ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/6 ገጽ 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዓይነቱ መጽሓፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዓይነቱ መጽሓፍ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ዕላማታቱ ይሕብረና
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂዶ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” እዩ፧
    ንቕሑ!—2017
  • “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/6 ገጽ 3

መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዓይነቱ መጽሓፍ

እዚ መጽሓፍ እዚ ኣብ ዓለም ዕዳጋ ዝረኸበ መጽሓፍ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢዩ: ሓቂ ኸኣ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ንላዕሊ እተነበን ብኽብሪ እተታሕዘን መጽሓፍ ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ (ብምሉኡ ወይ ከኣ ክፋሉ) ብኣርባዕተ ቢልዮን ቅዳሓትን ብልዕሊ 2, 000 ቋንቋታትን ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ይግመት።

ይኹን እምበር ካብቲ ዝርጋሐኡ ንላዕሊ ዝያዳ ዘገድስ: ብመለኮታዊ መመርሒ ከም እተጻሕፈ ዝዛረብ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ “[“ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ: NW ] መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ [ኢዩ]” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እታ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” (ግሪኽ: ቲ·ኦʹኒዩ·ስቶስ ) እትብል ሓረግ ቃል ብቓሉ “ኣምላኽ ዘተንፈሶ” ማለት ኢያ። እታ ምስኣ እትዛመድ ኒዩ ʹማ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ከኣ “መንፈስ” ማለት ኢያ። ስለዚ እምበኣር እቲ ኣበሃህላ እቲ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ጸሓፍቲ ደሪኽዎም: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸኣ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ኣተንፊሱ ማለት ኢዩ: ውጽኢቱ ድማ ቃል ሰብ ዘይኰነስ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ብርግጽ እኳ ድኣ: ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ሰባት: ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ምዃኑ: ብስነ⁠-​ፍልጠት ርጡብ ምዃኑ: ናይቶም ጸሓፍቲ ሓቅነትን ቅንዕናን: ዝያዳ ዘገድስ ድማ እቲ እተፈጸመ ትንቢታቱ ብምርኣይ ተገሪሞም ኢዮም። ኵሉ እዚ ረቛሒታት እዚ ንብዙሓት መስተውዓልቲ ሰባት እዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ሓደ ልዕሊ ሰብ ዝዀነ ምንጪ ከም ዝመጸ ከእምኖም ክኢሉ ኢዩ።a

ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ ክጸሓፍ ከሎ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጸኒዑ እተኸታተሎ፧ ገሊኣቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉ እናተዛረበ ኢዩ ኣጽሒፍዎ ይብሉ። ካልኦት ከኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓሳባት ጥራይ ኢዩ ብመንፈሱ መሪሕዎ እምበር ነቲ ቃላት ኣይኰነን ይብሉ። ከም ሓቁ ክርአ ከሎ ግን: ብመንፈስ ምምራሕ ክበሃል ከሎ ኣብ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ጥራይ ክድረት ኣይክኣልን ኢዩ: ከመይሲ ኣምላኽ ‘ብብዙሕ መገዲ ነቦታትና ብነብያቱ ገይሩ’ ተዛሪብዎም ኢዩ። (እብራውያን 1:⁠1፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 12:⁠6 ኣረኣእዮ።) ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ: ኣምላኽ ንገለ 40 ዝዀኑ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት እተዛረበሉ መገድታት ክንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተጻሕፈት መጽሓፍ ቅዱስ ​—⁠ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 53⁠-​4 ከምኡውን 98⁠-​161 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ