ዳርዮስ ፍትሓዊ ንጉስ
ሓደ ፍሉጥ ንጉስ ነቲ ዝሰርሖ ናይ ህንጻ ፕሮጀክት ኣመልኪቱ ሓደ ግዜ ከምዚ ብምባል ተጃሃረ:- “ኣብ ዙርያ ባቢሎን ብወገን ምብራቕ ጽኑዕ መንደቕ ዘለዎ ሓጹር ገበርኩ። ኣብቲ ዙርያ ዒላ ዀዓትኩ: . . . ብቕጥራንን ሕጡብን ገይረ ልክዕ ከም ጎቦ ክግዕዝ ዘይክእል ነቕ ዘይብል መንደቕ ሃነጽኩ።” እወ: እቲ ናይ ባቢሎን ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ሓደ ሰፊሕ ናይ ምህናጽ ፕሮግራም ተኻፊሉ ነበረ: ነታ ናይ ግዝኣቱ ርእሰ-ኸተማ ንምድልዳል ድማ ኣበርቲዑ ጽዒሩ ኢዩ። እታ ናይ ባቢሎን ከተማ ግን ከምቲ ሓሲብዎ ዝነበረ ክትጠሓስ ዘይትከኣል ኰይና ኣይተረኽበትን።
ናይዚ መረጋገጺ 5 ጥቅምቲ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ነበረ። እቲ ፋርሳዊ ገዛኢ ቂሮስ ካልኣይ: ብናይ ሜዶን ሰራዊት ተሰንዩ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንባቢሎን ሰዓራ: ነቲ ከለዳዊ ገዛኢኣ ቤልሻጽር ድማ ቀተሎ። ሕጂ ናይዛ ዝሰዓረት ከተማ እዚኣ ቀዳማይ ገዛኢ መን ኢዩ ክኸውን፧ እታ ኸተማ ክትወድቕ ከላ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዳንኤል “ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ: ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ: ነታ መንግስቲ ተቐበላ” ኢሉ ጸሓፈ።—ዳንኤል 5:30, 31
ዳርዮስ መን ኢዩ ነይሩ፧ ከመይ ዝበለ ኣመሓዳሪ ምዃኑኸ ኢዩ ኣርእዩ፧ ነቲ ንልዕሊ 70 ዓመታት ኣብ ባቢሎን ምሩኽ ኰይኑ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤልከ ብኸመይ ኢዩ ርእይዎ፧
ምሉእ ዘይኰነ ታሪኽ ዘለዎ ንጉስ
እቲ ብዛዕባ ዳርዮስ ሜዶናዊ ዝገልጽ ታሪኻዊ ሓበሬታ ምሉእ ኣይኰነን። ሜዶናውያን ናይ ጽሑፍ መዝገብ ዳርጋ ኣይሓደጉን። ብተወሳኺውን: እቲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ተዃዒቱ ዝወጸ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸር ናይ ኲኒፎርም ጽላት ብዙሕ ሃጓፍ ዘለዎ ምሉእ ዘይኰነ ታሪኽ ኢዩ ዝህብ። እቲ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ካልእ ናይ ጥንቲ ዓለማዊ ጽሑፋት ሒደት ኢዩ: ሓበሬትኡ ድማ ካብቲ ንዳርዮስ ዘጠቓልል ፍጻመታት ብሓደ ክፍለ-ዘበን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝረሓሓቕ ኢዩ።
እንተዀነ ግን: ፋርሳዊ ገዛኢ ቂሮስ ካልኣይ ነታ ርእሰ-ኸተማ ሜዶን ዝነበረት ኤክባትና ድሕሪ ምሓዙ ሜዶን ንዕኡ እምንቲ ኰይና ከም እተረኽበት ዝገልጽ መርትዖ ኣሎ። ብድሕሪኡ: ሜዶንን ፋርስን ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ዀይነን ሓቢረን ይዋግኣ ነበራ። ጸሓፊ ሮበርት ኮሊንስ ኣብታ ዘ መደስ አንድ ፐርሽያንስ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ ) ንርክቦም ኣመልኪቱ ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ:- “ኣብ ግዜ ሰላም እቶም ሜዶናውያን ምስ ፋርሳውያን ማዕረ ዅነታት ኢዩ ነይሩዎም። ኣብ ናይ መንግስቲ ምምሕዳር ዝለዓለ ስልጣን: ኣብ ናይ ፋርሳውያን ሰራዊት ከኣ ናይ መሪሕነት ቦታ ብዙሕ ግዜ ይወሃቦም ነበረ። ወጻእተኛታት ንሜዶንን ፋርስን ክጠቕስዎም ከለዉ ኣብ መንጎኦም ናይ ገዛእን ተገዛእን ፍልልይ ኣይገበሩን።” ስለዚ ኸኣ: ሜዶናውያን ምስ ፋርሳውያን ብምሕባር ናይ ሜዶንን ፋርስን ሃጸያዊ ግዝኣት ኣቘሙ።—ዳንኤል 5:28፣ 8:3, 4, 20
ሜዶናውያን ንባቢሎን ኣብ ምግልባጥ ወሳኒ ግደ ከም ዝፈጸሙ እተረጋገጸ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ’ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዝገዝእ ዝነበረ ናይ ሜዶንን ፋርስን ሃጸያዊ ግዝኣት ቀዳማይ ንጉስ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። (ዳንኤል 9:1) እቲ ንጉሳዊ ሓይሉ “ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን” ገይርካ ሕጊ ናይ ምውጻእ ስልጣን ዘጠቓልል ነበረ። (ዳንኤል 6:8) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳርዮስ ዝገልጾ ነገር ንባህሪኡ ዝምልከት ጩራን ብዛዕብኡ ዝነግር ዓለማዊ ሓበሬታ ንኸይህሉ ዝገበረ ብቑዕ ምኽንያትን ይህበና ኢዩ።
ዳንኤል ፍቱው ኰነ
መጽሓፍ ቅዱስ: ዳርዮስ ኣብ ባቢሎን ስልጣን ምስ ሓዘ ነዊሕ ከይጸንሐ “ኣብ ብዘላ መንግስቱ ዚዀኑ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ [ሾመ]: . . . ኣብ ልዕሊኦም ሰለስተ ኣረአሰሎም: ሓደ ኻብ እዚኣቶም ከኣ ዳንኤል እዩ” ብምባል ይነግረና። (ዳንኤል 6:1, 2) ይኹን እምበር: እቶም ካልኦት ራእስታት በቲ ናይ ዳንኤል ዝለዓለ ስልጣን ባህ ኣይበሎምን። ንጽህንኡ ብልሽውና ከይህሉ ይከላኸል ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ: እዚ ድማ ቅሬታ ኣልዒሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ንጉስ ንዳንኤል ብምፍታዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ክገብሮ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ ቅንኢውን ነቶም ራእስታት ደፋፊእዎም ክኸውን ኣለዎ።
ንዳንኤል ከወግዱ ተስፋ ብምግባር: እቶም ክልተ ራእስታትን እቶም መሳፍንትን ሕጋዊ መጻወድያ መሃዙ። ናብቲ ንጉስ ከዱ እሞ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ብዘይካ ንዳርዮስ “ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ [ምልማን]” ዝኽልክል ኣዋጅ ብምውጻእ ክታሙ ከንብረሉ ሃብዎ። ነዚ ሕጊ እዚ ዝጥሕስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ እማመ ኣቕረቡ። እዚ ኣዋጅ እዚ ኵሎም እቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ባህ ከም ዝበሎም ድማ ኣእመንዎ: እቲ እማመ ኣብቲ ንጉስ ዘለዎም ተኣማንነት ዝገልጽ መሲሉ ተራእዮ።—ዳንኤል 6:1-3, 6-8
ዳርዮስ ነቲ ኣዋጅ ክታሙ ኣንበረሉ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ እቲ ኣዋጅ ንዘምጽኦ ሳዕቤን ክዋጽኣሉ ነበሮ። ዳንኤል ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ምጽላይ ስለ ዝቐጸለ: ነቲ ኣዋጅ እቲ ዝጠሓሰ ቀዳማይ ሰብ ኰነ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 5:29 ኣረኣእዮ።) እቲ ንጉስ ነቲ ዘይልወጥ ሕጊ ዘፍሽለሉ መገዲ ንምርካብ ልባዊ ጻዕሪ ገይሩ እኳ እንተ ነበረ: እቲ እሙን ዳንኤል ግን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ። ኣምላኽ ዳንኤል: ነቲ ነብዪ እቲ ብህይወት ንምትራፍ ዘኽእል ሓይሊ ከም ዘለዎ: ዳርዮስ እምንቶኡ ገለጸ።—ዳንኤል 6:9-17
ዳርዮስ ከይበልዐ ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ ምስ ሓደረ ኣንጊሁ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ጐየየ። ዳንኤል ገለ ጕድኣት ከይረኸቦ ብህይወቱ ምስ ጸንሖስ ኣየ ክንደይ ኰን ኢዩ ተሓጒሱ! እቲ ንጉስ ንኸሰስቲ ዳንኤልን ስድራቤቶምን ቀልጢፉ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዝድርበዩ ብምግባር ፍትሓዊ ፍርዲ ኣውረደ። ሰባት ‘ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዳንኤል የንቀጥቅጡን ይፍርሁን’ ዝብል ትእዛዝ እውን ኣመሓላለፈ።—ዳንኤል 6:18-27
ዳርዮስ ንኣምላኽን ሃይማኖትን ዳንኤል ከም ዘኽበሮን ነቲ ጌጋ ንምቕናዕ ድማ ተሃንጥዩ ከም ዝነበረን ንጹር ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ልዕሊ ከሰስቲ ዳንኤል እተገብረ መቕጻዕቲ ነቶም ዝተረፉ ሰበ-ስልጣን ጽልኢ ኣሕዲሩሎም ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺውን: ኣብ መንግስቱ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዳንኤል ክፈርሁ’ ዝእዝዝ ናይ ዳርዮስ ኣዋጅ ነቶም ሓያላት ባቢሎናውያን ካህናት ኣዝዮም ከም ዝቕየሙ ገይርዎም ክኸውን ኣለዎ። እቶም ጸሓፍቲ በዚ ረቛሒታት እዚ ብርግጽ ተጸልዮም ስለ ዝነበሩ: ነቲ ንዳርዮስ ዝምልከት ሓበሬታ ንምጥፋእ እቲ ዓለማዊ መዛግብቲ እንተ ተቐየረ ዘገርም ኣይኰነን። እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ሓጺር ጸብጻብ ግን ዳርዮስ ቅኑዕን ፍትሓውን ገዛኢ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኢዩ።