ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/14 ገጽ 16
  • መንገብገብ ጽምብላሊዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንገብገብ ጽምብላሊዕ
  • ንቕሑ!—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብርሃን ዚስሕብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ
    ንቕሑ!—2014
  • ቃራና ዝቕርጹ ኣቃውማ ጻዕዳ ጽምብላሊዕ ካውሎ
    ተነዲፉ ድዩ፧
  • ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ትምህርቲ 1
    ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 4/14 ገጽ 16
ሰማያዊ ዝሕብራ ሞርፎ እትብሃል ገዛፍ ጽምብላሊዕ

ተነዲፉ ድዩ፧

መንገብገብ ጽምብላሊዕ

መንገብገብ ጽምብላሊዕ ኣዝዩ ተነቃፊ ስለ ዝዀነ፡ ሒደት ዶሮና ወይ ነጠብጣብ ማይ እውን እንተ ዀነ፡ ነታ ጽምብላሊዕ ንኽትነፍር ኬጸግማ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መንገብገባ ወትሩ ጽሩይን ንቑጽን እዩ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለሉ ምስጢር እንታይ እዩ፧

ኣብ መንገብገብ ጽምብላሊዕ ዚርአ እተደራረበ ቐጸላታት

መንገብገብ ጽምብላሊዕ፡ እተደራረበ ደቂቕ ቀጸላታት ኣለዎ

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ነታ ሰማያዊ ዝሕብራ ሞርፎ (ሞርፎ ዲዲዩስ) እትብሃል ገዛፍ ጽምብላሊዕ መጽናዕቲ ዝገበሩላ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ዚርከቡ ተመራመርቲ፡ መንገብገብ እታ ጽምብላሊዕ ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ ልሙጽ እኳ እንተ መሰለ፡ ልክዕ ነቲ ኣብ ናሕሲ ዚንጸፍ ማቶኔላ ዚመስል ንኣሽቱ እተደራረበ ቐጸላታት ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ እዚ ቐጸላታት እዚ ዚርከቡ ኣዝዮም ዝደቐቑ ሃጓፋት ድማ፡ ንርስሓትን ንነጠብጣብ ማይን ብቐሊሉ ኸም ዚወርድ ይገብርዎ። መሃንድሳት ነቲ መንገብገብ ብምቕዳሕ፡ ኣብ ኢንዱስትሪን ኣብ ናውቲ ሕክምናን ዚውዕል፡ ገዛእ ርእሱ ኻብ ርስሓትን ካብ ማይን ኪከላኸል ዚኽእል ብልዑል ተክኖሎጂ ዚዓዪ መሸፈኒ ኺሰርሑ ይጽዕሩ ኣለዉ።

መንገብገብ ጽምብላሊዕ፡ ስነ ፍልጠት ካብቲ ኣብ ህያዋን ነገራት ዚርአ ንድፊ ኪቐድሕ ከም ዚጽዕር ዜርኢ ተወሳኺ ኣብነት እዩ። ባራት ቡሻን ዝስሙ ተመራማሪ፡ “እቲ ኻብ ንኣሽቱ ነገራት ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ነገራት ዜጠቓልል ተፈጥሮ፡ ንነዊሕ ዘመናት ንደቂ ሰብ ብዘደነቐ ምህንድስና ዝመልአ እዩ” በለ።

እንታይ ይመስለካ፧ መንገብገብ ጽምብላሊዕ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ