ዛንታ 92
የሱስ ምዉታት የተንስእ
እዛ ኣብዚ እትርእያ ዘለኻ ጓል ዕድሚኣ 12 ዓመት ኢዩ። የሱስ ብኢዳ ሒዝዋ ኣሎ: ኣቡኣን ኣዲኣን ከኣ ኣብ ጥቕኣ ደው ኢሎም ኣለዉ። ኣዝዮም ተሓጒሶም ዘለዉ ስለምንታይ ከም ዝዀኑ ትፈልጥዶ፧ እስከ ንርኣዮ።
ኣቦ እታ ጓል ያኢሮስ እተባህለ ክቡር ሰብ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ጓሉ ሓመመት: ኣብ ዓራት ከኣ ኣደቀስዋ። እንተዀነ ግን ኣይሓሻን። መመሊሳ ሓመመት። ያኢሮስን ሰበይቱን ኣዝዮም ተሻቐሉ: ምኽንያቱ እታ ንእሽቶ ጓሎም እትመውት ኢያ ትመስል ነይራ። ሓንቲ ጓሎም ከኣ ኢያ። ስለዚ ያኢሮስ ንየሱስ ክደልዮ ኸደ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ሰሚዑ ነይሩ ኢዩ።
ያኢሮስ ንየሱስ ምስ ረኸቦ ኸኣ ምስኡ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ። ያኢሮስ ግን ብመንጎ እቶም ህዝቢ ሓሊፉ ኣብ እግሪ የሱስ ወደቐ። ‘ጓለይ ኣዝያ ሓሚማ ኣላ። በጃኻ ንዓ ኣሕውያ’ ኢሉ ድማ ለመኖ። የሱስ ከኣ ከም ዝመጽእ ነገሮ።
እናኸዱ ኸለዉ: እቲ ጭፍራ ህዝቢ ይደፋፋእ ነበረ። ብሃንደበት የሱስ ደው በለ። ‘መን ኢዩ ተንኪፉኒ፧’ ኢሉ ድማ ሓተተ። የሱስ ሓይሊ ካብኡ ክወጽእ ከሎ ተሰምዖ: ስለዚ ዝተንከፎ ሰብ ከም ዝነበረ ፈለጠ። እንተዀነ ግን: መን ኢዩ ነይሩ፧ ን12 ዓመት ኣጸቢቓ ሓሚማ ዝነበረት ሰበይቲ ኢያ። መጺኣ ክዳን የሱስ ተንከየት እሞ ካብ ሕማማ ኸኣ ሓወየት!
እዚ ኸኣ የሱስ ሰብ ንኸሕዊ ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ከም ዝዀነ ንያኢሮስ ስለ ዘረድኦ: ከም ዝተኣማመን ገበሮ። እንተዀነ ግን: ሽዑ ሓደ ልኡኽ መጸ። ንያኢሮስ ከኣ ‘ንየሱስ ኣይተሸግሮ። ጓልካ ሞይታ ኢያ’ በሎ። የሱስ እዚ ሰምዐ እሞ ንያኢሮስ ‘ኣይትጨነቕ ጓልካ ክትድሕን ኢያ’ በሎ።
ኣብ መወዳእትኡ ናብ ቤት ያኢሮስ ምስ ከዱ: እቶም ህዝቢ ኣጸቢቖም ይበኽዩ ነበሩ። የሱስ ግን ‘ኣይትብከዩ። እታ ጓል ኣይሞተትን። ደቂሳ ኢያ ዘላ’ በሎም። ንሳቶም ግን ከም ዝሞተት ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ: ሰሓቑ ንየሱስ ከኣ ኣላገጽሉ።
ሽዑ የሱስ ንኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ሰለስተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ሒዙ ናብቲ እታ ጓል ዝነበረቶ ክፍሊ ኣተዉ። ብኢዳ ሓዛ እሞ ‘ተንስኢ!’ በላ። ከምዚ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ ኸኣ ህያው ኰነት። ተንሲኣ ኸኣ ተዛወረት! በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ኣዲኣን ኣቡኣን ኣዝዮም ተሓጒሶም ዘለዉ።
እዚኣ የሱስ ካብ ምውታት ዘተንስኣ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣይኰነትን። ናይ መጀመርታ ወዲ እታ ኣብ ናይን ዝነበረት መበለት ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረበሉ ኢዩ። ጸኒሑ የሱስ ንኣልኣዛር ሓዊ ማርያምን ማርታን እውን ካብ ሞት ኣተንሲእዎ ኢዩ። የሱስ ከም ናይ ኣምላኽ ንጉስ ኰይኑ ኽገዝእ ከሎ: ብዙሓት ምዉታት ህያዋን ክዀኑ ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ሕጕሳት ክንከውንዶ ኣይግብኣናን፧