ዕቤት ግበር: ወሰኽ ድማ ኣርኢ
ንፈለማ ግዜ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ምስ ተመሃርካ: እቲ ኣብ ውሽጥኻ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ኣተሓሳስባ: ዘረባ: ከምኡውን ባህርይ በብቝሩብ ኪቕየር ጀመረ። መብዛሕትኡ እዚ ምምሕያሽ እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምምዝጋብካ እዩ ጀሚሩ። ሕጂ ዕቤት ብምግባር ምናልባት ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ዕቤት ካብ ምግባር ከተቋርጽ ትኽእል ኢኻ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ከመይሲ: ጥምቀት መጀመርታ ስጕምቲ ጥራይ እዩ።
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ እቲ ወደ መዝሙር ‘እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽ:’ ነቲ እተዋህቦ ማዕዳ ዀነ መሰላት ኣገልግሎት ‘ኣጸቢቑ ኺሓስበሉ:’ ማለት ‘ብምሉእ ርእሱ ኺውፊ’ ኺነግሮ ኸሎ: ጢሞቴዎስ ድሮ ክርስትያን ሽማግለ ዀይኑ እዩ ዜገልግል ነይሩ። (1 ጢሞ. 4:12-15) ኣብዚ ቐረባ ግዜ መገዲ ሓቂ ኽትስዕብ ዝጀመርካ ኹን ወይ ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ ነዊሕ ተመክሮ ዘሎካ: ወሰኽ ንኽትገብር ክትሓስብ ኣሎካ።
ፍልጠትን ለውጥን
ኣብ ኤፌሶን 3:14-19: ሃዋርያ ጳውሎስ: ክርስትያናት ብጾቱ ንሓቂ “ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል” ኪኽእሉ ጸለየሎም። እዚ ንኪኸውን: የሱስ ንጉባኤ ኺምህሩን ኬቕንዑን ኪሃንጹን ውህበት ሰብኡት ሃበ። ኣዘውቲርና ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምስቲ ተመክሮ ዘለዎም መምህራን ዚህቡና መምርሒ ኣሳኒና እንተ ኣስተንቲንናሉ: ብመንፈሳዊ መዳይ ‘ንኽንዓቢ’ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 4:11-15
እዚ ዕቤት እዚ ‘በቲ ናይ ኣእምሮኻ መንፈስ ክትሕደስ’ ዜጠቓልል እዩ። እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽን ክርስቶስን ዚሰማማዕ ዝንባለ ምምስራት የጠቓልል። ነቲ ‘ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽትለብስ:’ ወትሩ ንኣተሓሳስባኦም ክትቃላዕ ይግባእ። (ኤፌ. 4:23, 24) ወንጌላት ከተጽንዕ ከለኻ: ንጸብጻባት ህይወት ክርስቶስ ክትስዕቦ ዚግባእ ኣብነት ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ የሱስ ዘንጸባረቖ ባህርያት ኣለሊኻ: ነዚ ኣብ ህይወትካ ኽትቀድሖ ትጽዕር ዲኻ፧—1 ጴጥ. 2:21
ምስ ካልኦት ኣብ እትገብሮ ዝርርብ እትጠቕሶ ነጥብታት: ወሰኽካ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኺሕብር ይኽእል እዩ። እቶም ነቲ ሓድሽ ሰብ ዝለበሱ: ሓሶት: ጸርፊ: ጽዩፍ: ወይ ኣሉታዊ ዘረባ ኣይዛረቡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ዘረባኦም “ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ” እዩ። (ኤፌ. 4:25, 26, 29, 31፣ 5:3, 4፣ ይሁ. 16) ብብሕቶም ኰነ ኣብ ጉባኤ ዚዛረብዎ ሓሳባትን መግለጺታትን: ሓቂ ንህይወቶም ይቕይሮ ኸም ዘሎ የርኢ።
‘በቲ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው ዘይትድፋእን ዘይትኽብከብን’ እንተ ዄንካ: እዚውን እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ዜርኢ እዩ። (ኤፌ. 4:14) ንኣብነት: ዓለም ሓድሽ ሓሳባት: ዕላማ: ወይ መዘናግዒ እንተ ኣቕረበትልካ: እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምእንቲ ኽትስዕብ ኢልካ: ካብቲ ኽትፍጽሞ ዘሎካ መንፈሳዊ ሓላፍነት ግዜ ትንኪ ዲኻ፧ ከምዚ ምግባር ንመንፈሳዊ ዕቤትካ ኺዓግቶ ይኽእል እዩ። ንመንፈሳዊ ነገራት ግዜ ምዕዳግ ክሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ጥበባዊ ዀን እዩ!—ኤፌ. 5:15, 16
ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎካ ርክብ እውን: መሐበሪ መንፈሳዊ ዕቤት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ‘እትድንግጽን ይቕረ እትብልን’ ዲኻ፧—ኤፌ. 4:32
ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ብምፍጻም ዝመጸ ዝገበርካዮ ዕቤት: ኣብ ጉባኤን ኣብ ቤትካን ኪርአ ኣለዎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ህዝባዊ ቦታታት: ከምኡውን ኣብ እትሰርሓሉ ቦታ እውን ንጹር ኪኸውን ኣለዎ። (ኤፌ. 5:21-6:9) ኣብ ኵሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ባህርያት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተርኢ እንተ ዄንካ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ይግለጽ ኣሎ ማለት እዩ።
ንተውህቦኻ ተጠቐመሉ
የሆዋ ንዅላትና ኽእለትን ተውህቦን ሂቡና እዩ። ነዚ ነገራት እዚ ጸጋኡ ብዜንጸባርቕ መገዲ ንኻልኦት ንምርባሕ ክንጥቀመሉ ይጽበየና እዩ። ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ: ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 4:10) እሞኸ ንሓላፍነትካ ብኸመይ ትስከሞ ኣለኻ፧
ጴጥሮስ ቀጺሉ “ዚነግር እንተ ዀነ: ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር” በለ። (1 ጴጥ. 4:11) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኽበር: ምስ ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ ነገር ምዝራብ ሓላፍነት ከም ዘሎና እያ እተጕልሕ። ነቲ ዘረባ እንዛረበሉ መገዲ እውን ንየሆዋ ኬኽብሮ ኣለዎ። እቲ ብቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣቢሉ ዚወሃብ ስልጠና: ንተውህቦኻ ንኻልኦት ኣብ እትሕግዘሉ መገዲ ንኣምላኽ ከም ዜኽብር ጌርካ ንኽትጥቀመሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ብምሓዝ: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እትገብሮ ዕቤት ብኸመይ ክትልክዖ ኣሎካ፧
በቲ ኣብቲ ምኽሪ መውሃቢ ነጥብታት ዝሸፈንካዮ መጠን ወይ በቲ እተዋህበካ ዓይነት ክፍሊ ኣቢልካ ኣብ ክንዲ እትልክዖ: እቲ ስልጠና ነቲ ናይ ምስጋና መስዋእትኻ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘመሓየሾ ሕሰብ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ውጽኢታዊ ንኽትከውን እዩ ዜዳልወካ። ስለዚ: ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ኣብ ኣገልግሎት እንታይ ከም ዝብል ብሓቂ እዳለወሉ ድየ፧ ነቶም ዝምስክረሎም ሰባት ብሓቂ ብብሕቲ እግደሰሎም ድየ፧ ንሰባት ንዚመጽእ ምይይጥ እትኸውን ሕቶ ብምሕታት: ንተመላሊስካ ምብጻሕ ባይታ አንብር ድየ፧ ምስ ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እገብር እንተ ኣልየ: ከም መምህር መጠን ልቡ ኽትንክፍ ምእንቲ ክኽእል አመሓይሽ ኣለኹ ድየ፧’
ዕቤት በቲ እተዋህበካ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ጥራይ ኣይትለክዓዮ። እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ: ኣብቲ ዚወሃበካ ዓይነት ሓላፍነታት ዘይኰነስ: ኣብቲ ንዕኡ እትሕዘሉ መገዲ እዩ ዚንጸባረቕ። ንኽትምህር ክፍሊ እንተ ተዋሂቡካ: ‘ብሓቅዶ ጽቡቕ ናይ ምምሃር ክእለት ተጠቒመ እየ፧ ኣብቶም ሰማዕቲ ለውጢ ብዜምጽእ መገዲ ድየ ነቲ ኽፍሊ ኣቕሪበዮ፧’ ኢልካ ሕተት።
ተውህቦኻ ኽትጥቀመሉ ኺበሃል ከሎ: ተበግሶ ንኽትወስድ እውን ዜጠቓልል እዩ። ምስ ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ንኽትዓዪ ተበግሶ ትወስድ ዲኻ፧ ነቶም ሓደስቲ: ንኣሽቱ: ወይ ዝማሰኑ ኣባላት ጉባኤኻ ንምሕጋዝ ኣጋጣሚታት ተናዲ ዲኻ፧ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽራይ ወይ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብእተፈላለየ መገዲ ንምሕጋዝ ፍቓደኛ ዲኻ፧ በብግዜኡ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትጽዕር ዲኻ፧ ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ወይ ኣብ ጉባኤኻ ኣብቲ ዝያዳ ዕዮ ዘለዎ ኽትሕግዝ ትኽእል ዲኻ፧ ሓው እንተ ዄንካ: ነቲ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ኬማልእዎ ዚግባእ መንፈሳዊ ብቕዓታት ከተማልእ ትመጣጠርዶ ኣለኻ፧ ሓገዝ ንኽትህብን ሓላፍነት ንኽትቅበልን ዘሎካ ፍቓደኛነት: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ዜመልክት እዩ።—መዝ. 110:3
ተመክሮ ዘለዎ ግደ
ብሰንኪ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ናብራ ዘሎካ ተመክሮ እተደረትካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: በዚ ኣይትደሃል። ቃል ኣምላኽ ንተመክሮ ዘይብሉ ወይ “ንገርሂ የጥብቦ” እዩ። (መዝ. 19:7፣ 119:130፣ ምሳ. 1:1-4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ምስዓብና: ካብታ ፍጽምቲ ጥበብ ንኽንጥቀም የኽእለና። እዚኣ ኸኣ ካብቲ ብተመክሮ ጥራይ ዚርከብ ፍልጠት ዝዓበየ ዋጋ ኣለዋ። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እናወሰኽና ኽንከይድ ከለና: ጠቓሚ ተመክሮ ንድልብ ኢና። ነዚ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ሓደ ሰብ ኣብ ህይወት እተፈላለየ ዅነታት ኬጋጥሞ ኸሎ: ‘እዚ ዅነታት እዚ ኣቐዲሙ ኣጋጢሙኒ ነይሩ። እንታይ ከም ዝገብር እፈልጥ እየ’ ኢሉ ንኺሓስብ ይድረኽ ይኸውን። እዝስ ጥበባዊ መገዲ ድዩ፧ ምሳሌ 3:7 “ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል” ኢላ ተጠንቅቕ። ተመክሮ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ዅነታት እንርእየሉ መዳይ ከም ዜስፍሖ ፍሉጥ እዩ። መንፈሳዊ ዕቤት ንገብር እንተ ኣሊና ግን: ክንዕወት እንተ ዄንና በረኸት የሆዋ ኸም ዜድልየና ኻብ ተመክሮ ኽንፈልጦ ኣሎና። እምበኣር: ወሰኽና ዚርአ ነቲ ዜጋጥመና ዅነታት ብምትእምማን ስለ እንጋጠሞ ዘይኰነስ: የሆዋ ኣብ ህይወትና መምርሒ ንኺህበና ናብኡ ብምጽጋዕና እዩ። ብተመሳሳሊውን ብዘይ ፍቓዱ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየጋጥመና ብምትእምማን: ከምኡውን ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ብትውክልትን ብፍቕርን ብምምልላስ ይርአ እዩ።
ብሕጂውን ተመጣጠር
ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ብሱል ቅቡእ ክርስትያን እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ናይ ህይወቱ ዕላማ ንምብጻሕ ‘ኪመጣጠር’ ከም ዘለዎ ፈለጠ። (ፊል. 3:13-16) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧
ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ዕቤት ጌርካ፧ ንዕቤትካ በቲ ነቲ ሓድሽ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ዝለበስካሉ መጠን: ንልዑላውነት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ እተገዛእካሉ መጠን: ከምኡውን ነቲ ተውህቦኻ ንኽብሪ የሆዋ ብእትጥቀመሉ ትግሃት መጠን ለክዓዮ። ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እናተጠቐምካ ምስ ከድካ: እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ጐሊሑ ዚርከብ ባህርያት በብቝሩብ ኣብ ኣዘራርባኻን ኣብ ኣመሃህራኻን ንጹር ኪኸውን እዩ። ነዚ መዳይ ዕቤትካ ኣተኵረሉ። እወ: ብዕቤትካ ተሓጐስ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ኸኣ ኣብ ኵሉ ኺርአ እዩ።