እንስሳታት ከም ገዝሚ ጌርካ ይውሃቡ ነይሮም እዮም
ትፈልጥዶ፧
ጥንታውያን እስራኤላውያን ገዝሚ ዜግዝሙ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መውስቦ ኣብ ዚውሰነሉ እዋን፡ ንስድራ እታ መርዓት ገዝሚ ይውሃብ ነይሩ እዩ። ገለ ኻብቲ ኸም ገዝሚ ጌርካ ዚውሃብ ዝነበረ ነገራት፡ ክቡር ዝዋጋኡ ንብረት፡ እንስሳታት፡ ወይ ገንዘብ ኪጥቀስ ይከኣል። ሓድሓደ ግዜ እውን ገዝሚ ብጕልበት ይኽፈል ነይሩ እዩ፣ ንኣብነት፡ ያእቆብ ምእንቲ ራሄል ኣብ ትሕቲ ኣቦኣ ሸውዓተ ዓመት ኬገልግል ፍቓደኛ ዀይኑ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 29:17, 18, 20) እዚ ልምዲ እዚ እንታይ ዕላማ እዩ ነይርዎ፧
ካሮል ማየርስ እትብሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምህርቲ ኸምዚ ትብል፦ “ገዝሚ ንስድራ ቤት እታ መርዓት፡ ጕልበት ጓሎም ብምስኣኖም ንዜጋጥሞም ጕድኣት ዚኽሕስ እዩ ነይሩ፣ ጕልበት ሰብ ከኣ ብሕርሻ ኣብ ዚናበራ ስድራ ቤታት ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።” ብዘይካዚ፡ ገዝሚ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ብመውስቦ እተዛመዱ ስድራ ቤታት ዝነበረ ርክብ ዜደልድል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝምድና እዚ ኸኣ ኣብ እዋን ሽግር ኪተሓጋገዙ የኽእሎም ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ገዝሚ እንተ ተዋሂቡ፡ ሰበይቲ ኸም እተሓጽየት፡ ካብቲ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እትረኽቦ ሓልዮትን ዕቝባን ከኣ ናብ እንዳ ሰብኣያ ኸም እትግዕዝ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ።
ገዝሚ ይኽፈል ምንባሩ ግና፡ ነታ ሰበይቲ ኽትዕደግ ወይ ክትሽየጥ ከም እትኽእል ኣቕሓ ገይሮም ይርእይዋ ነይሮም ማለት ኣይኰነን። ኣንሽየንት ኢዝራኤል—ኢትስ ላይፍ ኤንድ ኢንስቲትዩሽንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ መውስቦ እስራኤላውያን ገንዘብ ወይ ምስኡ ዚመጣጠን ንስድራ ቤት እታ ጓል ይኽፈል ምንባሩ፡ ብደገ ኺርአ ኸሎ፡ ትዕደግ ከም ዘላ እዩ ዜምስል ነይሩ። እቲ ገዝሚ ግና ከም ዋጋ እታ ሰበይቲ ዘይኰነስ፡ ከም ካሕሳ እዩ ንስድራ ቤታ ዚኽፈል ነይሩ።”
ሎሚ፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ገዝሚ ምሃብ እተለምደ እዩ። ክርስትያን ወለዲ ገዝሚ ኺሓትቱ ኸለዉ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ብዘይምሕታት “ሚዛናውያን” ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ፊል. 4:5፣ 1 ቈረ. 10:32, 33) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ “ፈተውቲ ገንዘብ” ወይ ስሱዓት ዘይምዃኖም የርእዩ። (2 ጢሞ. 3:2) ብተወሳኺ፡ እቶም ክርስትያን ወለዲ እምብዛ እተጋነነ ገዝሚ ዘይሓትቱ እንተ ዀይኖም፡ እቲ መርዓዊ ንገዝሚ ዚኣከል ገንዘብ ክሳዕ ዜጥሪ ነቲ መርዓ ኼናውሖ ኣይግደድን እዩ። ወይ ድማ ኣዝዩ ልዑል ገዝሚ ንምኽፋል ዜኽእሎ ናይ ምሉእ ግዜ ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሕ ኢሉ ኣገልግሎት ፈላምነት ኪሓድግ ኣይግደድን እዩ።
ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም፡ ገዝሚ ብሕጊ ቝጽጽር ይግበረሉ እዩ። ከምዚ ኣብ ዚግበረሉ ዓድታት፡ ክርስትያን ወለዲ ነቲ ሕግታት ኪሕልውዎ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት ‘ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ኪግዝእዎምን’ ነቲ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዘይጋጮ ሕግታት ኪሕልዉን ይጽበዮም እዩ።—ሮሜ 13:1፣ ግብ. 5:29።