ትምህርቲ 1
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ንምድሪ
ዝፈጠራ መን እዩ፧
ንባሕሪ
ዝፈጠሮ መን እዩ፧
ንዓይን ንዓኻን
ዝፈጠረናኸ መን እዩ፧
ንጽምብላሊዕ ምስናይ ምልኩዕ መንፈርፈሪኣ ዝፈጠራ መን እዩ፧
ንዅሉ ነገራት ዝፈጠሮ የሆዋ ኣምላኽ እዩ
ንጥፈታት
ንውሉድካ ኣንብበሉ፦
ውሉድካ ናብዚ ዚስዕብ ነገራት ከም ዜመልክት ግበር፦
ከዋኽብቲ ደበና ጸሓይ
ጃልባ ምድሪ ቤት
ባሕሪ ጽምብላሊዕ
ንውሉድካ ሕተቶ፦
ስም ኣምላኽ መን እዩ፧
የሆዋ ኣበይ ይነብር፧
የሆዋ እንታይ ፈጢሩ፧