ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 79
  • ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ካብ ምንጋጋ ኣናብስ ድሒኑ!
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ዳንኤል ብዘይ ምቍራጽ ንኣምላኽ ኣገልገለ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ዳርዮስ ፍትሓዊ ንጉስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 79

ዛንታ 79

ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ

እዋይ: እዋይ! ዳንኤል ኣብ ሽግር ዘሎ ኢዩ ዝመስል። እቶም ኣናብስ ግን ኣይጐድእዎን! ስለምንታይ ከም ዘይጐድእዎ ትፈልጥዶ፧ ንዳንኤል ኣብዞም ኵሎም ኣናብስ ዘእተዎ መን ኢዩ፧ እስከ ንርአ።

ንጉስ ባቢሎን ሕጂ ዳርዮስ እተባህለ ሰብኣይ ኢዩ። ዳንኤል ሕያዋይን ጥበበኛን ስለ ዝዀነ ዳርዮስ ኣዝዩ ኢዩ ዝፈትዎ። ዳርዮስ ንዳንኤል ኣብ መንግስቱ ቐንዲ ሹም ክኸውን መረጾ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣብቲ መንግስቲ ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ከም ዝቐንኡ ገበሮም: ስለዚ ኸምዚ ዝስዕብ ገበሩ።

ናብ ዳርዮስ ከይዶም ‘ዎ ንጉስ ን30 መዓልትታት ዋላ ሓደ ሰብ ብጀካ ንዓኻ: ንኣምላኽ ይኹን ንሰብ ከይልምን። ዘይእዘዝ ዘበለ ኸኣ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ ኢዩ ዝብል ትእዛዝ ከተውጽእ ሓቢርና መኸርና’ በልዎ። ዳርዮስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነዚ ሕጊ እዚ ኽወጽእ ስለምንታይ ከም ዝደለዩ ኣይፈለጠን። ጽቡቕ ሓሳብ ኰይኑ ተራእዮ: ስለዚ ነቲ ሕጊ ኣብ ጽሑፍ ኣንበሮ። እቲ ሕጊ ኸኣ ክልወጥ ኣይክእልን ነበረ።

ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሕጊ ምስ ፈለጠ: ከምቲ ዅሉ ግዜ ዝገብሮ ዝነበረ ናብ ቤቱ ኸደ እሞ ጸለየ። እቶም እኩያት ሰባት ዳንኤል ናብ የሆዋ ምጽላይ ከም ዘየቋርጽ ይፈ​ልጡ ነበሩ። እቲ ንዳንኤል ንኸጥፍኡ ዝሓሰቡዎ መገዲ ዝሰለጦም ስለ ዝመሰሎም ከኣ ተሓጐሱ።

ንጉስ ዳርዮስ እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ ሕጊ ከቝምዎ ዝደ​ለዩ ስለምንታይ ምዃኖም ምስ ፈለጠ: ኣዝዩ ጐሃየ። እንተዀነ ግን: እቲ ንጉስ ነቲ ሕጊ ክልውጦ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ዳንኤል ናብ ኣናብስ ክድርበ ትእዛዝ ክህብ ነበሮ። ይኹን እምበር: እቲ ንጉስ ንዳንኤል ‘እቲ እተገልግሎ ኣምላኽካ ከድሕነካ ተስፋ እገብር’ በሎ።

ዳርዮስ ኣዝዩ ስለ እተጨነቐ በታ ለይቲ እቲኣ ኽድቅስ ኣይከኣለን። ንጽባሒቱ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ እናጐየየ ኸደ። ኣብዚ ስእሊ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ‘ዳንኤል ኣታ ኣገልጋሊ እቲ ህያው ኣምላኽ! እቲ እተገልግሎ ኣምላኽ ካብ ኣናብስ ከድሕነካ ክኢሉዶ፧’ ኢሉ ጨደረ።

ዳንኤል ከኣ ‘ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ ምእንቲ ኸይጐድኡኒ ኣፍ እዞም ኣናብስ ዓጸወ’ በሎ።

እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ንዳንኤል ካብቲ ጕድጓድ ከውጽእዎ ኸኣ ኣዘዘ። ብድሕርዚ እቶም ንዳንኤል ከጥፍእዎ ዝፈተኑ እኩያት ሰባት ኣብቲ ጕድጓድ ከም ዝድርበዩ ገበረ። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ኸለዉ ኸኣ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም: ኣዕጽምቶም ከኣ ሰባበርዎም።

ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ኵሎም ሰባት ‘ንኣምላኽ ዳንኤል ከኽብሩ ይእዝዝ ኣለኹ። ንሱ ዓቢ ተኣምራት ይገብር። ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ኣድሓኖ’ ኢሉ ጸሓፈሎም።

ዳንኤል 6:⁠1⁠-​28

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ