ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/1 ገጽ 23-27
  • ሓድነት ኣሕዋት ኣይተናወጸን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድነት ኣሕዋት ኣይተናወጸን
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህጹጽ ሓገዝ ምግባር
  • እተወደበ ረድኤት
  • እንደገና ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ
  • እተገብረ ጻዕርታት ተናኢዱ
  • መንበሪ ኣባይቲ ምህናጽ
  • እተሰብረ መንፈስ ምሕዳስ
  • “ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ ብምርኣይና ልብና ተተንክዩ”
    ንቕሑ!—2017
  • ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሕለፍክዎ ኣገዳሲ ፍጻመታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣብ ማእከል ዑናታት ረድኤት ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ንቕሑ!—2002
g02 8/1 ገጽ 23-27

ሓድነት ኣሕዋት ኣይተናወጸን

ብወኪል ንቕሑ! ካብ ኤል ሳልቫዶር

ብ13 ጥሪ 2001: ሰዓት 11:⁠34 ቅድሚ ቐትሪ 7.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንብምልእታ ኤል ሳልቫዶር ኣናወጻ። እዚ ምጥንቅጥቃጥ ምድሪ እዚ: ካብ ፓናማ ክሳዕ ሜክሲኮ ተሰምዐ። ብዙሓት ሰባት ኣብታ ህሞት እቲኣ እንታይ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ኣይርስዕዎን ኢዮም።

ሚርያም ኴዛዳ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ሃድአ: ጫፍ ናይቲ ጎቦ ኽጭደድ ከሎ ረኣናዮ: ንሒደት ካልኢት እውን ህድኣት ዝሰፈነ መሰለ። ጓለይ ግን: ‘ኣደይ! ህደሚ! ህደሚ’ በለትኒ።” ድሕርዚ ካብቲ ጎቦ ሐመድን ደናጒላን ሸታሕታሕ እናበለ ናባታተን ገጹ መጸ። ኣብቲ ኣብ ናዋቫ ሳን ሳልቫዶር ወይ ሳንታ ተይክላ ዝርከብ ላስ ኮሊናስ ዝበሃል ከባቢ 300 ዝኸውን ኣባይቲ ዓነወ: 500 ዝዀኑ ሰባት ድማ ሞቱ።

ሮክሳና ሳንቸስ ከኣ ከምዚ ብምባል ዘጋጠማ ትገልጽ:- “ካብ ገዛ ወጺአ ኣውቶቡስ እናተጸበኹ ከለኹ ኢዩ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ሃድአ: ንሓንቲ ሰበይቲ ቦርሳታታ ኣልዓልኩላ እሞ ‘ስድራይ ምእንቲ ኸይሻቐሉ ናብ ገዛይ እንተ ተመለስኩ ይሓይሽ’ ኢለ ሓሰብኩ።” ሮክሳና ናብ ገዝኣ ዝወስዳ ዅርናዕ ምስ ተጠውየት ግን ብምሉኡ እቲ ጐደና በቲ ኻብቲ ጎቦ ዝወረደ ሓመድ ተደብዩ ረኸበቶ። ገዝኣ ዓንዩ ጸንሓ!

ህጹጽ ሓገዝ ምግባር

ኣብ ኤል ሳልቫዶር ልዕሊ 28,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ: ካብዚኣቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ኣብቲ ዕንወት ዘጋጠመሉ ገማግም ኤል ሳልቫዶር ኢዮም ዝነብሩ። ብዙሓት ኣሕዋት በቲ ዘጋጠሞም ሰንቢዶም እኳ እንተ ነበሩ: ብቕልጡፍ ግን ንኻልኦት ዘድልዮም ነገራት ኣብ ምምላእ ኣተኰሩ። ኣብ ሳንታ ተይክላ ገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልግል ማርዮ ስዋረይስ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኻብ ዘጋጥም ሓደ ሰዓት ዝኸውን ጸኒሑ ተሌፎን ተደወለለይ እሞ ሓገዝ ዘድልየኒ እንተ ዀይኑ ተሓተትኩ። ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ገዝኦም ከለዉ ከም እተቐብሩ ተፈልጠ። ብኡንብኡ ሓደ ጕጅለ ወለንተኛታት ተወደበ።

“ገለ መናድቕ ጥራይ ዝፈረሰ ገይርና ስለ ዝሓሰብናዮ ነቲ ፍርስራስ ኣሊና እነውጽኦም ይመስለና ነበረ። እቲ ዕንወት ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ ዝገመተ ኣይነበረን። አረ ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና እውን እቲ ገዛውቲ ኣበይ ኣሎ ኢልና ሓቲትና ኢና። ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢልና ኸም ዘሎና ምስ ተነግረና ኸኣ ኣዚና ሰንበደና! እቲ ኣባይቲ ኽሳዕ ቀዳማይ ደርቢ ማለት 3 ሜትሮ ዝኸውን ዕምቈት ብዘለዎ ሓመድ ተደብዩ ነበረ። ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ ነይሩ!”

ድሕሪ ቐትሪ ኻብተን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ጉባኤታት ብገምጋም 250 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽሕግዙ መጹ። እቶም ወለንተኛታት ብኣፍራዛታትን ባዴላታትን በእዳዎምን ገይሮም ነቶም እተቐብሩ ኸውጽእዎም ጸዓሩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ሳንታ ተይክላ ሒደት ጥራይ ኢዮም ብህይወቶም ተረኺቦም። ካብቶም ብኣማእታት ዝቝጸሩ ብሕጽረት ኣየር ወይ በቲ ዝጸቐጦም ሓመድ ዝሞቱ ሰባት ሓሙሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ።

እተወደበ ረድኤት

ኣብ ኵሉ ዅርናዓት እታ ሃገር ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ናይ ረድኤት ንጥፈታት እዚ ተኻፈላ። ኣብ ከተማታት ኮማሳግዋ: ኦሳትላን: ሳንታ ኤሌና: ሳንቲያጎ ዲ ማሪያ: ከምኡውን ኡሱሉታን ዝርከቡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባይቶም ዓንይዎም ኢዩ። ኣደራሻት መንግስትን ናይ ብሕቲ ኣባይትን ረድኤት ዝእከበሉ ማእከላት ኰነ። ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ዘገልግል ኤድዊን ሄርናንደስ “ኣዝዩ ብዙሕ ረድኤት ኢና ረኺብና። ኣሕዋት መግቢ: ክዳን: ፍርናሽ: መድሃኒት: ከምኡውን ንቐብሪ ዘድሊ ገንዘብ እውን ከይተረፈ ሒዞም መጹ” በለ።

እቲ ብናይቲ ዓዲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተመዘዘ ኮሚተ ረድኤት: እተን ብዙሕ ዘይተጐድኣ ጉባኤታት ነተን ብዙሕ እተጐድኣ ጉባኤታት ዘድልየን ህጹጽ ረድኤት ክህባአን ምድላዋት ገበረለን። ካብ 10 ክሳዕ 20 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓቘፋ ጕጅለታት ተመስረታ: ነቲ ጽገና ዘድልዮ ድማ ጸገና።

ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ኣደራሻት መንግስቲ ኣብ ምህናጽ እተዋፈረ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቘመ ኸባብያዊ ናይ ህንጻ ኮሚተ: ጕጅለታት ብምውዳብ ነቶም ኣባይቶም ፈጺሙ ዝዓነወ ስድራ​ቤታት ግዝያዊ መንበሪ ሃነጸሎም። ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዋጋ ዚንጎ ሰማይ ስለ ዝበጽሐ: ኣብ ጓቲማላ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ዚንጎታት ኣበርከተ። ንመስርሒ ኣባይቲ ዘድሊ ኣዕጻው ካብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሆንድራስን መጸ።

እዚ ቕልጡፍ ስጕምቲ እናተወስደ ኸሎ እውን እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብተደጋጋሚ የጋጥም ነበረ። ብዙሓት ሰባት ብፕላስቲክን ዝኣረገ ዚንጎን ገይሮም ንእሽቶ መጽለሊ ብምስራሕ ኣብ ጐደናታት ይሓድሩ ነበሩ። ብጓሂ ኸኣ ሓሪሮም ነበሩ። ክሳዕ 12 ለካቲት ኣብ ዝነበረ ግዜ ብድምር 3,486 ቀለልቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዘጋጠመ ተመዝገበ።

እንደገና ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ

እቲ ቐዳማይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኻብ ዘጋጥም ሓደ ወርሒ ዝኸውን ጸኒሑ: ብ13 ለካቲት 2001 ሰዓት 8:⁠22 ናይ ንግሆ 6.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንኤል ሳልቫዶር ኣናወጻ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሰባት ንምድሓንን ረድኤት ንምሃብን ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ገበሩ። ኖየ ኢራይታ ዝበሃል ናይ ሓንቲ ጉባኤ ሽማግለ “ነፍሲ ወከፍ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብ ጐጕጅለኡ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደሓን ምህላዎም ንምርግጋጽ ከደ” በለ።

ከተማታት ሳን ቪንሰንትን ኮሁተፐኰን ከባቢአንን ከቢድ ዕንወት ኣጋጠመን። ሳን ፔድሮ ኖኑልኮ: ሳን ሚገል ተፓሶንተስ: ከምኡውን ሳን ህዋን ተፓሶንተስ ዝበሃላ ንኣሽቱ ኸተማታት እውን ኵምራ ዑናታት ኰይነን ተረፋ። እታ ኣብ ኣውራጃ ኩስከትላን እትርከብ ካንዴላርያ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓነወት: ኣብኡ እትርከብ ብቤተ ክርስትያን እትምወል ቤት ትምህርቲ ምስ ፈረሰት ከኣ ካብ 20 ዝበዝሑ ቈልዑ ሞቱ። ኣብቲ ኸባቢ ዝነብር ሳልቫዶር ትረኾ ዝበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ብምባል ዘጋጠሞ ይገልጽ:- “ሓደ ሰዓት ዝኸውን ጸኒሑ: ካብቲ ጽርግያ ‘ሓው ትረኾ!’ ኢሉ ናይ ዝደሃየኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ኣብ መጀመርታ ዶሮና ዑብ ኢሉ ስለ ዝነበረ ምንም ክርኢ ኣይከኣልኩን። ጸኒሑ ግን ነቶም ካብ ኮሁተፐኰ ዝመጹ ኣሕዋት ረኣኽዎም። ደሓን ምህላውና ኸረጋግጹ ኢዮም መጺኦም!”

ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ጉባኤታት ነቶም ኣደዳ እቲ ኻልኣይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዀኑ ኣሕዋት ንምሕጋዝ እንደገና ተወደባ። ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ክርስትያናት ንርእሶም እኳ ሓገዝ ዘድልዮም ክነሱ ንኽልግሱ ብምልማን ዘርኣይዎ ኣብነት ኢየን ስዒበን። ንኣብነት: እተን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሕ ንብረት ዝዓነወን ኣብ ከተማ ሳንቲያጎ ተክሳክዋንጎስ ዝርከባ ጉባኤታት: ጥቕአን ንዘለዉ ኣብ ሳን ሚገል ታፓሶንተስ ዝነብሩ ኣሕዋት መግቢ ኣዳለዋሎም።

በቲ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብድምር ልዕሊ 1,200 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት: ኣብ ጐረቤት ሃገር ጓቲማላ እውን ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ሞቱ።

እተገብረ ጻዕርታት ተናኢዱ

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ግዳያት ንምሕጋዝ ተወዲቦም ዝገበርዎ ጻዕርታት ብኻልኦት ናይ ረድኤት ጕጅለታት ተናኢዱ ኢዩ። ሓንቲ ናይ ሃገራዊ ህጹጽ ኮሚተ ማኪና ኣብቲ ኸም መዕቈቢ ዀይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኣደራሽ መንግስቲ ረድኤት ክትህብ ምስ መጸት: ሓንቲ ተወካሊት “ካብቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝኸድናዮ መዕቈቢታት: እዚ ጥራይ ኢዩ ስርዓት ዘለዎ ዀይኑ ዝረኸብክዎ። በዚ ድማ ክምጕሰኩም እደሊ!” በለቶም። ከምቲ ኣብ ካልእ ማእከላት ዘጋጠመ ነታ ማኪና ኣይዓሰልዋን ወይ ኣይተደፋፍኡን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ረድኤት መጀመርታ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኸም ዝወሃብ ተገብረ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣመንቲ ብጾቶም ጥራይ ዘይኰኑስ ንኻልኦት እውን ረድኤት ሂቦም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ሳን ቪንሰንት ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ተዓቚቦም ነበሩ። ረኺና ዱራን ዲ ካንያስ ከምዚ በለ:- “ኣብዚ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኸብናዮም ሰባት ሕያዎት ኢዮም። ማዕጾኦም ከፊቶም ‘እተዉ!’ ኢሎምና: እነና ኸኣ ኣብዚ ተዓቚብና። ለይቲ እውን እንተዀነ ደቂስና ኸሎና በብተራ ይሕልዉ ነበሩ።”

መንበሪ ኣባይቲ ምህናጽ

እቲ ዘጋጠመ ጕድኣት ምስ ተገምገመ: ክንደይ ኣባይቲ ኽህነጽ ከም ዘድሊ ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተሓበረ። ነቶም ኣባይቶም ዝዓነወ ሰባት ግዝያዊ መንበሪ ኽህነጸሎም ተጀመረ። እተወሰነ ጕድኣት ንዝወረዶ ኣባይቲ ድማ ጽገና ተገብረሉ። እቶም ጻዕራማትን ስሉጣትን ጕጅለታት ህንጸት: ብዕዮኦም ኣቓልቦ ብዙሓት ጐረባብቲ ስሒቦም ኢዮም።

ሓንቲ ሰበይቲ: እቶም ወለንተኛታት በቲ ወረዳ ኣቐዲሞም ክለኣኹ እተባህሉ ሰባት ስለ ዝመሰላ: ነቲ ፍርስራሳታ ኣብ ምጽራግ ክሕግዛ ዝመጸ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየለ ኽትጠርዕ መጸት። እቶም ቈልዑ ጐረባብቲ ግን “እዚኣቶም እኮ ኻብቲ ወረዳ እተላእኹ ኣይኰኑን። ካብ መንግስቲ ኣምላኽ እተላእኩ ኢዮም!” ኢሎም ገለጹላ። ሞይሰስ ኣንቶንዮ ድያስ ዝበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብ እውን ከምዚ በለ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክሕግዝዎም ምርኣይ ዘሐጕስ ኢዩ። ሓድነት ዘለዋ ማሕበር ኢያ ዘላቶም: ንዓና ንድኻታት ክሕግዙ ፍቓደኛታት ብምዃኖም እውን ንኣምላኽ ምስጋና ይብጽሓዮ። ምሳታቶም ሓቢረ ዓይየ ኢየ: ብድሕሪ ሕጂውን ምሳታቶም ክዓዪ ኢየ ዝደሊ።”

ሓንቲ ግዝያዊ ቤት እተሃንጸላ ክርስትያን ሓብቲ እናነብዐት “ኣነን በዓል ቤተይን: መጀመርታ ንየሆዋ: ድሓር ከኣ ነቶም ዘይፈልጡና ኽነሶም ንኽረድኡና ቐልጢፎም ዝመጹ ኣሕዋት ዘሎና ምስጋና ብቓላት ክንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና” በለት።

ክሳዕ መፋርቕ ሚያዝያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣባይቶም ዝዓነዎም ሰባት 567 ግዝያዊ ኣባይቲ ሰርሑሎም: ዳርጋ 100 ተወሰኽቲ ሰብ ቤት ድማ ኣባይቶም ንምጽጋን ዘድልዮም ኣቝሑ ተዋህቦም። እቶም ሽጉራት ስድራ​ቤታት ዘጽልልሉ ገዛ ምስ ረኸቡ: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኡንብኡ ኣቓልቦኦም ናብቲ ኽጽገን ወይ እንደገና ኽህነጽ ዘድልዮ 92 ኣደራሻት መንግስቲ ገበሩ።

እተሰብረ መንፈስ ምሕዳስ

ብዙሓት ሰባት ህንጻታትን ኣባይትን ዳግም ስለ እተሃንጸሎም ጥራይ ዘይኰነስ: ብመንፈሳውን ስምዒታውን መዳይ እውን ምብርታዕ ብምርካቦም ብዙሕ ኣመስጊኖም ኢዮም።

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሚርያም “ኣብቲ ግዜ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብተደጋጋሚ የጋጥም ስለ ዝነበረ ብፍርሂ ዝገብሮ ዝጠፍኣኒ እዋን ነይሩ ኢዩ: ኣሕዋት ግን ዘየቋርጽ ምንጪ ዕቝባን ምትብባዕን ኰይኖምና ኢዮም። ኣሕዋትና እንተ ዘይህልዉስ ኣበይ ምኣተና፧” በለት።

የሆዋ በተን ጉባኤታት ገይሩ ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሓልዮት ነቶም ግዳያት እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዀኑ ዅሎም ልቦም ተንኪፍዎም ኢዩ። ኣብ ኮማሳግዋ በቲ ፈለማ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዳርጋ ዅሉ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጕድኣት ወሪድዎ ወይ ዓንዩ ነበረ። እንተዀነ ግን: ካብቶም ኣብኡ ዝርከቡ 17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቶም 12 ካብ ሚያዝያ ክሳዕ ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምክፋል ተመዝጊቦም ኢዮም: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ድማ 2 ኻባታቶም ስርዓታውያን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ኣለዉ።

ኣብታ በቲ ኻልኣይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጸቢቐን ካብ እተጐድኣ ኣውራጃታት ሓንቲ ዝዀነት ኩስከትላን ዝርከባ ጉባኤታት ኣብ መጋቢት ፍሉይ መዓልቲ ኣሰምብሊ ገበራ። ኣብቲ ኣኼባ 1,535 ዝኣክል ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ ነበሩ: 22 ሰባት ድማ ተጠምቁ። መብዛሕትኦም እቶም ተኣከብቲ ኣባይቶም ዓንዩ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ብዙሕ ገንዘብ ኣዋጺኦም ኢዮም: እዚ ድማ ነቶም ኣወሃሃድቲ ኣሰምብሊ ገሪምዎም ኢዩ።

ኣብ ሳን ቪንሰንት ዝነብር ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እተዛረቦ ሓሳባት ንምስጋና ናይ ብዙሓት ዘቃልሕ ኢዩ:- “ባህርያዊ ዕንወት ከጋጥም ከሎ ማሕበር ብኸመይ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ኸም እትወስድ ዝገልጽ ሓሳባት ኣብ ጽሑፋት ኣንቢበ ኢየ: ሕጂ ግን ብዓይነይ ኢየ ርእየዮ: ኣብ ሕውነትና ዘሎ ምድግጋፍ እውን ተመኲረዮ ኢየ። ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ኢና ርኢናያ። ምስዞም ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ኽንቍጸርስ ኣየ ኽንደይ ዓቢ መሰል ኰን ኢዩ!”

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ላስ ኮሊናስ በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኻብቲ ጎቦ ዝወረደ ሓመድ ንልዕሊ 300 ኣባይቲ ደበዮ

[ምንጪ ስእሊ]

Bottom of pages 23-5: Courtesy El Diario de Hoy

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ተቐማጦ እታ ቝሸት: ሰባት ንምድሓን ኣፍራዛታትን ባዴላታትን ሰንኬሎታትን ተጠቕሙ

[ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of La Prensa Gráfica (photograph by Milton Flores/Alberto Morales/Félix Amaya)

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ተፐኮዮ ናይ ዝነበረ ኣደራሽ መንግስቲ ዑና

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ ተፐኮዮ ዝርከቡ ኣሕዋት ንኣኼባታቶም ዝዀኖም መጽለሊ ብኡንብኡ ሰርሑ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣደራሻት መንግስትን ልዕሊ 500 ዝኸውን ግዝያዊ ኣባይትን ብኡንብኡ ሃነጹ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሓንቲ መማሰዊት ንጽል ኣደን ጓላን እቲ ዝዓነወ ቤተን ክህነጽ ከሎ እናረኣያ ኸለዋ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ