ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 109
  • ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ይበጽሖ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ይበጽሖ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቆርኔሌዎስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ተራእየ
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ነታ ኽብርቲ እምነትና ኣጽኒዕና ንሓዛ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 109

ዛንታ 109

ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ይበጽሖ

እዚ ደው ኢሉ ዘሎ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኢዩ: እቶም ብድሕሪኡ ዘለዉ ኸኣ ገለ ካብ ብጾቱ ኢዮም። እቲ ሰብኣይ ንጴጥሮስ ዝሰግደሉ ዘሎ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ከምኡ ኽገብር ይግብኦዶ፧ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧

እቲ ሰብኣይ ቆርኔሌዎስ ኢዩ ዝብሃል። ኣብ ሰራዊት ሮሜ በዓል ስልጣን ኢዩ። ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስ ኣይፈልጦን ኢዩ: እንተዀነ ግን ናብ ቤቱ ኽጽውዖ ተነግሮ። እዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ።

እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ኣይሁድ ኢዮም ነይሮም: ቆርኔሌዎስ ግን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ንኣምላኽ የፍቅሮ ኢዩ: ናብኡ ይጽሊ: ንሰባት ከኣ ብዙሕ ሕያውነታዊ ነገራት ይገብር ነበረ። ሓደ ድሕሪ ቐትሪ ሓደ መልኣኽ ተራእዮ እሞ ኸምዚ በሎ:⁠-‘ኣምላኽ ብኣኻ ባህ ኢልዎ ኢዩ: ንጸሎትካ ኸኣ ሰሚዕዎ ኣሎ። ነቲ ጴጥሮስ እተባህለ ሰብኣይ ዝጽውዑ ሰባት ልኣኽ። ኣብ ዮጴ ምስቲ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ስምኦን ኣሎ።’

ብኡንብኡ ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስ ክረኽብዎ ሰባት ለኣኸ። ንጽብሒቱ: እቶም ሰባት ናብ ዮጴ ምስ ቀረቡ: ጴጥሮስ ኣብ ቤት ስምኦን ኣብ ናሕሲ ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣምላኽ ንጴጥሮስ ዓለባ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ከም ዝረኣየ ገይሩ ከም ዝሓስብ ገበሮ። ኣብቲ ዓለባ ኸኣ ኵሎም ዓይነት እንስሳታት ነበሩ። ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ: እዞም እንስሳታት እዚኣቶም መግቢ ንኽዀኑ ርኹሳት ኢዮም ነይሮም: እንተዀነ ግን ንጴጥሮስ ሓደ ድምጺ ‘ጴጥሮስ ተንስእ። ሓሪድካ ብላዕ’ በሎ።

ጴጥሮስ ከኣ ‘ኣይበልዕን! ርኹስ ፈጺመ በሊዐ ኣይፈልጥን ኢየ’ ብምባል መለሰ። እቲ ድምጺ ድማ ንጴጥሮስ ‘ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ’ በሎ። እዚ ሰለስተ ግዜ ተደጋገመ። ጴጥሮስ እዚ እንታይ ማለት ኢዩ ኢሉ ክሓስብ ከሎ እቶም ቆርኔሌዎስ ዝለኣኾም ሰባት ኣብቲ ቤት በጽሑ እሞ ብዛዕብኡ ሓተቱ።

ጴጥሮስ ናብኣቶም ወረደ እሞ ኸምዚ በሎም:⁠-‘እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብኣይ ኣነ ኢየ። ስለምንታይ ኢኹም መጺእኩም፧’ እቶም ሰባት: ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስ ናብ ቤቱ ንኸምጽኦ ሓደ መልኣኽ ከም ዝነገሮ ምስ ገለጹሉ ጴጥሮስ ምስኦም ክኸይድ ተሰማምዐ። ንጽብሒቱ ጴጥሮስን ብጾቱን ናብ ቆርኔሌዎስ ንቂሳርያ ክኸዱ ተላዕሉ።

ቆርኔሌዎስ: ኣዝማዱን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱን ኣኪቡ ኢዩ ዝጽበ ነይሩ። ጴጥሮስ ምስ መጸ ድማ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብዚ ኸም እትርእዮ ኣብ እግሪ ጴጥሮስ ፍግም ኢሉ ሰገደ። ጴጥሮስ ግን ‘ተንስእ: ኣነ ከማኻ ሰብ ኢየ’ በሎ። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብ ምስጋድን ምምላኽን ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝሕብር። ንየሆዋ ጥራይ ኢና ከነምልኽ ዘሎና።

ሽዑ ጴጥሮስ ነቶም ተኣኪቦም ዝነብሩ ሰበኸሎም። ጴጥሮስ ከኣ ‘ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ይቕበሎም ኢዩ’ በለ። እናተዛረበ ኸሎ ኸኣ: ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣውረደ: እቶም ሰባት ከኣ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ። እዚ ነቶም ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣይሁዳውያን ደቀ መዛሙርቲ ኣገረሞም: ምኽንያቱ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ኣይሁድ ጥራይ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ኢዩ ነይርዎም። ስለዚ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ዓሌት ዘለዉ ሰባት ካብቶም ካልኦት ዝበለጹ ወይ ከኣ ዝኸበሩ ገይሩ ከም ዘይርኢ መሃሮም። እዝስ ኵላትና ክንዝክሮ ዝግብኣና ሰናይ ነገርዶ ኣይኰነን፧

ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠1⁠-​48፣ 11:⁠1⁠-​18፣ ራእይ 19:⁠10

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ