ክፍሊ 5
ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ምህናጽ መናድቕ የሩሳሌም
እስራኤላውያን ኣብ ምርኮ ባቢሎን ከለዉ ብዙሕ ናይ እምነቶም ፈተና በጽሖም። ሲድራቅ ሚሳቅ ዓብድ-ኔጎ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ተደርበዩ: ኣምላኽ ግን ካብኡ ብህይወቶም ኣውጽኦም። ደሓር ባቢሎን ብሜዶንን ፋርስን ምስ ተሳዕረት ከኣ: ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ: ኣምላኽ ከኣ ኣፍ ኣናብስ ብምዕጻው ኣዕቈቦ።
ኣብ መወዳእትኡ ንጉስ ቂሮስ ንእስራኤላውያን ናጻ ኣውጽኦም። ተማሪኾም ንባቢሎን ምስ ከዱ ድሕሪ 70 ዓመታት ናብ ዓዶም ተመልሱ። ሓደ ካብቲ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ መጀመርታ ዝገበርዎ ነገር ቤት መቕደስ የሆዋ ምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ብዙሕ ከይጸንሑ ጸላእቶም ነቲ ዕዮ ደው ከም ዘብሉ ገበርዎም። ስለዚ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ ድሕሪ 22 ዓመታት ኢዮም ኣብ መወዳእትኡ ነታ ቤት መቕደስ ሃኒጾም ዝወድእዋ።
ካብኡ ቐጺልና ኸኣ ቤት መቕደስ ንምጽባቕን ንምሕዳስን እዝራ ናብ የሩሳሌም ከም እተመልሰ ክንማሃር ኢና። እዚ እታ ቤተ መቕደስ ምስ ተወድአት ገለ 47 ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ ዀይኑ። እዝራ ካብ ዝምለስ 13 ዓመታት ጸኒሑ ኸኣ ነህምያ ነቲ ዝፈረሰ መናድቕ የሩሳሌም እንደገና ንምህናጽ ሓገዘ። ክፍሊ ሓሙሽተ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ዝነበረ ናይ 152 ዓመታት ታሪኽ ኢዩ ዝሽፍን።