ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/95 ገጽ 2
  • እቲ ወሰኽካ ከም ዝግለጽ ግበሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ወሰኽካ ከም ዝግለጽ ግበሮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕቤት ግበር: ወሰኽ ድማ ኣርኢ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣቱም መንእሰያት፡ እናወሰኽኩም ትኸዱ ኸም ዘለኹም ይገለጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ይገለጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ይገለጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 12/95 ገጽ 2

እቲ ወሰኽካ ከም ዝግለጽ ግበሮ

1 ነቲ መጀመርታ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ክትሰምዕ ከሎኻ ዝነበረ ግዜ እሞ ዘክሮ። ቅልል ዝበሉ ሓቅታት ንፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበረካ ድሌት ኣበራቢርዎ ኢዩ። መገድታት የሆዋ ካብ ናትካ መገድታት ኣዝዩ ዝለዓለ ስለ ዝዀነ: ብኡብኡ ኣብ ናብራኻ ምትዕርራይ ክትገብር ከም ዘድልየካ ክትርኢ ክኢልካ ኢኻ። (ኢሳ. 55:​8, 9) ወሰኽ ገይርካ: ህይወትካ ወፊኻ: ከምኡውን ተጠሚቕካ ኢኻ።

2 ገለ መንፈሳዊ ምዕብልና ድሕሪ ምግባርውን: ጌና ከተሸንፎም ዝግብኣካ ድኽመታት ነይሮም ኢዮም። (ሮሜ 12:⁠2) ምናልባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኽትሳተፍ ከም እትጠራጠር ዝገብረካ ናይ ሰብ ፍርሂ ነይሩካ ይኸውን። ወይ ድማ ምናልባት ነቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ምንጽብራቕ ትጐድል ነይርካ ትኸውን። ንድሕሪት ኣብ ክንዲ እትምለስ: ንገዛእ ርእስኻ ቲኦክራቲካዊ ሸቶታት ብምግባር ወሰኽ ክትገብር ቈሪጽካ ተላዒልካ ኢኻ።

3 ወፈያኻ ካብ እትገብር ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ይኸውን። ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ምስ እትርእዮ: ኣብ ገዛእ ርእስኻ እንታይ ወሰኽ ክትርኢ ትኽእል፧ ገለ ካብቶም ሸቶታትካ በጺሕካዮም⁠ዶ፧ ከምቲ ኣብ “መጀመርታ” ዝነበረካ ቅንኢ ኣሎካዶ፧ (እብ. 3:⁠14) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ኢሉ ክምዕዶ ኸሎ: ድሮ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ብሱል ክርስትያን ኢዩ ነይሩ።​—⁠1 ጢሞ. 4:⁠15

4 ናይ ብሕቲ ምርመራ የድሊ:- ነዚ ዝሓለፈ ጕዕዞና ክንሓስቦ ከሎና: ካብቲ ክንጅምር ከሎና ዝነበረና ገለ ድኽመታት ከም ዘሎና ኰይኑዶ ረኺብናዮ ኢና፧ ካብቶም ዘውጻእናዮም ገለ ሸቶታት ዘይበጻሕናዮም ኣለዉዶ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ስለምንታይ፧ ብጽቡቕ ሕልና ተበጊስና እኳ እንተ ዀንና የዕነኒና ንኸውን ኢና። ምናልባት ናይ ናብራ ጭንቀት ወይ ጸቕጥታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ንድሕሪት ክመልሰና ኣፍቂድናሉ ንኸውን።​—⁠ሉቃ. 17:​28-30

5 ብዛዕባ ዝሓለፈ ብዙሕ ክንገብር እኳ ዘይንኽእል እንተ ዀንና: ብዛዕባ መጻኢ ግን ብርግጽ ሓደ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። ናይ ገዛእ ርእስና ቅኑዕ ምርመራ ብምግባር: ኣበይ ከም ዝጐደልና ክንውስን ንኽእል ኢና: ብድሕሪኡ ንኸነማሓይሽ ብርቱዕ ጻዕሪ ንገበር። ነቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነ ርእሰ-ግትኣት: ልእመት: ወይ ነዊሕ ተጻዋርነት ከነንጸባርቕ ዝያዳ ክንገብር የድልየና ይኸውን። (ገላ. 5:​22, 23) ምስ ካልኦት ብሰላም ክንመላለስ ወይ ድማ ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበር ጸገም እንተድኣ ኣልዩና: ትሕትና ከምኡውን ናይ ኣእምሮ ትሕትና ክንኵስኵስ ኣገዳሲ ኢዩ።​—⁠ፊል. 2:​2, 3

6 ንፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ብምምጥጣር ነቲ ወሰኽና ከም ዝግለጽ ክንገብሮ ምኸኣልናዶ፧ ተወሳኺ ጻዕሪ ብምግባር: ኣሕዋት ድያቆናት ወይ ሽማግለታት ንምዃን ክበቕዑ ይኽእሉ ይዀኑ። ገለ ካባና ስርዓታውያን ፓይነራት ክዀኑ ይኽእሉ ይዀኑ። ንብዙሓት ሓጋዚ ፓይነር ዝብጻሕ ሸቶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካልኦት ልማድ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ከመሓይሹ: ንጡፋት ተሳተፍቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ወይ ድማ ከም ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ኣፍረይቲ ክዀኑ ይጽዕሩ ይዀኑ።

7 ልክዕ’ዩ ኣበይ ወሰኽ ክንገብር ከም ዘድልየና እንውስን ባዕልና ኢና። እቲ ‘ናብ [ብስለት ክንበጽሕ ትሓዓ ]’ እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ ንሓጐስና ኣብዚሑ ክውስኸሉን ኣፍረይቲ ኣባላት ናይታ ጉባኤ ክገብረናን ኢዩ።​—⁠እብ. 6:⁠1

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ