ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w21 ጥቅምቲ ገጽ 14-17
  • ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ህነጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ህነጽ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ብድሆታት እንታይ እዩ፧
  • ዳግም ክትሃንጽ ከለኻ፡ ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽእ
  • ኣይትተሓለል!
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ኣቱም ሽማግለታት፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ምሰልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ምስ የሆዋ እንተ ዄንካ፡ ከቶ በይንኻ ኣይኰንካን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
w21 ጥቅምቲ ገጽ 14-17
ሓደ ሓው ነታ ዝዓነወት ቤቱ ዳግም ንምህናጽ ዜድልዮ ግዜን ጻዕርን ኪሓስብ ከሎ፡ ሕልናኡ ይዓርቦ።

ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ህነጽ

ኣብ ዓዓመት፡ ብዙሓት ክቡራት ኣባጊዕ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይምለሱ እዮም። ነፍሲ ወከፎም ኪምለሱ ኸለዉ ‘ኣብ ሰማይ ዚህሉ ሓጐስ’ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ! (ሉቃ. 15:7, 10) ካብ ውገዳ እንተ ተመሊስካ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ዳግም ብምቛምካ፡ የሆዋን የሱስን መላእኽትን ደስ ከም ዚብሎም ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ክትሃንጽ ከለኻ ግና፡ ብድሆታት የጋጥመካ ይኸውን። ገሊኡ ኻብዚ ብድሆታት እንታይ እዩ፧ እንታይከ ኺሕግዘካ ይኽእል፧

እቲ ብድሆታት እንታይ እዩ፧

ብዙሓት ናብ ጉባኤ ምስ ተመልሱ፡ ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ይቃለሱ እዮም። ምናልባት ንስኻ እውን ንጉስ ዳዊት እንታይ ከም እተሰምዖ ይርድኣካ ይኸውን። ሓጢኣቱ ይቕረ ምስ ተባህለሉ እኳ ኸይተረፈ፡ “ስሕተተይ ውሒጡኒ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 40:12፣ 65:3) ሓደ ሰብ ናብ የሆዋ ምስ ተመልሰ፡ ናይ በደለኛነት ወይ ናይ ሕፍረት ስምዒት ንዓመታት ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ንልዕሊ 20 ዓመት ተወጊዳ ዝነበረት ኢዛቤል፡ “የሆዋ ይቕረ ኺብለለይ ይኽእል ዚብል ሓሳብ ምቕባሉ ኣዝዩ ኣጸጊሙኒ ነይሩ” ትብል።a ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ መሊስካ ብመንፈሳዊ መዳይ ክትደክም ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 24:10) ከምኡ ኸየጋጥመካ ተጠንቀቕ።

ገሊኦም ከኣ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ናብ ቀደሙ ምምላስ ከይስእኑ ይጭነቑ እዮም። ኣንትዋን ካብ ውገዳ ምስ ተመልሰ፡ “ቀደም ክርስትያን ከለኹ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዅሉ ዝረሳዕክዎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ይብል። ብሰንኪ እዚ ስምዒት ከኣ፡ ገሊኦም ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ የሰክፎም ይኸውን።

ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ብህቦብላ ቤቱ ዝዓነወቶ ሰብ፡ ነታ ቤት ዳግም ንምህናጽ ዜድልዮ ግዜን ጻዕርን ኪሓስብ ከሎ ሕልናኡ ይዓርቦ ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ብኸቢድ ሓጢኣት እንተ ተጐዲኡ፡ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣመና ብዙሕ ጻዕሪ ዜድልየካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ግና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

የሆዋ፡ “ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ” ኢሉ ዓዲሙና ኣሎ። (ኢሳ. 1:18) ንስኻ ኸኣ ‘ነገር ንምቕናዕ’ ድሮ ብዙሕ ጻዕሪ ጌርካ ኣለኻ። ነቲ ጻዕሪ እቲ ብምግባርካ፡ የሆዋ የፍቅረካ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ንኽስታት ሰይጣን ሓያል ምላሽ ንምሃብ ዜኽእል መሰረት ንየሆዋ ሂብካዮ ኢኻ።—ምሳ. 27:11።

ከምኡ ብምግባርካ፡ ንየሆዋ ቐሪብካዮ ኢኻ፣ ንሱ ድማ ከም ዚቐርበካ ቃል ኣትዩልካ ኣሎ። (ያእ. 4:8) ኰይኑ ግና፡ ናብ ጉባኤ ኻብ ምምላስ ንላዕሊ ኽትገብር ኣሎካ። ነታ ንኣቦኻን ንፈታዊኻን የሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ብቐጻሊ ኸተሐይል ኣሎካ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ትገብር፧

ዳግም ክትሃንጽ ከለኻ፡ ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽእ

ሚዛናዊ ሸቶታት ከተውጽእ ፈትን። መንፈሳዊ መሰረትካ፡ ማለት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋታትን ዝነበረካ ፍልጠት ከም ዘለዎ ጸኒሑ ይኸውን። ንመዋቕር ክርስትያናዊ ናብራኻ ግና ዳግም ክትሃንጾ ኣሎካ፣ እዚ ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ምሕባርን የጠቓልል። ነዚ ዚስዕብ ሸቶታት እስከ ርኣዮ።

ንየሆዋ ብዙሕ ሳዕ ተዛረቦ። ኣቦኻ፡ ዘየቋርጽ ስምዒት በደለኛነት ናብኡ ኸይትጽሊ ዕንቅፋት ኪዀነካ ኸም ዚኽእል ይርድኦ እዩ። (ሮሜ 8:26) ኰይኑ ግና፡ ‘ብጸሎት ጽናዕ፡’ ንየሆዋ እውን ዕርክነቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትደሊ ንገሮ። (ሮሜ 12:12) ኣንድሬ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ብርቱዕ በደለኛነትን ሕፍረትን ይስምዓኒ ነይሩ። በብዝጸለኹ መጠን ግና፡ እዚ ስምዒተይ ይፈዅሰኒ ነይሩ። ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ሰላም ተሰሚዑኒ።” እንታይ ኢልካ ኸም እትጽሊ እንተ ዘይፈሊጥካ፡ ንጉስ ዳዊት ምስ ተነስሐ ዝጸለዮ ኣብ መዝሙር 51ን 65ን እተመዝገበ ቓላት ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ኣጽንዕ። እዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዕንግለካ እዩ፣ ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እውን ኬዕብያ እዩ። (መዝ. 19:7-11) ፌሊፔ፡ “ብቐደሙ እውን ደኺመ ንየሆዋ ዘጕሃኽዎ፡ መንፈሳዊ ልማድ ስለ ዘይነበረኒ እዩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ጌጋይ ክደግም ኣይደለኹን፣ ስለዚ፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ኸም ዕቝባይ ክገብሮ ወሲነ” ይብል። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንብሕታዊ መጽናዕትኻ ዚኸውን ርእሰ ነገራት እንተ ደሊኻ፡ ካብ ሓደ ብሱል ፈታዊኻ ስለምንታይ ሓገዝ ዘይትሓትት፧

ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ህነጽ። ገሊኦም ናብ ጉባኤ ዚምለሱ ክርስትያናት፡ ካልኦት ብኣሉታዊ ኸይርእይዎም ይስከፉ እዮም። ንኣብነት፡ ላሪሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣዝየ እየ ዝሓፍር ነይረ። ነታ ጉባኤ ዝኸዳዕክዋ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እዚ ስምዒት እዚ ንነዊሕ ግዜ ምሳይ ጸኒሑ እዩ።” ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሽማግለታትን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ንመንፈሳውነትካ ዳግም ንምህናጽ ተሃንጥዮም ከም ዚሕግዙኻ ኣይትጠራጠር። (“ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ናብ ጉባኤ ስለ እተመለስካ ደስ እዩ ዚብሎም፣ ክትዕወት እውን ይደልዩኻ እዮም።—ምሳ. 17:17።

እሞ ደኣ እንታይ እዩ ኣብ ጉባኤኻ ምስ ዘለዉ ዜቀራርበካ፧ ኣብቲ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዚገብርዎ ንጥፈታት ተሳተፍ፣ ማለት ኣብ ኣኼባታት ተኣከብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ብስሩዕ ተሳተፍ። እዚ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ፊሊክስ ከምዚ ይብል፦ “እታ ጉባኤ፡ ኣነ ኽምለስ ተሃንጥያ እያ ኽትጽበ ጸኒሓ። ኣኽቢሮም ከም ዝረኣዩኒ እዩ ተሰሚዑኒ። ዳግም ክፍሊ እቲ ስድራ ክኸውንን ይቕረ ኸም እተባህለለይ ኪስምዓንን ንቕድሚት ክስጕምን ሓጊዞምኒ እዮም።”—“እንታይ ክትገብር ትኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንመንፈሳዊ መዋቕር ህይወትካ ዳግም ህነጾ

ሓደ ሽማግለ ምስ ሓደ ናብ የሆዋ እተመልሰ ሓው ይጽሊ።

ንየሆዋ ብዙሕ ሳዕ ተዛረቦ

ንየሆዋ ዕርክነቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትደሊ ንገሮ። ሽማግለታት ምእንታኻን ምሳኻን ኪጽልዩ እዮም

እቲ ሽማግለ በታ “ንየሆዋ ቕረቦ” ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ ነቲ ሓው መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ኣጽንዕ

ብመንፈሳዊ መዳይ ገዛእ ርእስኻ ዓንግል፣ እዚ ድማ ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኼዕብያ እዩ

እቲ ሓው ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ምስ ደቂ ጉባኤኡ የዕልል።

ዕርክነት ዳግም ህነጽ

ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ምስ ጉባኤኻ ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ

ኣይትተሓለል!

ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ንምህናጽ ክትቃለስ ከለኻ፡ ሰይጣን ንዓኻ ኼዳኽመካ ኢሉ ተወሳኺ “ህቦብላ” ኺሰድደልካ እዩ። (ሉቃ. 4:13) እምበኣር፡ ሕጂ ንመንፈሳዊት ቤትካ ብምድልዳል፡ ተዳሎ።

የሆዋ ብዛዕባ ኣባጊዑ፡ “ዝጠፍአት ከናዲ፡ እተባረረት ክመልስ፡ ዝቘሰለት ክዝንን፡ ዝደኸመት ድማ ከበርትዕ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ እዩ። (ህዝ. 34:16) ክሳዕ ሕጂ ኸኣ፡ መንፈሳዊ ዕንቅፋት ንዘጋጠሞም ብዙሓት ሰባት ሓጊዙ እዩ። ምስኡ ብቐጻሊ ድልዱል ርክብ ምእንቲ ኽትሃንጽ፡ ኪሕግዘካ ኸም ዚደሊ ርግጸኛ ኹን።

ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው፡ ነታ ዝዓነወት ቤቱ ዳግም ኪሃንጽ ይሕግዞ።

ሽማግለታት ካብ ውገዳ ንዚምለሱ ኣስፋሕቲ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ዳግም ኪሃንጹ ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ግደ ኣለዎም። ንእተመልሱ እንታይ ኪገብሩሎም ከም ዚኽእሉ ንርአ።

ኣረጋግጹሎም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ እተነስሐ ሓጥእ ‘ብብዝሒ ጓሂ ኺውሓጥ’ ከም ዚኽእል ፈሊጡ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 2:7) ምናልባት ብሕፍረትን ብቕብጸትን ይሳቐ ይኸውን። ጳውሎስ ንኣባላት እታ ጉባኤ፡ “ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን” ኢሉ መኺርዎም እዩ። ናብ ጉባኤ እተመልሱ ኣስፋሕቲ፡ የሆዋን ክርስትያናት ብጾቶምን ከም ዚፈትውዎም መረጋገጺ የድልዮም እዩ። ቀጻሊ ናእዳን ግብራዊ ሓገዝን፡ ተስፋ ኸይቈርጹ ይሕግዞም እዩ።

ምሳታቶም ጸልዩ። “ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን እያ።” (ያእ. 5:16) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ላሪሳ፡ “ንሽማግለታት ብዛዕባ ጥርጣረታተይን ፍርህታተይን ነጊረዮም። ንሳቶም ከኣ ጸልዮምለይ። ሽዑ፡ ሽማግለታት ብኣይ ከም ዘይተቘጥዑ ተረዲኡኒ። ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ናብ ዝነበሮ ኽመልስ እዮም ዚደልዩ ነይሮም” ትብል። ቲዮ ድማ፡ “ጸሎት ሽማግለታት፡ የሆዋ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረንን ሕማቐይ ዘይኰነስ ጽቡቐይ ከም ዚርእን ኣእሚኑኒ” ይብል።

ተዓራረኽዎም። ካብ ውገዳ እተመልሱ ክርስትያናት ኣብ ጉባኤ ኣዕሩኽ የድልይዎም እዮም። ጃስቲን ዝስሙ ሽማግለ፡ “ምሳኻ ናብ ኣገልግሎት ኪኸዱ ንምዕዳም፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ናብ ኣባይቶም ኬድካ ንምብጻሕ ኵሉ ኣጋጣሚ ኽትጥቀም ኣሎካ። ዕርክነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ!” ይብል። ሄንሪ ዝስሙ ኻልእ ሽማግለ ኸኣ፡ “ካልኦት ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ሽማግለታት ምስቶም እተመልሱ ኺተዓራረኹ እንተ ርእዮም፡ ከምኡ ኺገብሩ ይጽዕሩ እዮም” ይብል።

ኬጽንዑ ሓግዝዎም። ሓደ ብሱል ክርስትያን ናብ ጉባኤ ንእተመልሰ ፈታዊኡ፡ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ኼማዕብል ይሕግዞ እዩ። ዳርኮ ዝስሙ ሽማግለ፡ “ኣብ ብሕታዊ መጽናዕተይ ዝረኸብክዎ መንፈሳዊ ሃብትን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ውዕዉዕ ስምዒትን ምክፋል እፈቱ እየ። ገሊኡ ዓንቀጻት ብሓባር ከም እነጽንዕ እውን እገብር እየ” ይብል። ክለይተን ዝስሙ ኻልእ ሽማግለ ኸኣ፡ “ነቲ ዘሕለፍዎ ብዝያዳ ዜንጸባርቕ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ አተባብዖም እየ” ይብል።

ጓስይዎም። ካብ ውገዳ እተመልሱ ኣስፋሕቲ ንሽማግለታት፡ ፈራዶ ዀይኖም ኪዓይዩ ርእዮምዎም እዮም። ስለዚ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ ከም ጓሶት ገይሮም ኪርእይዎም ኣለዎም። (ኤር. 23:4) ኣቱም ሽማግለታት፡ ንምስማዕ ቅልጡፋት፡ ንምንኣድ ድማ ድሉዋት ኩኑ። ብተደጋጋሚ ምሳታቶም ተዛራረቡ። ማርከስ ዝስሙ ሽማግለ ኣብ ጕስነታዊ ምብጻሕ እንታይ ከም ዚገብር ኪገልጽ ከሎ፡ “ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕሳብ ነካፍሎም፡ ንንእዶም፡ ስለ እተመልሱ ብኣታቶም ከም እንሕበን፡ የሆዋ እውን ብኣታቶም ከም ዚሕበን ነረጋግጸሎም ኢና። ምብጻሕ መምስ ወዳእና፡ ንዚቕጽል ምብጻሕ ቈጸራ ንገብር ኢና” ይብል።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ