ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 92
  • የሱስ ምዉታት የተንስእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ምዉታት የተንስእ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ሞት ክንትንስእ ንኽእል ኢና!
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ሓንቲ ጓል ተንስአት!
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ሓዘን ናብ ዓቢ ሓጐስ ተለወጠ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ክዳኑ ተንከፈት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 92

ዛንታ 92

የሱስ ምዉታት የተንስእ

እዛ ኣብዚ እትርእያ ዘለኻ ጓል ዕድሚኣ 12 ዓመት ኢዩ። የሱስ ብኢዳ ሒዝዋ ኣሎ: ኣቡኣን ኣዲኣን ከኣ ኣብ ጥቕኣ ደው ኢሎም ኣለዉ። ኣዝዮም ተሓጒሶም ዘለዉ ስለምንታይ ከም ዝዀኑ ትፈልጥዶ፧ እስከ ንርኣዮ።

ኣቦ እታ ጓል ያኢሮስ እተባህለ ክቡር ሰብ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ጓሉ ሓመመት: ኣብ ዓራት ከኣ ኣደቀስዋ። እንተዀነ ግን ኣይሓሻን። መመሊሳ ሓመመት። ያኢሮስን ሰበይቱን ኣዝዮም ተሻቐሉ: ምኽንያቱ እታ ንእሽቶ ጓሎም እትመውት ኢያ ትመስል ነይራ። ሓንቲ ጓሎም ከኣ ኢያ። ስለዚ ያኢሮስ ንየሱስ ክደልዮ ኸደ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ሰሚዑ ነይሩ ኢዩ።

ያኢሮስ ንየሱስ ምስ ረኸቦ ኸኣ ምስኡ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ። ያኢሮስ ግን ብመንጎ እቶም ህዝቢ ሓሊፉ ኣብ እግሪ የሱስ ወደቐ። ‘ጓለይ ኣዝያ ሓሚማ ኣላ። በጃኻ ንዓ ኣሕውያ’ ኢሉ ድማ ለመኖ። የሱስ ከኣ ከም ዝመጽእ ነገሮ።

እናኸዱ ኸለዉ: እቲ ጭፍራ ህዝቢ ይደፋፋእ ነበረ። ብሃንደበት የሱስ ደው በለ። ‘መን ኢዩ ተንኪፉኒ፧’ ኢሉ ድማ ሓተተ። የሱስ ሓይሊ ካብኡ ክወጽእ ከሎ ተሰምዖ: ስለዚ ዝተንከፎ ሰብ ከም ዝነበረ ፈለጠ። እንተዀነ ግን: መን ኢዩ ነይሩ፧ ን12 ዓመት ኣጸቢቓ ሓሚማ ዝነበረት ሰበይቲ ኢያ። መጺኣ ክዳን የሱስ ተንከየት እሞ ካብ ሕማማ ኸኣ ሓወየት!

እዚ ኸኣ የሱስ ሰብ ንኸሕዊ ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ከም ዝዀነ ንያኢሮስ ስለ ዘረድኦ: ከም ዝተኣማመን ገበሮ። እንተዀነ ግን: ሽዑ ሓደ ልኡኽ መጸ። ንያኢሮስ ከኣ ‘ንየሱስ ኣይተሸግሮ። ጓልካ ሞይታ ኢያ’ በሎ። የሱስ እዚ ሰምዐ እሞ ንያኢሮስ ‘ኣይትጨነቕ ጓልካ ክትድሕን ኢያ’ በሎ።

ኣብ መወዳእትኡ ናብ ቤት ያኢሮስ ምስ ከዱ: እቶም ህዝቢ ኣጸቢቖም ይበኽዩ ነበሩ። የሱስ ግን ‘ኣይትብከዩ። እታ ጓል ኣይሞተትን። ደቂሳ ኢያ ዘላ’ በሎም። ንሳቶም ግን ከም ዝሞተት ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ: ሰሓቑ ንየሱስ ከኣ ኣላገጽሉ።

ሽዑ የሱስ ንኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ሰለስተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ሒዙ ናብቲ እታ ጓል ዝነበረቶ ክፍሊ ኣተዉ። ብኢዳ ሓዛ እሞ ‘ተንስኢ!’ በላ። ከምዚ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ ኸኣ ህያው ኰነት። ተንሲኣ ኸኣ ተዛወረት! በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ኣዲኣን ኣቡኣን ኣዝዮም ተሓጒሶም ዘለዉ።

እዚኣ የሱስ ካብ ምውታት ዘተንስኣ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣይኰነትን። ናይ መጀመርታ ወዲ እታ ኣብ ናይን ዝነበረት መበለት ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረበሉ ኢዩ። ጸኒሑ የሱስ ንኣልኣዛር ሓዊ ማርያምን ማርታን እውን ካብ ሞት ኣተንሲእዎ ኢዩ። የሱስ ከም ናይ ኣምላኽ ንጉስ ኰይኑ ኽገዝእ ከሎ: ብዙሓት ምዉታት ህያዋን ክዀኑ ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ሕጕሳት ክንከውንዶ ኣይግብኣናን፧

ሉቃስ 8:⁠40⁠-​56፣ 7:⁠11⁠-​17፣ ዮሃንስ 11:⁠17⁠-​44

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ