ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 105
  • ኣብ የሩሳሌም ኴንካ ምጽባይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ የሩሳሌም ኴንካ ምጽባይ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ቅድሚ ጰንጠቈስጠ ኣማእታት ረኣይዎ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ንመወዳእታ ግዜ እተራእየሉ እዋናት: ከምኡውን ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ.
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ብስም መን ኢኻ እትጥመቕ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 105

ዛንታ 105

ኣብ የሩሳሌም ኴንካ ምጽባይ

እዞም ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ሰዓብቲ የሱስ ኢዮም። ንዕኡ ብምእዛዝ ካብ የሩሳሌም ኣይወጹን። ኵሎም ብሓንሳእ ኰይኖም ክጽበዩ ኸለዉ ኸኣ ብርቱዕ ድምጺ ነታ ኽፍሊ መልኣ። ዝፋጺ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስ ኢዩ ዝጥዕም። ድሕርዚ ኸኣ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ናይቶም ደቀ መዛሙርቲ ልሳን ሓዊ ተራእየ። ነቲ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፎም ዘሎ ሓዊ ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ እዚ ዅሉ እንታይ ማለት ኢዩ፧

እዚ ተኣምራት ኢዩ! የሱስ ምስ ኣቡኡ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዘሎ: መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቱ የፍስስ ኣሎ። እዚ መንፈስ እዚ እንታይ ክገብሩ ከም ዘኽእሎም ትፈልጥዶ፧ ኵሎም እተፈላለየ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።

ብዙሓት ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ነቲ ከም ብርቱዕ ንፋስ ዝጥዕም ድምጺ ሰምዕዎ: ነቲ ዝፍጸም ዝነበረ ክርእዩ ኸኣ መጹ። ገለ ካብቶም ሰባት ነቲ ናይ እስራኤላውያን በዓል ጴንጠቆስጠ ከብዕሉ ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ ኢዮም። እዞም ኣጋይሽ እዚኣቶም ኣየ ኸመይ ዝበለ ምግራም ኰን ኢዩ ዘጋጠሞም! በቲ ናታቶም ቋንቋታት ብዛዕባ እቲ ዘገርም ተግባራት ኣምላኽ ክዛረቡ ኸለዉ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሰምዕዎም።

እቶም ኣጋይሽ ከኣ ‘እዞም ሰባት እዚኣቶምሲ ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ገይርና ደኣ ኢና በታ እተወለድናላ ቋንቋ ክዛረቡ ኵልና እንሰምዖም ዘሎና፧’ ብምባል ሓተቱ።

ጴጥሮስ ከኣ ክገልጸሎም ሓፍ በለ። ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ነቶም ህዝቢ የሱስ ብኸመይ ከም እተቐትለ: የሆዋ ኸኣ ብኸመይ ካብ ምዉታት ከም ዘተንሰኦ ነገሮም። ‘ሕጂ የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ። ነቲ እተመባጽዓሉ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ሰማይ ኣፍሰሶ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢኹም እዚ ተኣምራት እዚ ዝረኣኹምን ዝሰማዕኩምን’ ኢሉ ነገሮም።

ጴጥሮስ እዚ ነገራት እዚ እናነገሮም ከሎ: ብዙሓት ካብቶም ሰባት በቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ነገር ሓዘኑ። ‘እንታይ ክንገብር ኣለና፧’ ኢሎም ከኣ ንጴጥሮስ ሓተትዎ። ጴጥሮስ ከኣ ‘ኣነባብራኹም ቀይርኩም ተጠመቑ’ በሎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዳርጋ 3,000 ሰባት ተጠሚቖም ሰዓብቲ የሱስ ኰኑ።

ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠1⁠-​47

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ