ዛንታ 79
ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
እዋይ: እዋይ! ዳንኤል ኣብ ሽግር ዘሎ ኢዩ ዝመስል። እቶም ኣናብስ ግን ኣይጐድእዎን! ስለምንታይ ከም ዘይጐድእዎ ትፈልጥዶ፧ ንዳንኤል ኣብዞም ኵሎም ኣናብስ ዘእተዎ መን ኢዩ፧ እስከ ንርአ።
ንጉስ ባቢሎን ሕጂ ዳርዮስ እተባህለ ሰብኣይ ኢዩ። ዳንኤል ሕያዋይን ጥበበኛን ስለ ዝዀነ ዳርዮስ ኣዝዩ ኢዩ ዝፈትዎ። ዳርዮስ ንዳንኤል ኣብ መንግስቱ ቐንዲ ሹም ክኸውን መረጾ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣብቲ መንግስቲ ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ከም ዝቐንኡ ገበሮም: ስለዚ ኸምዚ ዝስዕብ ገበሩ።
ናብ ዳርዮስ ከይዶም ‘ዎ ንጉስ ን30 መዓልትታት ዋላ ሓደ ሰብ ብጀካ ንዓኻ: ንኣምላኽ ይኹን ንሰብ ከይልምን። ዘይእዘዝ ዘበለ ኸኣ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ ኢዩ ዝብል ትእዛዝ ከተውጽእ ሓቢርና መኸርና’ በልዎ። ዳርዮስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነዚ ሕጊ እዚ ኽወጽእ ስለምንታይ ከም ዝደለዩ ኣይፈለጠን። ጽቡቕ ሓሳብ ኰይኑ ተራእዮ: ስለዚ ነቲ ሕጊ ኣብ ጽሑፍ ኣንበሮ። እቲ ሕጊ ኸኣ ክልወጥ ኣይክእልን ነበረ።
ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሕጊ ምስ ፈለጠ: ከምቲ ዅሉ ግዜ ዝገብሮ ዝነበረ ናብ ቤቱ ኸደ እሞ ጸለየ። እቶም እኩያት ሰባት ዳንኤል ናብ የሆዋ ምጽላይ ከም ዘየቋርጽ ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ንዳንኤል ንኸጥፍኡ ዝሓሰቡዎ መገዲ ዝሰለጦም ስለ ዝመሰሎም ከኣ ተሓጐሱ።
ንጉስ ዳርዮስ እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ ሕጊ ከቝምዎ ዝደለዩ ስለምንታይ ምዃኖም ምስ ፈለጠ: ኣዝዩ ጐሃየ። እንተዀነ ግን: እቲ ንጉስ ነቲ ሕጊ ክልውጦ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ዳንኤል ናብ ኣናብስ ክድርበ ትእዛዝ ክህብ ነበሮ። ይኹን እምበር: እቲ ንጉስ ንዳንኤል ‘እቲ እተገልግሎ ኣምላኽካ ከድሕነካ ተስፋ እገብር’ በሎ።
ዳርዮስ ኣዝዩ ስለ እተጨነቐ በታ ለይቲ እቲኣ ኽድቅስ ኣይከኣለን። ንጽባሒቱ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ እናጐየየ ኸደ። ኣብዚ ስእሊ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ‘ዳንኤል ኣታ ኣገልጋሊ እቲ ህያው ኣምላኽ! እቲ እተገልግሎ ኣምላኽ ካብ ኣናብስ ከድሕነካ ክኢሉዶ፧’ ኢሉ ጨደረ።
ዳንኤል ከኣ ‘ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ ምእንቲ ኸይጐድኡኒ ኣፍ እዞም ኣናብስ ዓጸወ’ በሎ።
እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ንዳንኤል ካብቲ ጕድጓድ ከውጽእዎ ኸኣ ኣዘዘ። ብድሕርዚ እቶም ንዳንኤል ከጥፍእዎ ዝፈተኑ እኩያት ሰባት ኣብቲ ጕድጓድ ከም ዝድርበዩ ገበረ። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ኸለዉ ኸኣ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም: ኣዕጽምቶም ከኣ ሰባበርዎም።
ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ኵሎም ሰባት ‘ንኣምላኽ ዳንኤል ከኽብሩ ይእዝዝ ኣለኹ። ንሱ ዓቢ ተኣምራት ይገብር። ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ኣድሓኖ’ ኢሉ ጸሓፈሎም።