ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gt ምዕ. 47
  • ሓዘን ናብ ዓቢ ሓጐስ ተለወጠ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓዘን ናብ ዓቢ ሓጐስ ተለወጠ
  • ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓንቲ ጓል ተንስአት!
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ምዉታት የተንስእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ ሞት ክንትንስእ ንኽእል ኢና!
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
gt ምዕ. 47

ምዕራፍ 47

ሓዘን ናብ ዓቢ ሓጐስ ተለወጠ

ያኢሮስ እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ከም ዝሓወየት ምስ ረኣየ: የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ከሕዊ ክእለት ከም ዘለዎ ዝያዳ እምንቶ ከም ዘሕደረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ያኢሮስ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ መጺኡ ነታ 12 ዝዕድሚኣ ክትመውት ቀሪባ ዝነበረት ዘፍቅራ ጓሉ ከሕውየሉ ሓቲትዎ ነበረ። ይኹን እምበር: ሕጂ እቲ ያኢሮስ ኣጸቢቑ ዝፈርሖ ነገር ኣጋጠመ። የሱስ ምስታ ሰበይቲ እናተዛረበ ከሎ: ገለ ሰባት መጺኦም ቀስ ኢሎም ንያኢሮስ “ጓልካ ሞይታ: ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ አሎኻ፧” በልዎ።

ክንደይ ዘሕዝን መርድእ ኰን ኢዩ! ሕስብ እሞ ኣብሎ: እዚ ኣብቲ ማሕበረሰብ ኣጸቢቑ ክቡር ሰብኣይ ብዛዕባ ሞት ጓሉ ምስ ሰምዐ ተስፋ ቘረጸ። ይኹን እምበር: የሱስ ነቲ እቶም ሰባት ዝብልዎ ዝነበሩ ዘረባ ሰምዖ። ስለዚ ናብ ያኢሮስ ምልስ ኢሉ “ኣይትፍራህ: እመን ደኣ” ብምባል ኣጸናንዖ።

የሱስ ምስቲ ብሓዘን ተዋሒጡ ዝነበረ ሰብኣይ ንቤቱ ከደ። ምስ በጽሑ ኸኣ ብኽያትን ጫውጫውን ዝመልኦ ዕግርግር ጸንሖም። ብዙሕ ህዝቢ ተኣኪቡ ነበረ ብሓዘን ከኣ ይበኽዩ ነበሩ። የሱስ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተወ “እዛ ቘልዓ ደቂሳ አላ እምበር: ኣይሞተትን: ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዩን አሎኹም፧” ብምባል ሓተቶም።

እዚ ምስ ሰምዑ እቶም ህዝቢ ንየሱስ እናላገጹ ሰሓቕዎ: ምኽንያቱ እታ ጓል ብሓቂ ከም ዝሞተት ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። የሱስ ግን ደቂሳ ኢያ ዘላ በለ። ልክዕ ከምቲ ንሰባት ካብ ዓሚቝ ድቃሶም ምትንሳእ ቀሊል ዝዀነ ካብ ምዉታት ምትንስኦምውን ቀሊል ምዃኑ: በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ብምጥቃም ከርእዮም ኢዩ።

ሕጂ የሱስ ብጀካ ንጴጥሮስ: ያእቆብ: ዮሃንስ: ከምኡውን ኣቦን ኣደን ናይታ ዝሞተት ቈልዓ: ንዅሎም ካብ ቤት ኣውጽኦም። ብድሕርዚ ንሓሙሽቲኦም ሒዙ ናብቲ እታ ንእሽቶ ጓል ዝነበረቶ ኣተወ። ብኢዳ ሒዙ ኸኣ “ጣሊታ ቁሚ” በላ: ትር​ጕሙ ኸኣ “ኣቲ ጓል: ተን​ስኢ: እብለኪ አሎኹ” ኢዩ። እታ ጓል ከኣ ብኡንብኡ ተንስአት እሞ ክትዛወር ጀመረት! ወለዳ በቲ ዝረኣይዎ ነገር ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ ልቦም ክሳዕ ዝጠፍኦም ኰኑ።

የሱስ ነታ ቘልዓ ዝብ​ላዕ ክህብዋ ምስ ነገሮም ከኣ ንያኢሮስን ሰበይቱን እቲ ዝዀነ ነገር ንዋላ ሓደ ከይነግሩ ኣጠንቀቖም። የሱስ ከምኡ እኳ እንተ በሎም እቲ ነገር ግን ኣብ ኵላ እታ ሃገር ተሰምዐ። እዚ የሱስ ንኻልኣይ ግዜ ምዉት ዘተንስኣሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። ማቴዎስ 9:⁠18⁠-​26፣ ማርቆስ 5:⁠35⁠-​43፣ ሉቃስ 8:⁠41⁠-​56

▪ ያኢሮስ እንታይ መርድእ ኢዩ ዝሰምዐ: የሱስከ ብኸመይ ኣጸናንዖ፧

▪ ኣብ ቤት ያኢሮስ ምስ በጽሑ እቲ ኵነታት ከመይ ኢዩ ነይሩ፧

▪ እታ ዝሞተት ቈልዓ ደቂሳ ኢያ ዘላ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ነታ ዝሞተት ካብ ምዉታት ከተንስእ ከሎ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት መነ መን ኢዮም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ