ዛንታ 74
ዘይፈርሕ ሰብኣይ
እቶም ህዝቢ ነዚ መንእሰይ ከላግጹሉ ኸለዉ እሞ ርኣዮም። ንሱ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ኤርምያስ ኢዩ ዝብሃል። ኣዝዩ ኣገዳሲ ነብዪ ኣምላኽ ኢዩ።
ንጉስ ዮስያስ ነቲ ጣኦታት ካብታ ምድሪ ኸጥፍኦ ምስ ጀመረ: የሆዋ ንኤርምያስ ነብይኡ ክኸውን ጸውዖ። ይኹን እምበር: ኤርምያስ ነብዪ ንምዃን ኣዝየ ንእሽቶ ኢየ ኢሉ ሓሰበ። የሆዋ ግን ክሕግዘካ ኢየ በሎ።
ኤርምያስ ንእስራኤላውያን ሕማቕ ነገራት ካብ ምግባር ከቋርጹ ነገሮም። ‘እቶም ኣህዛብ ዘምልኽዎም ኣማልኽቲ ከንቱ ኢዮም’ በሎም። ብዙሓት እስራኤላውያን ግን ንየሆዋ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ካብ ምምላኽ ጣኦታት ከምልኹ ይመርጹ ነበሩ። ኤርምያስ ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ብሰሪ እቲ ኽፍኣቶም ክቐጽዖም ከም ዝዀነ ምስ ነገሮም ሰሓቕዎ።
ዓመታት ሓለፈ። ዮስያስ ሞተ: ሰለስተ ወርሒ ጸኒሑ ኸኣ ወዱ ዮያቂም ነገሰ። ኤርምያስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ‘እቲ እኩይ መገድኹም እንተ ዘይገዲፍኩሞ የሩሳሌም ክትጠፍእ ኢያ’ ይብሎም ነበረ። እቶም ካህናት ከኣ ንኤርምያስ ሓዝዎ እሞ ‘ከምዚ ኢልካ ብምዝራብካ ክትቅተል ይግብኣካ’ በልዎ። ድሕርዚ ነቶም መሳፍንቲ ናይ እስራኤል ‘ኤርምያስ ብዛዕባ እዛ ከተማና ክፉእ ስለ እተዛረበ ክቕተል ኣለዎ’ ኢሎም ተዛረብዎም።
ኤርምያስ ሕጂ እንታይ ኰን ይገብር ይኸውን፧ ኣይፈርሕን ኢዩ! ንዅሎም ከኣ ‘የሆዋ እዚ ነገራት እዚ ክነግረኩም ኢዩ ልኢኹኒ። እቲ እኩይ ኣነባብራኹም እንተ ዘይቀይርኩም የሆዋ ንየሩሳሌም ክድምስሳ ኢዩ። እንተ ቐቲልኩምኒ ዋላ ሓንቲ ዘይበደለ ሰብ ትቐትሉ ከም ዘለኹም ፍለጡ’ በሎም።
እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ንኤርምያስ ብህይወት ሓደግዎ: እቶም እስራኤላውያን ግን እቲ እኩይ መገዶም ኣይሓደግዎን። ጸኒሑ ኸኣ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን መጺኡ ኣንጻር የሩሳሌም ተዋግአ። ኣብ መወዳእትኡ ኸአ ንእስራኤላውያን ግዙኣቱ ገበሮም። ብዙሓት ኣሽሓት ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። ዘይትፈልጦም ሰባት ካብ ዓድኻ ኣብ ዘይትፈልጦ ምድሪ ክወስዱኻ እሞ ሕስብ ኣብሎ!