ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 97 ገጽ 226-ገጽ 227 ሕ.ጽ. 2
  • ቆርኔሌዎስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቆርኔሌዎስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ ይበጽሖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ተራእየ
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • የሆዋ ‘ኣየዳሉን’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 97 ገጽ 226-ገጽ 227 ሕ.ጽ. 2
ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስ ናብ ቤቱ ይቕበሎ

ትምህርቲ 97

ቆርኔሌዎስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ

ኣብ ቂሳርያ፡ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሓለቓ ሚእቲ ሮሜ ነበረ። ኣይሁዳዊ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣይሁድ ግና የኽብርዎ ነበሩ። ንድኻታትን ንጽጉማትን ብዙሕ ይሕግዝ ነበረ። ቆርኔሌዎስ ብየሆዋ ይኣምንን ኵሉ ሳዕ ይጽልን ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ መልኣኽ ንቆርኔሌዎስ ተራእዮ እሞ፡ ‘ኣምላኽ ንጸሎትካ ሰሚዕዎ እዩ። ሕጂ፡ ናብ ከተማ ዮጴ ሰባት ልኢኽካ፡ ንጴጥሮስ ካብኡ ኣምጽኣዮ’ በሎ። ብኡብኡ፡ ቆርኔሌዎስ ናብታ ብደቡብ ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሰለስተ ሰብኡት ለኣኸ።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ዮጴ፡ ጴጥሮስ ራእይ ረኣየ። ኣብቲ ራእይ ድማ ኣይሁድ ኪበልዕዎም ዘይተፈቕደሎም እንስሳታት ረኣየ፣ ‘ብላዕ’ ዚብል ድምጺ እውን ሰምዐ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ርኹስ እንስሳ በሊዐ ኣይፈልጥን እየ’ ኢሉ ኣበየ። ድሕርዚ ድማ፡ ‘ነዞም ኣምላኽ ዘንጽሆም እንስሳታት፡ ርኹስ ኣይትበሎም’ ዚብል ድምጺ ሰምዐ። ድሕሪኡ፡ ንጴጥሮስ፡ ‘ኣብ ኣፍ ደገ ሰለስተ ሰብኡት ኣለዉ። ምሳታቶም ኪድ’ ተባሂሉ ተነግሮ። ጴጥሮስ ከኣ ናብቲ ኣፍ ደገ ኸይዱ፡ ነቶም ሰብኡት እንታይ ደልዮም ከም ዝመጹ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ቆርኔሌዎስ ዚብሃል ሓለቓ ሚእቲ እዩ ልኢኹና። ናብ ቤቱ ናብ ቂሳርያ ክትመጽእ ይጽውዓካ ኣሎ’ በልዎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ነቶም ሰብኡት ኸም ኣጋይሹ ተቐቢሉ ምስኡ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ፡ ምሳታቶም ናብ ቂሳርያ ኸደ፣ ካብ ዮጴ እውን ገሊኦም ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ።

ቆርኔሌዎስ ንጴጥሮስ ምስ ረኣዮ፡ ብብርኩ ተምበርከኸ። ጴጥሮስ ግና፡ ‘ተንስእ! ኣነ ኸማኻ ሰብ እየ። ኣይሁድ ናብ ኣባይቲ ኣህዛብ ዘይኣትዉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣምላኽ ናብ ቤትካ ኽመጽእ ነጊሩኒ። ሕጂ ኸኣ፡ ስለምንታይ ልኢኽካ ኸም ዝጸዋዕካኒ ግዳ ንገረኒ’ በሎ።

ቆርኔሌዎስ ከኣ ንጴጥሮስ፡ ‘ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸለኹ፡ ሓደ መልኣኽ መጺኡ፡ ንዓኻ ልኢኸ ኽጽውዓካ ነጊሩኒ። ሕጂ፡ በጃኻ ቓል የሆዋ ንገረና’ በሎ። ጴጥሮስ ድማ፡ ‘ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ፈሊጠ። ኬምልኾ ንዚደሊ ዘበለ ዅሉ ይቕበሎ እዩ’ በሎ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ የሱስ ብዙሕ መሃሮም። ድሕሪኡ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቆርኔሌዎስን ኣብቶም ምስኡ ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ወረደ፣ ኵላቶም ከኣ ተጠምቁ።

“ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:35

ሕቶታት፦ ጴጥሮስ ርኹሳት እንስሳታት ምብላዕ ዝኣበየ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንጴጥሮስ ናብ ቤት ኣህዛብ ኪኸይድ ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ፧

ግብሪ ሃዋርያት 10:1-48

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ