ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/12 ገጽ 4-8
  • ኣብ ማእከል ዑናታት ረድኤት ምሃብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ማእከል ዑናታት ረድኤት ምሃብ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣክራ​—“ንእሽቶ መዓልቲ ኖህ”
  • ሳን ኣንጀሎ​—“ልክዕ ዓለም ዘብቅዐት ኢዩ ዝመስል ነይሩ”
  • ኮበ​—“ናይ ዕንጨይትን ኣርማታን ስብርባር: ከምኡውን እተበታተነ ኣካላት ሰብ”
  • ነባሪ ዕረፍቲ ድሕሪ ቀረባ ግዜ!
  • ኣገልግሎት ረድኤት
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ባህርያዊ ዕንወት ከጋጥም ከሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሓድነት ኣሕዋት ኣይተናወጸን
    ንቕሑ!—2002
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/12 ገጽ 4-8

ኣብ ማእከል ዑናታት ረድኤት ምሃብ

ሰባት ረድኤት ንምሃብ ኣብቲ ባህርያዊ ዕንወት ዘጋጠመሉ ቦታን ግዜን ደበኽ ምባሎም ብርግጽ ዝምስገን ኢዩ። ብዙሕ ናይ ረድኤት ፕሮግራማት ኣባይቲ እንደገና ንምህናጽ: እተጠፋፍኣ ስድራቤታት ከም ብሓድሽ ንምርኻብ: ልዕሊ ዅሉ ድማ: ህይወት ንምድሓን ሓጊዙ ኢዩ።

ባህርያዊ ዕንወት ምስ ዘጋጥም: ዓለማዊ ናይ ረድኤት ፕሮግራማት ዘቕርቦ ምድላዋት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ይጥቀምሉ ኢዮም: በዚ ኸኣ መመስገንቲ ኢዮም። ማዕረ ናይዚ ድማ: ‘ምናዳ ነቶም ኣመንቲ ሰናይ ክገብሩ’ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ ኣለዎም። (ገላትያ 6:​10) እወ: መሰኻኽር ስጋዊ ዝምድና ከም ዘለዎም ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም፣ ንሓድሕዶም ከም “ስድራቤት” መጠን ኢዮም ዝረኣኣዩ። በዚ ኸኣ ኢዮም ንሓድሕዶም “ሓው” ከምኡውን “ሓብቲ” ብምባል ዝጸዋውዑ።​—ምስ ማርቆስ 3:​31-​35፣ ፊልሞን 1, 2 ኣረኣእዮ።

ስለዚ ኣብቲ ከባቢ ባህርያዊ ዕንወት ምስ ዘጋጥም: እቶም ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ሽማግለታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ሃለዋትን ድልየትን ንምርግጋጽ ጥንቁቕ ጻዕሪ ይገብሩ ከምኡውን ዘድሊ ሓገዝ ንምግባር ምድላዋት ይገብሩ ኢዮም። እዚ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ንምርኣይ: ኣብ ኣክራ: ጋና፣ ሳን ኣንጀሎ: ሕ.መ.ኣ.፣ ከምኡውን ኣብ ኮበ: ጃፓን ዝነበረ ኵነታት ርአ።

ኣክራ​—“ንእሽቶ መዓልቲ ኖህ”

እቲ ዝናም ምሸት ዳርጋ ሰዓት 11 ኣቢሉ ኢዩ ጀሚሩ: ከየቋረጸ ድማ ንሰዓታት ዝኣክል ወቕዐ። ሓደ ካብቶም ኣብ ጋና ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ጆን ትዋሞሰ “ኣበርቲዑ ይወቅዕ ብምንባሩ ብምልእታ ስድራይ ክትድቅስ ኣይከኣለትን” ይብል። ዘ ደይሊ ግራፊክ (እንግሊዝኛ) እተባህለ ጋዜጣ “ንእሽቶ መዓልቲ ኖህ” ኢሉ ጸውዖ። ጆን ቀጺሉ “ጠቓሚ ኢዩ እንብሎ ንብረት ናብቲ ኣብ ጐረባብትና ዝነበረ ላዕለዋይ ደርቢ ክንወስዶ ፈተንና: ይኹን እምበር ነቲ ናብኡ ዝወስድ ማዕጾ ምስ ከፈትናዮ ውሕጅ ኣተወና” ይብል።

ሰበ-ስልጣናት ህዝቢ ነቲ ኣባይቲ ሓዲግዎ ክወጽእ መጠንቀቕታ ሂቦም ነበሩ: ብዙሓት ሰባት ግን ዋላ እኳ ማይ እንተ መልአ: ሰብ ዘይብሉ ገዛ ሰረቕቲ ክዕድም ይኽእል ኢዩ ኢሎም ብምፍራህ ተጠራጠሩ። ገሊኦም ዋላ እኳ እንተ ደለዩ ካብቲ ቦታ ግን ክወጹ ኣይከኣሉን። ፓውሊና ዝስማ ጓል “ኣደይን ኣነን ነቲ ማዕጾ ክንከፍቶ ኣይከኣልናን። እቲ ማይ እናበረኸ ከደ: ስለዚ ኣብ በራሚል ደው ኢልና ናይቲ ናሕሲ ሞራለ ሓዝና። ኣብ መወዳእታ: ዳርጋ ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ ጐረባብትና ኣድሓኑና” ትብል።

እቲ ኵነታት ድሓን ምስ ኰነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኡንብኡ ክንቀሳቐሱ ጀመሩ። ብየትረስ ዝስማ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ከምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሽማግለታት ክደልዩና ጀመሩ: ኣብቲ ተዓቝብናሉ ዝነበርና ናይ ሓደ ሓው ቤት ድማ ረኸቡና። ካብቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዘጋጠመሉ መዓልቲ: ሳልስቲ ጸኒሑ ሽማግለታትን መንእሰያት ኣባላት ጉባኤን ክሕግዙና ተኣኻኺቦም መጹ: ነቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ገዛና ዝነበረ ጭቃ ድማ ጸረግዎ። ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ንመጽረዪ ዝጠቅም ነገራት: መምከኒታት: ዝልከ ሕብርታት: ፍርናሻት: ኮበርታታት: ክዳውንቲ ሃበት። እቶም ኣብ ክፍሊ ረድኤት ዝነበሩ ኣሕዋት ድማ ንብዙሕ መዓልትታት ዝኸውን መግቢ ለኣኹልና። እዚ ኣዝዩ ተንኪፉኒ ኢዩ!”

እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጆን ትዋሞሰ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “ማሕበርና ንብምሉእ እቲ ገዛ ዝኸውን እኹል መጽረዪ ነገራትን መምከንን ከም ዝለኣኸትልና ነቶም ካልኦት ተኻረይቲ ነገርኩዎም። ዳርጋ 40 ዝዀኑ ተኻረይቲ ኣብቲ ምጽራይ ሓገዙ። ንሓደ ቐሺ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ቤተ-ክርስትያን ሓዊስካ: ገለ ካብቲ ንመጽረዪ ዝጠቅም ነገራት ንጐረባብተይ ሃብኩዎም። መሳርሕተይ ብጌጋ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣሕዋቶም ጥራይ ኢዮም ፍቕሪ ዘርእዩ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ።”

እቶም ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ ዝረኸብዎ ፍቕራዊ ሓገዝ ብዙሕ ኣመስጊኖም ኢዮም። ሓው ቱዋሞሰ ከምዚ ብምባል ይድምድም:- “ኣብቲ ምዕልቕላቕ ማይ ካብቲ ብረድኤት ዝረኸብናዮ ነገራት ዝዓቢ ዋጋ ዘለዎ ንብረት እኳ እንተ ጠፍኣና: ስድራይን ኣነን ብምኽንያት እቲ ካብ ማሕበር ዝረኸብናዮ ልብኻ ዝትንክፍ ሕያውነት ዝመልኦ ምድላው ካብቲ ዝጠፍኣና ዝበልጽ ከም ዝረኸብና ኢዩ ተሰሚዑና።”

ሳን ኣንጀሎ​—“ልክዕ ዓለም ዘብቅዐት ኢዩ ዝመስል ነይሩ”

እቲ ብ28 ግንቦት 1995 ንሳን ኣንጀሎ ዘዕነዋ ህቦብላ ንፋስ ንኣእዋም ካብ ሱሮም በናቚሩ: ናይ ኤሌክትሪክ ዓንድታት ምሕዩ: ዝሰርሕ ዝነበረ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድማ ኣብቲ መገድታት ዛሕ ኣበሎ። እቲ ንፋስ ንህዝቢ ዘገልግል ንብረት እናዕነወ: ኣብ ሰዓት 160 ኪሎ ሜተር ይውንጨፍ ነበረ። ልዕሊ 20,000 ዝኸውን ኣባይቲ መብራህቲ ኣይነበሮን። ድሕርዚ በረድ ጀመረ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበ:- “ኣብ መጀመርታ ክንዲ ኵዕሶ ጎልፍ ዝምግዛፉ በረድ:” ጸኒሑ “ክንዲ ኵዕሶ ባሎኒ ዝኸውን:” ኣብ መወዳእታ: ድማ “12 ሰንቲ ሜተር ሰንጣቒት ዘለዎ በረድ ወረደ።” ናይቲ በረድ ድምጺ ኣእዛንካ ዘጽምም ኢዩ ነይሩ። ሓደ ተቐማጣይ ናይታ ከተማ: “ልክዕ ዓለም ዘብቅዐት ኢዩ ዝመስል” በለ።

ነቲ ህቦቡላ ንፋስ ሓደ ዘሸቝርር ስቕታ ሰዓቦ። ሰብ ነቲ ዝወረደ ዕንወት ክዕዘብ ካብቲ እተጨፈላለቐ ኣባይቱ ቀስ እናበለ ክወጽእ ጀመረ። እቶም ጌና ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣግራብ ኣቝጽልቶም ተጸልጺሉ ነበረ። እቲ ጌና ዘይፈረሰ ኣባይቲ ድማ ተቐላሊጡ ነበረ። ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ክሳዕ ሓደ ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ኵምራ በረድ ነቲ መሬት ሸፊንዎ ነበረ። ብኣሽሓት ዝቝጸር ናይ ኣባይትን ማካይንን መሳዅቲ በቲ ህቦቡላ ስለ እተሓማሸሸ: ኣብ ልዕሊ እቲ ንመሬት ሸፊኑ ዝነበረ በረድ ናይ ጠራሙዝ ስብርባር የብለጭልጭ ነበረ። ሓንቲ ሰበይቲ “ገዛይ ምስ በጻሕኩ: ኣብታ ኣብ ጽርግያ ዝነበረት ማኪናይ ኣትየ በኸኹ። እቲ ዕንወት ኣዝዩ ሕማቕ ኢዩ ነይሩ: ስንባድ ድማ ዓብለለኒ” ትብል።

ናይ ረድኤት ፕሮግራማትን ሆስፒታላትን ብቕልጡፍ ናይ ገንዘብ ሓገዝ: ናይ ህንጻ መሳርሒታት: ሕክምና: ከምኡውን ምኽሪ ሃቡና። እቲ ዝነኣድ ድማ: ንገዛእ ርእሶም ግዳያት ናይቲ ህቦቡላ ንፋስ ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝከኣሎም ገበሩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት እውን ስጕምቲ ወሲደን ኢየን። ኣብ ሳን ኣንጀሎ ዘሎ ኦብሪ ኮነር እተባህለ ሽማግለ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “እቲ ህቦብላ ደው ድሕሪ ምባሉ ሽዑ ንሽዑ: ንሓድሕድና ብቴሌፎን ክንተሓታተት ጀመርና። መሳዅቲ ኣብ ምዕራይ: ነቲ ናሕሲ ፕላስቲክ ኣብ ምሽፋን: ከምኡውን ነቲ ኣባይቲ ብእተኻእለ መጠን ንፋስ ከም ዝጻወር ኣብ ምግባሩ ንሓድሕድናን ንጐረባብትናን ተሓጋገዝና። ኣብታ ጉባኤ ናይ ዘሎ ቤቱ እተጐድኦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝርዝር ሓዝና። ምጽጋን ዘድልዮ ዳርጋ ሚእቲ ዝኸውን ኣባይቲ ነበረ: እቲ ካብ ናይ ረድኤት ማሕበራት እተዋህበ መሳርሒታት ድማ እኹል ኣይነበረን። ስለዚ ተወሳኺ መሳርሒታት ዓደግና: ንስራሕ ከኣ ተመሓደርና። ኵሉ ዅሎም ገለ 1,000 ዝዀኑ መሰኻኽር: ካብዚኣቶም ድማ ዳርጋ 250 ዝዀኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ-ሰናብቲ ክሕግዙ ወለንተኛታት ኰኑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም: 740 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ካብ ዘለዎ ቦታታት ተጓዒዞም ዝመጹ ኢዮም ነይሮም። ኵሎም ብዘይ ዕረፍቲ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዳርጋ ኣብ 40 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ሙቐት ዘለዎ ኵነታት ኣየር ኢዮም ሰሪሖም። ሓንቲ 70 ዓመት ዝዕድሜኣ ሓብቲ እውን ከይተረፈት ብጀካ ሓንቲ ሰሙን: ንሳ ድማ ገዝኣ ክዕረ ከሎ እንተ ዘይኰይና: ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ⁠-​­ሰናብቲ ምሳና ሰሪሓ ኢያ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ እውን እንተዀነ እቲ ናይ ገዝኣ ናሕሲ ክጽገን ከሎ ክትሕግዝ ኣብ ልዕሊ እቲ ናሕሲ ነበረት!

“መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ተዓዘብቲ ‘ካልኦት ሃይማኖታት ንኣባላተን ከምዚ እንተ ዝገብራሎምስ ጽቡቕዶ ኣይምዀነን፧’ ዝብል መግለጺታት ንሰምዕ ነበርና። ካብ 10 ክሳዕ 12 ሰባት ዝሓዘ ጕጅለ ወለንተኛታት: (ኣሓት እውን ዘለዋኦም) ንብምሉኡ እቲ ናሕሲ ብዘይ ገንዘብ ክጽግንዎ ወይ እንደገና ክሰርሕዎ እውን ከይተረፈ ተዳልዮም: ዓርቢ ንግሆ ኣብ ቤት ናይ ሓደ ምስክር ምስ በጽሑ ጐረባብትና ተመሲጦም ኢዮም። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት እቲ ስራሕ ኣብ ሓደ ቀዳመ⁠-ሰንበት ተወድአ። ሓድሓደ ግዜ: ምስክር ዘይኰነ ተዀናታሪ መኽደን ናሕሲ ኣብ ምዕራይ ምሉእ ብምሉእ ተታሒዙ ከሎ: ጕጅለና ኣብታ ቀጺላ ዘላ ገዛ ይበጽሑ። ንሳቶም ቅድሚ ምውድኦም ነቲ ናሕሲ ቀንጢጥና እንደገና ሰሪሕና ነቲ ቀጽሪ ኣጽሪና ንውድእ። ሓድሓደ ግዜ ስርሖም ደው ኣቢሎም ይርእዩና ነበሩ።!”

ሓው ኮነር ከምዚ ብምባል ይድምድም:- “ኵልና ነቲ ሓቢርና ዘስተማቐርናዮ ተመክሮታት ክንናፍቖ ኢና። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ንኻልኦት ሕውነታዊ ፍቕሪ ብምርኣይን ካብ ካልኦት ድማ ሕውነታዊ ፍቕሪ ብምቕባልን ንሓድሕድና ብኻልእ መዳያት ክንፋለጥ ክኢልና ኢና። እዚ ኣብታ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ሓቂ ድልየት ስለ ዘለዎም ኣብ ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙላ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም: እቲ ኵነታት እንታይ ከም ዝመስል ንእሽቶ መርኣዪ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝስማዓና።”​—2 ጴጥሮስ 3:​13

ኮበ​—“ናይ ዕንጨይትን ኣርማታን ስብርባር: ከምኡውን እተበታተነ ኣካላት ሰብ”

ተቐማጦ ኮበ ድሉዋት ክዀኑ ነበሮም። አረ: 1 መስከረም መዓልቲ ምክልኻል ባህርያዊ ዕንወት ኢሎም የብዕልዋ ኢዮም። ተማሃሮ ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልምምድ ይወስዱ: ሰራዊት ብሄሊኮፕተር ዝግበር ናይ ህይወት ምድሓን ስርሒታት ይለማመዱ: ከምኡውን ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝህሉ ምንቅስቓስ ክትለማመድ ዝሕግዝ መሳርሒታቶም የውጽእዎ እሞ: ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ድማ ኣብ ሓንቲ ክንዲ ሓደ ክፍሊ ዝዓቐናን ናይ ሓቂ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ኰይና ድማ እተንፈጥፍጥን እተንቀጥቅጥን ሳጹን ብምዃን ነቲ ናይ ምድሓን ሜላታት ይለማመዱ። ይኹን እምበር: 17 ጥሪ 1995 ናይ ሓቂ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኰነ ኵሉ እዚ ምልምማድ እዚ ጥቕሚ ዘይብሉ መሲሉ ተራእየ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ናሕስታት ወደቐ: እዚ ድማ እቶም ተለማመድቲ ፈጺሞም ዘይተለማመድዎ ነገር ኢዩ ነይሩ። ባቡራት ተገማጠላ፣ ክፍልታት ጽርግያ ተሓዋወሰ፣ ሻምብቆታት ጋዝን ማይን ተቘርጸ፣ ኣባይቲ ልክዕ ከም ካብ ወረቐት እተሰርሐ ሳንዱቕ ተጨፍለቐ። ታይም መጽሔት ነቲ ዝነበረ ትርኢት “ናይ ዕንጨይትን ኣርማታን ስብርባር: ከምኡውን እተበታተነ ኣካላት ሰብ” ብምባል ገለጾ።

ድሕርዚ ሓዊ ተላዕለ። ህንጻታት ቃልቃል ክብል ከሎ መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ብምኽንያት ነዊሕ ጽቕጥቅጥ ትራፊክ ምሕላፍ ሰኣኑ። እቶም ኣብቲ ባርዕ ሓዊ ዝነበሮ ቦታታት ዝበጽሑ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ዝዓነወ ኣገባብ መስመር ማይ ናይታ ከተማ: ማይ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ሓደ በዓል-ስልጣን “እታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ፈጺማ ራዕዲ ዝመልኣ ኢያ ነይራ: ኣብቲ ዝነድድ ዝነበረ ኣባይቲ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ተቐቢሮም ምህላዎምን ክገብሮ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘየለ ብምፍላጠይን: ኣብ ህይወተይ ከም ሽዑ ገይሩ ፈጺሙ ሓይሊ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን” በለ።

ኵሉ ዅሎም ገለ 5,000 ዝዀኑ ሰባት ሞቱ: ዳርጋ 50,000 ዝዀኑ ህንጻታት ድማ ዓነዉ። ኮበ ካብቲ ዝድለ ዝነበረ መግቢ ሲሶ ጥራይ ነበራ። ማይ ምእንቲ ክረኽቡ ገለ ሰባት ካብ ትሕቲ እቲ እተቘራረጸ ሻምብቆታት ማይ: ረሳሕ ማይ ክወስዱ ተገደዱ። ብዙሓት ብዘይ ኣባይቲ ዝተረፉ ሰባት ናብቲ ናይ መግቢ መቝነን ዘለዎ: ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ንመዓልቲ ሓንቲ ኣዝያ ንእሽቶ ሕሾ ሩዝ ዝዕደለሉ መዕቈቢ ቦታታት ተጓየዩ። ዘይምዕጋብ ሽዑ ንሽዑ ተራእየ። ሓደ ሰብኣይ “ሰበ-ስልጣናት ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩን: ንዓኣቶም ምጽባይ እንተድኣ ቀጺልና ብጥሜት ክንመውት ኢና” ብምባል ኣዕዘምዘመ።

ኣብ ኮበን ከባቢኣን ዝርከባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ብቕልጡፍ ተመሓደራ። ነቲ ስርሖም ብዓይኑ ዝረኣዮ መራሕ ሄሊኮፕተር ከምዚ በለ:- “ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ዝነበረሉ መዓልቲ ናብቲ ከባቢ ከድኩ: ኣብኡ ድማ ሰሙን ገበርኩ። ኣብ ሓደ መዕቈቢ ቦታ ምስ በጻሕኩ ኵሉ ነገር ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ኢዩ ነይሩ። ዝዀነ ይኹን ናይ ረድኤት ስራሕ ኣይተገብረን። እቲ ኣድላዪ ዝዀነ ስራሕ እናዓየዩ ናብቲ ቦታ እተጓየዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ነይሮም።”

ብርግጽ: ብዙሕ ዝስራሕ ስራሕ ነይሩ ኢዩ። ዓሰርተ ኣደራሻት መንግስቲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኰይኑ ኢዩ: ልዕሊ 430 ዝዀኑ መሰኻኽር ድማ ብዘይ ኣባይቲ ተሪፎም ኢዮም። ብተወሳኺ ድማ ኣሕዋት ዝቕመጥሉ ምጽጋን ዘድልዮ 1,206 ዝኸውን ኣባይቲ ነይሩ ኢዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ: ናይቶም ኣብቲ ባህርያዊ ዕንወት ዝሞቱ 15 መሰኻኽር ስድራቤታት ከኣ: ብዙሕ ምጽንናዕ የድልዮም ነበረ።

ካብታ ሃገር ዝመጹ ገለ 1,000 ዝዀኑ መሰኻኽር ኣብቲ ናይ ምጽጋን ስራሕ ምእንቲ ክሕግዙ ግዜኦም ወፈዩ። ሓደ ሓው “ኣብ ኣባይቲ ናይቶም ጌና ዘይተጠምቁ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንሰርሕ ከሎና: ኵሉ ግዜ ‘ነዚ ዅሉ ስራሕ ክንደይ ኢና ክንከፍል ዘሎና፧’ ኢሎም ይሓቱና ነበሩ። እቲ ስራሕ በተን ጉባኤታት ከም ዝድገፍ ምስ ነገርናዮም ድማ ‘እቲ እተማሃርናዮ ሕጂ ሓቂ ምዃኑ ርኢናዮ’ ብምባል የመስግኑና ነበሩ!” ኢሉ ይገልጽ።

ብዙሓት ሰባት እቲ ዕንወት ምስ ኣጋጣመ በቲ እቶም መሰኻኽር ዘርኣይዎ ቅልጡፍን ምሉእን ምላሽ ተመሲጦም ኢዮም። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መራሕ ሄሊኮፕተር “ኣዝየ ኢየ ተመሲጠ። ንሓድሕድኩም ‘ሓወይ ሓብተይ’ ኢኹም እትበሃሃሉ። ንሓድሕድኩም ብኸመይ ከም እትተሓጋገዙ ርእየ ኢየ፣ ንስኻትኩም ብሓቂ ስድራቤት ኢኹም” በለ።

እቶም መሰኻኽር ንገዛእ ርእሶም እውን ካብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ጠቓሚ ትምህርትታት ረኺቦም ኢዮም። ሓንቲ ሓብቲ “ኵሉ ግዜ ሓንቲ ማሕበር ዝዓበየት ምስ እትኸውን: ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይ ድማ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝኸውን ዝብል ስምዒት” ነይሩኒ ኢዩ ብምባል ተኣመነት። ይኹን እምበር: እቲ ዝረኸበቶ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት ንኣረኣእያኣ ለዊጥዎ ኢዩ። “የሆዋ ብማሕበር ደረጃ ጥራይ ዘይኰነስ ብውልቀሰብ ደረጃ ይሓልየልና ከም ዘሎ ሕጂ ፈሊጠ።” እንተዀነ ግን: ካብ ባህርያዊ ዕንወት ነባሪ ዕረፍቲ ዝርከበሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ኣሎ።

ነባሪ ዕረፍቲ ድሕሪ ቀረባ ግዜ!

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብኣዊ ህይወትን መነባብሮኡን ድሕሪ ደጊም ብባህርያዊ ዕንወት ዕምሩ ዘይሓጽረሉ እዋን ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ። ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም: ሰብ ምስ ከባብያዊ ኵነታት ምድሪ ምስምማዕ ክማሃር ኢዩ።ደቅሰብ ስሱዕ ተግባራት ምስ ዘርሕቑ: ንባህርያዊ ሓደጋታት ዝቃልዕሉ ደረጃ ዝወሓደ ኢዩ ዝኸውን።

ብተወሳኺ: እቲ ናይ ባህርያዊ ሓይልታት ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ሰብኣዊ ስድራቤቱን ምድራዊ ፍጥረቱን ብባህርያዊ ሓይልታት ፈጺሞም ከም ዘይሰግኡ ክገብር ኢዩ። ድሕርዚ ምድሪ ናይ ሓቂ ገነት ክትከውን ኢያ። (ኢሳይያስ 65:17, 21 23፣ ሉቃስ 23:43) እቲ ኣብ ራእይ 21:4 ዝርከብ ትንቢት ብግርማዊ መልክዕ ክፍጸም ኢዩ:- “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

በትረስ ጆነስ (ጸጋም ) ንሳን ካልኦት ሰባትን ካብቲ ምዕልቕላቕ ማይ ንምስጋር ብኸመይ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ከም ዝነበሩ እናኣርኣየት

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ድሕሪ እቲ ህቦብላ ንፋስ ዝነበረ ናይ ረድኤት ስራሕ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ