ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 40-41
የሆዋ ንዮሴፍ ኣድሓኖ
የሆዋ ንዮሴፍ ቅድሚ ምድሓኑ፡ ዮሴፍ ባርያን እሱርን ኰይኑ ን13 ዓመት ጸበባ ኣሕሊፉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ ኣይተመረረን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ነገር ንኼጽርዮ ፈቐደሉ። (መዝ 105:17-19) ዮሴፍ፡ የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይጥንጥኖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ህሉው ኵነታቱ ዚከኣሎ ዘበለ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧
ትግሃትን ተኣማንነትን ኣርኣየ፣ የሆዋ ድማ ባረኾ።—ዘፍ 39:21, 22
ነቶም ዝገፍዕዎ ሕነ ኺፈዲ ውዲት ኣይኣለመን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ተገዳስነት ኣሕደረ።—ዘፍ 40:5-7
እቲ ዮሴፍ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ንጸገማተይ ክጻዋር ዚሕግዘኒ ብኸመይ እዩ፧
የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ክሳዕ ዜድሕነኒ፡ ዝከኣለኒ ዘበለ ኽገብር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧