ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • dg ክፋል 4 ገጽ 9-10
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ዕላማታቱ ይሕብረና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ብዛዕባ ዕላማታቱ ይሕብረና
  • ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ መልስታት ኣበይ ኢዩ ዘሎ፧
  • ውህበት ኣምላኽ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናይ ሓቂ ትምህርትታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዓይነቱ መጽሓፍ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
dg ክፋል 4 ገጽ 9-10

ክፍሊ 4

ኣምላኽ ብዛዕባ ዕላማታቱ ይሕብረና

1, 2. ኣምላኽ ነቶም ብቕንዕና ዝሓቱ መልሲ ከም ዘዳልወሎም ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ ዝደልዩ ቅኑዓት ሰባት ብሓቂ ዕላማታቱ ይገልጸሎም ኢዩ። ነቶም ክፈልጡ ባህጊ ዘለዎም ሰባት: ከም እኒ ኣምላኽ ንስቓይ ዘፍቀዶ ስለምንታይ ኢዩ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ኣዳልዩሎም ኣሎ።

2 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “[ንኣምላኽ] እንተ ደሌኻዮስ ኪርከበልካ እዩ።” “ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ።” “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።”​—⁠1 ዜና መዋእል 28:9፣ ዳንኤል 2:28፣ ኣሞጽ 3:7

እቲ መልስታት ኣበይ ኢዩ ዘሎ፧

3. ኣምላኽ ንስቓይ ስለምንታይ ከም ዘፍቀዶ መልሱ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧

3 ስለምንታይ ኣምላኽ ንስቓይ ከም ዘፍቀደ ከምኡውን ብዛዕባኡ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝብል ሕቶታት: መልሱ ኣብቲ ንጥቕምና ኢሉ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ጽሑፍ ኢዩ ዝርከብ። እቲ ጽሑፍ እቲ ድማ ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

4, 5. ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ፍሉይ መጽሓፍ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ፍሉይ መጽሓፍ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ልክዕ ዝዀነ ጸብጻብ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ዝሓዘ ኢዩ: ካብኡ ሓሊፉውን ቅድሚ ሰብ ምፍጣሩ ዝነበረ ኵነታት መዝጊቡ ይርከብ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ ነገራትን ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ዝኸውንን ትንቢታት ስለ ዘለዎ ድማ: እዋናዊ ኢዩ።

5 ከም መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለ ብታሪኻዊ ልክዕነት መርትዖታት ዘለዎ ካልእ መጽሓፍ የለን። ንኣብነት: ሎሚ ዘለዉ ናይ ጥንታውያን ፍሉጣት ጸሓፍቲ ኢደ- ጽሑፋት ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት ግን ገሊኦም ብኸፊል ገሊኦም ከኣ ብምሉኡ ኣለዉ:- ገለ 6, 000 ዝኣክል ካብ ጽሑፋት እብራይስጢ (እተን 39 መጽሓፍቲ ናይ “ብሉይ ኪዳን”) ካብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት (እተን 27 መጻሕፍቲ ናይ “ሓድሽ ኪዳን”) ድማ 13, 000 ዝኣኽሉ ኣለዉ።

6. ብኸመይ ኢና ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ መጀመርታ ብመንፈስ ዘጽሓፎ ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

6 እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ዘጽሓፈ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ: ኣብዞም ናይ ኢደ-ጽሑፍ ቅዳሓት እቲ ናይ መጀመርያ ሓሳቡ ምእንቲ ክዕቀብ ይዕዘብ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እዚ ሕጂ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቶም መንፈስ ዝነፈሶም ቦኽሪ ጽሑፋት ኢዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ንምርድኡ ዝሕግዘና ካልእ ምኽንያት ድማ: ገለ ቅድሓት ኢደ-ጽሑፍ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት: ካብቲ ቦኽሪ ጽሑፍ ናይ ሚእቲ ዓመት ፍልልይ ዘለዎም ምህላዎም ኢዩ። እቲ ሎሚ ዘሎ ብጥንታውያን ዓለማውያን ጸሓፍቲ እተጻሕፈ ውሑድ ኢደ-ጽሑፍ ካብቶም ናይ መጀመርያ ደረስቱ ናይ ሓያለ ዘበናት ፍልልይ ዘለዎ ቅድሓት ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።

ውህበት ኣምላኽ

7. መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ተዘርጊሑ ዘሎ፧

7 ኣብ ዛንታ እቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዝረኸበ መጽሓፍ: መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ሰለስተ ቢልዮን ዝኣክል ቅዳሓት ተሓቲሙ ኣሎ። ናብዚ ቍጽሪ እዚ ገጹ ዝጽጋዕ መጽሓፍ ፈጺሙ የለን። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ገለ ክፋሉ: ናብ 2, 000 ዝኣክል ቋንቋታት ተተርጒሙ ይርከብ። ስለ ዝዀነ ኸኣ: ሎሚ ዳርጋ 98 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ ይኽእል ኢዩ።

8-10. ገለ ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ክምርመር ዝግብኦ መጽሓፍ ዝገብርዎ ምኽንያታት እንታይ ኢዮም፧

8 ንሓደ ናይ ኣምላኽ ኢየ ዝብል: ከምኡውን ካብ ውሽጥን ወጻእን ንሓቅነቱ ዘረጋግጽ መርትዖታት ዘለዎ መጽሓፍ: ብሓቂ ክንምርምሮ ይግብኣና።a ትርጉም ናይ ህይወት: ትርጉም ናይዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵነታት: ንዝመጽእ ተዳልዩ ዘሎ ነገራት ዝገልጽ መጽሓፍ ኢዩ። ከምዚ ክገብር ዝኽእል ካልእ መጽሓፍ ፈጺሙ የለን።

9 እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ስድራቤት ሰብን ዘሎ መትረብ ርክብ ኢዩ። ን40 ዝኣኽሉ ሰባት በቲ መስለጢ ሓይሉ ወይ ከኣ ብመንፈሱ ገይሩ ንኽጽሕፉ መሪሑዎም ኢዩ። እምበኣርከስ ኣምላኽ ብቓሉ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ይዛረበና ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም: ዚዐዪ ዘሎ: ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር: ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ:” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:13

10 እቲ መበል 16 ፕረዚደንት ናይ ኣመሪካ ዝነበረ ኣብርሃም ሊንከን ንመጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ዝበለጸ: ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ዝሃቦ ውህበት ኢዩ . . . ከመይሲ ብዘይብእኡ እቲ ቅኑዕ ካብቲ ዘይቅኑዕ ፈሊና ክንፈልጦ ኣይምኸኣልናን” ኢሉ ጸውዖ። እሞኸ ደኣ: እዚ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ውህበት ኣምላኽ ብዛዕባ ስቓይ ከመይ ኢሉ ከም ዝጀመረን ስለምንታይ ኣምላኽ ክቕጽል ፈቒዱሉ ከም ዘሎን ንዝመጽእ ድማ ብዛዕባኡ እንታይ ክገብር ከም ዝዀነን እንታይ ኢሉ ይነግረና፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓቅነት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ብ1989 እተሓትመት “መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ናይ ሰብ፧” ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ተመል⁠ከት።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እዚ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ምስ ወድሰብ ዝራኸበሉ መትረብ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ