ወትሩ እናኣመሓየሽካ ኺድ
ብብሕትኻ ንነፍሲ ወከፍ እዚ ኣብዚ መደብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ምኽሪ መውሃቢ ነጥብታት ዓይኻሉዶ፧ ነቲ ኣብኡ እተዋህበ መላመዲታት ወዲእካዮዶ፧ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዀነ ኣብ ካልእ ኣኼባታት መደረታት ከተቕርብ ከለኻ ኸምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትሳተፍ ከለኻ ንነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ትዓየሉዶ ኣለኻ፧
ድሕሪ ሕጂ እውን ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም። ንሓያሎ ዓመታት መደረታት እኳ እንተ ኣቕረብካ: ብዝያዳ ኸተመሓይሸሉ እትኽእል መዳያት ኣሎ።