ከም ተዛራባይን መምህርን መጠን ክእለትካ ንምምዕባል ዚጠቅም መደብ
ብዕድመ ንእሽቶ ኹን ዓብዪ: ወዲ ተባዕታይ ኩን ጓል ኣንስተይቲ: እዚ ትምህርቲ እዚ ሓሳባትካ ብዝያዳ ንኽትገልጽን ከም መምህር ቃል ኣምላኽ መጠን ዝያዳ ብቕዓት ንኺህልወካን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ነቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚምዝገቡ ሰባት: ክፍልታት ዚህቦም እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ዚቕጽል ሰለስተ ገጻት: ናይ ብሕትኻ ምኽሪ መውሃቢ ፎርም ክትረክብ ኢኻ። እቲ ቕድሚ እተፈላለየ ነጥብታት ዚርከብ ቍጽርታት: ነቲ ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሎ ገጻት ዚርከብ መጽናዕትታት ዚሕብር እዩ። ኣብቲ መጽናዕትታት እቲ: ነቲ መዳይ ኣዘራርባን ኣመሃህራን ንኽትመልኮ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ስለምንታይ ኣድላዪ ኸም ዝዀነን ዚገልጽ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ። ነቲ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ንምፍጻም ድማ ሓጋዚ መምርሒ ኽትረክብ ኢኻ።
ኣብቲ ምኽሪ መውሃቢ ፎርም ብቐለም እተገብረ ምልክት: ኣየናይ ነጥብታት ነቲ (1) ንሰማዕቲ ምንባብ: (2) ምስ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚግበር መርኣያ: ወይ ከኣ (3) ንጉባኤ ዚወሃብ መደረ: ዜጠቓልል ምዃኑ ዚሕብር እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ነቲ ኽትዓየሉ ዚግባእ ነጥቢ ኺምድበልካ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ እንተ ዓየኻ ይምረጽ። ነቲ ኣብ መወዳእታ እቲ እተመደበልካ መጽናዕቲ ዚርከብ መላመዲታት ብምዕያይ እውን ክትጥቀም ኢኻ። ነቲ ኣብ እተመደበልካ መጽናዕቲ ዚርከብ ምኽሪ ብዚግባእ ከም ዝዓየኻሉ እንተ ኣርኢኻ: እቲ ምኽሪ ዚህበካ ሓው ካልእ ነጥቢ ኺምድበልካ እዩ።
ክፍልኻ ብመርኣያ ዚቐርብ እንተ ዀይኑ: መልክዕ ኣቀራርባ የድልየካ እዩ። ኣብ ገጽ 82 ዝርዝር መልክዕ ኣቀራርባታት ተዘርዚሩ ኣሎ: በዚ ግን ክትሕጸር የብልካን። እቲ ምኽሪ ዚህበካ ሓው: ተመክሮ ምእንቲ ኽትረክብ እተወሰነ መልክዕ ኣቀራርባ ኽትፍትን ኪሓተካ ወይ ባዕልኻ ንኽትመርጽ ኪሓድገካ ይኽእል እዩ።
ዋላ እውን ክፍሊ ኣብ ዘይብልካ እዋን: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ እተንብባን ነቲ መላመዲታት ምስ እትዓየሉን ንዕቤትካ ዓብዪ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እተፈላለየ መጽናዕቲ ኽትሽፍን ትኽእል ኢኻ።
ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንሳተፍ ዝጀመርናሉ ንውሓት ብዘየገድስ: ወትሩ ኽንመሓየሽ ንኽእል ኢና። እምበኣር: ወትሩ ኻብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም።