጌርካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ምናልባት ንሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መካነ እንስሳታት ዚርከብ ሓጹር ከሎ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ፍርሂ ተሰሚዑካ ይኸውን እዩ። ገጽ እዚ ገዚፍን ሓያልን ፍጡር ክትርኢ ኸለኻ፡ ንሱ ድማ ቀው ኢሉ ኺጥምተካ ኸሎ፡ እቲ ኣንበሳ ኻብ ዝዀነ ይኹን ነገር ፈሪሁ ኺሃድም እዩ ዚብል ሓሳብ ከቶ ኣይመጸካን እዩ። ኣንበሳ “ኻብ ኵሉ እንስሳ ዚብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል” ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረበሉ እዩ። (ምሳሌ 30:30) ትብዓት ክርስቶስ እውን ከምኡ እዩ።
የሱስ ከመይ ገይሩ ብሰለስተ መገድታት ከም ናይ ኣንበሳ ዝኣመሰለ ትብዓት ከም ዘርኣየ እስከ ንርአ። እዚ መገድታት እዚ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ብምቛም፡ ንፍትሒ ብምድጋፍ፡ ከምኡውን ንዜጋጥሞ ዝነበረ ምጽራር ብምግጣም እዩ። ብተፈጥሮና ተባዓት ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ኵላትና ትብዓት ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ራእይ 4:1-11) ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ኣፍ ደገ ረኣኹ፣ እቲ ኺዛረበኒ ዝሰማዕክዎ ኸም መለኸት ዝበለ ቐዳማይ ድምጺ፡ “ናብዚ ደይብ እሞ፡ እቲ ኪኸውን ዘለዎ ኸርእየካ እየ” በለኒ። 2 ድሕርዚ፡ ብኡብኡ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፦ እንሆ ድማ፡ ዝፋን ኣብ ሰማይ ኣብ ቦታኡ ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋን እውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። 3 እቲ ተቐሚጡ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን እምኒ ሰርድዮስን ይመስል ነበረ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ድማ ስመራግዶስ ዚመስል ቀስተ ደበና ነበረ። 4 ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ 24 ዝፋን፡ ኣብቲ ዝፋናት እውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ 24 ሽማግለታት ተቐሚጦም ረኣኹ። 5 ካብቲ ዝፋን ድማ በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ይወጽእ ነበረ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሸውዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ፣ እዚኣቶም ድማ እቶም ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። 6 ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ከም ባሕሪ መረጼን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል ነበረ። ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ድማ፡ ብቕድሚኦምን ብድሕሪኦምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ነበሩ። 7 እቲ ቐዳማይ ህያው ፍጡር ከኣ ኣንበሳ ይመስል ነበረ፣ እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር ድማ ዝራብዕ ይመስል ነበረ፣ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር ከኣ ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ነበሮ፣ እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡር እውን ዚነፍር ንስሪ ይመስል ነበረ። 8 እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ፡ ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፣ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ። መዓልትን ለይትን ከየቋረጹ ድማ፡ “እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ” ይብሉ። 9 እቶም ህያዋን ፍጡራት ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ግርማን ክብርን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡ 10 እቶም 24 ሽማግለታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ፍግም ኢሎም፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ሰገዱሉ፣ ከምዚ እናበሉ እውን ኣኽሊላቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደርበዩ፦ 11 “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”