ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 63
  • ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰሎሞን ብጥበብ ገዝአ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ሰናይ ኣብነት ድዩ ዚዀነካ ወይስ መለበሚ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሰሎሞን ቤት መቕደስ ይሃንጽ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 63

ዛንታ 63

ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን

ሰሎሞን ክነግስ ከሎ ኮተቴ ኢዩ ነይሩ። ንየሆዋ ኣፍቀሮ: ነቲ ኣቡኡ ዳዊት ዝሃቦ ጽቡቕ ምኽሪ ኸኣ ሰዓበ። የሆዋ ብሰሎሞን ባህ በሎ: ስለዚ ኸኣ ሓደ ለይቲ ብሕልሚ ከምዚ በሎ:⁠- ‘ሰሎሞን እንታይ ክህበካ ትደሊ፧’

ሰሎሞን ከኣ ‘ኣነ ንእሽቶ ጐበዝ ኢየ: ከመይ ገይረ ከም ዝገዝእ ከኣ ኣይፈልጥን ኢየ። ስለዚ ንህዝብኻ ብቕኑዕ ምእንቲ ኺፈርድሲ ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሃቦ’ ብምባል መለሰ።

የሆዋ በቲ ሰሎሞን ዝሓተቶ ተሓጐሰ። ስለዚ ከምዚ በለ:⁠- ‘ነዊሕ ዕድመ: ሃብቲ ዘይኰነስ ምስትውዓል ስለ ዝለመንካ: ብቕድሜኻ ይኹን ብድሕሬኻ ከማኻ ዝበለ ዘይህሉ መስተውዓሊ ልቢ ክህበካ ኢየ። ከምኡውን እቲ ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብርን እውን ክህበካ ኢየ።’

ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክልተ ኣንስቲ ከቢድ ሽግር ሒዘን ናብ ሰሎሞን መጻ። ሓንቲ ካብአን ከኣ ‘ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓደ ቤት ኢና እንነብር። ኣነ ወዲ ወለድኩ ክልተ መዓልቲ ጸኒሓ ኸኣ ንሳ እውን ወዲ ወለደት። ድሓር ሓደ ለይቲ ወዳ ሞተ። ኣነ ደቂሰ ከለኹ ኸኣ ነቲ ዝሞተ ወዳ ኣብ ጥቓይ ኣምጺኣ ወደይ ወሰደት። ተንሲአ ነቲ ዝሞተ ቘልዓ ምስ ጠመትክዎ ኸኣ: ወደይ ከም ዘይኰነ ፈለጥኩ’ ብምባል ገለጸት።

እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ‘ኣይፋልን! እቲ ህያው ቈልዓ ወደይ ኢዩ እቲ ዝሞተ ኸኣ ወዳ ኢዩ!’ በለት። እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ኸኣ ‘ኣይፋልን! እቲ ዝሞተ ናትኪ እቲ ህያው ከኣ ናተይ ኢዩ!’ በለታ። እተን ኣንስቲ ከምኡ ኢለን ይከራኸራ ነበራ። ሰሎሞን እንታይ ይገብር ይኸውን፧

ሴፍ ኣምጽኡ ኢሉ ለኣኸ: ምስ ኣምጽኡሉ ኸኣ ‘ነቲ ህያው ቈልዓ ኣብ ክልተ ቍረጽዎ: ነተን ኣንስቲ ኸኣ ሓሓዲአን ሃብወን’ በሎም።

እታ ናይ ሓቂ ኣደ ኸኣ ‘ኣይፋልን! ነቲ ሕጻን ኣይትቕተልዎ። ንዓኣ ሃብዋ!’ በለት። እታ ካልአይቲ ሰበይቲ ግና ‘ንዓይ ኣይከውን ንዓኺ ኣይከውን ኣብ ክልተ ድኣ ቍረጽዎ’ በለት።

ኣብ መወዳእትኡ ሰሎሞን ‘ነቲ ሕጻን ኣይትቕተልዎ! ነታ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ሃብዋ። ናይ ሓቂ ኣዲኡ ንሳ ኢያ’ በለ። እታ ናይ ሓቂ ኣደ ነቲ ሕጻን ከም እተፍቅሮ ካብ ዝመውት ከኣ እታ ሓንቲ ሰበይቲ ክትወስዶ ከም እትመርጽ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ ከምዚ ዝገበረ። እቶም ህዝቢ ሰሎሞን ነቲ ሽግር ከመይ ገይሩ ከም ዝፈትሖ ምስ ሰምዑ ከምዚ ዝበለ መስተውዓሊ ንጉስ ብምርካቦም ተሓጐሱ።

ኣብ ግዜ ግዝኣት ሰሎሞን: ኣምላኽ እቲ መሬት ብዙሕ ስርናይ ስገም: ወይኒ ከምኡውን በለስን ካልእ ዓይነት መግብን ከም ዝፈሪ ብምግባር ነቲ ህዝቢ ባረኾ። እቶም ህዝቢ ጽቡቕ ቀሚሽ ተኸድኑ: ኣብ ጽቡቕ ኣባይቲ ኸኣ ተቐመጡ። ንዅሉ ሰብ ካብ ጽቡቕ ዘበለ ነገራት ምሉእ ዘይጕዱል ነበሮም።

1 ነገስት 3:⁠3⁠-​28፣ 4:⁠29⁠-​34

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ