ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w22 ለካቲት ገጽ 30
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዋጋ-መርዓት ዝምልከት ምኽንያታዊ ዝዀነ ስምምዕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ምድላው
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ኣብ መንጐ እቶም ቀዳሞት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበረ ክቡር ግደ ደቂ ኣንስትዮ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ብሓዳርኩም ተሓጐሱ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
w22 ለካቲት ገጽ 30
ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይ ንኣቦ ሕጽይቱ ላም የግዝሞ።

እንስሳታት ከም ገዝሚ ጌርካ ይውሃቡ ነይሮም እዮም

ትፈልጥዶ፧

ጥንታውያን እስራኤላውያን ገዝሚ ዜግዝሙ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መውስቦ ኣብ ዚውሰነሉ እዋን፡ ንስድራ እታ መርዓት ገዝሚ ይውሃብ ነይሩ እዩ። ገለ ኻብቲ ኸም ገዝሚ ጌርካ ዚውሃብ ዝነበረ ነገራት፡ ክቡር ዝዋጋኡ ንብረት፡ እንስሳታት፡ ወይ ገንዘብ ኪጥቀስ ይከኣል። ሓድሓደ ግዜ እውን ገዝሚ ብጕልበት ይኽፈል ነይሩ እዩ፣ ንኣብነት፡ ያእቆብ ምእንቲ ራሄል ኣብ ትሕቲ ኣቦኣ ሸውዓተ ዓመት ኬገልግል ፍቓደኛ ዀይኑ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 29:17, 18, 20) እዚ ልምዲ እዚ እንታይ ዕላማ እዩ ነይርዎ፧

ካሮል ማየርስ እትብሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምህርቲ ኸምዚ ትብል፦ “ገዝሚ ንስድራ ቤት እታ መርዓት፡ ጕልበት ጓሎም ብምስኣኖም ንዜጋጥሞም ጕድኣት ዚኽሕስ እዩ ነይሩ፣ ጕልበት ሰብ ከኣ ብሕርሻ ኣብ ዚናበራ ስድራ ቤታት ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።” ብዘይካዚ፡ ገዝሚ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ብመውስቦ እተዛመዱ ስድራ ቤታት ዝነበረ ርክብ ዜደልድል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝምድና እዚ ኸኣ ኣብ እዋን ሽግር ኪተሓጋገዙ የኽእሎም ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ገዝሚ እንተ ተዋሂቡ፡ ሰበይቲ ኸም እተሓጽየት፡ ካብቲ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እትረኽቦ ሓልዮትን ዕቝባን ከኣ ናብ እንዳ ሰብኣያ ኸም እትግዕዝ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ።

ገዝሚ ይኽፈል ምንባሩ ግና፡ ነታ ሰበይቲ ኽትዕደግ ወይ ክትሽየጥ ከም እትኽእል ኣቕሓ ገይሮም ይርእይዋ ነይሮም ማለት ኣይኰነን። ኣንሽየንት ኢዝራኤል—ኢትስ ላይፍ ኤንድ ኢንስቲትዩሽንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ መውስቦ እስራኤላውያን ገንዘብ ወይ ምስኡ ዚመጣጠን ንስድራ ቤት እታ ጓል ይኽፈል ምንባሩ፡ ብደገ ኺርአ ኸሎ፡ ትዕደግ ከም ዘላ እዩ ዜምስል ነይሩ። እቲ ገዝሚ ግና ከም ዋጋ እታ ሰበይቲ ዘይኰነስ፡ ከም ካሕሳ እዩ ንስድራ ቤታ ዚኽፈል ነይሩ።”

ሎሚ፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ገዝሚ ምሃብ እተለምደ እዩ። ክርስትያን ወለዲ ገዝሚ ኺሓትቱ ኸለዉ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ብዘይምሕታት “ሚዛናውያን” ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ፊል. 4:5፣ 1 ቈረ. 10:32, 33) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ “ፈተውቲ ገንዘብ” ወይ ስሱዓት ዘይምዃኖም የርእዩ። (2 ጢሞ. 3:2) ብተወሳኺ፡ እቶም ክርስትያን ወለዲ እምብዛ እተጋነነ ገዝሚ ዘይሓትቱ እንተ ዀይኖም፡ እቲ መርዓዊ ንገዝሚ ዚኣከል ገንዘብ ክሳዕ ዜጥሪ ነቲ መርዓ ኼናውሖ ኣይግደድን እዩ። ወይ ድማ ኣዝዩ ልዑል ገዝሚ ንምኽፋል ዜኽእሎ ናይ ምሉእ ግዜ ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሕ ኢሉ ኣገልግሎት ፈላምነት ኪሓድግ ኣይግደድን እዩ።

ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም፡ ገዝሚ ብሕጊ ቝጽጽር ይግበረሉ እዩ። ከምዚ ኣብ ዚግበረሉ ዓድታት፡ ክርስትያን ወለዲ ነቲ ሕግታት ኪሕልውዎ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቃል ኣምላኽ ንክርስትያናት ‘ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ኪግዝእዎምን’ ነቲ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዘይጋጮ ሕግታት ኪሕልዉን ይጽበዮም እዩ።—ሮሜ 13:1፣ ግብ. 5:29።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ