መጽናዕቲ 7
ቀንዲ ሓሳባት ምጕላሕ
ንፉዕ ኣንባቢ ነቲ ዜንብቦ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት: ወይ ሕጡብ ጽሑፍ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብኡ ንላዕሊ እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ። ኬንብብ ከሎ: ነቲ ኣብ ብምሉኡ እቲ ጽሑፍ ዘሎ ቐንዲ ሓሳባት እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ዚሕዝ። እዚ ኸኣ ነቲ ዜጕልሓሉ መገዲ ይጸልዎ።
እዚ መስርሕ እዚ እንተ ዘይተሳዒቡ: ኣብቲ መደረ ዚጐልሕ ነጥብታት ኣይኪህሉን እዩ። ዋላ ሓንቲ ነገር ፍልይ ኢሉ ኣይንጽርን እዩ። እቲ ትምህርቲ ምስ ተዛዘመ: ትዝ ዚብለካ ጐሊሑ ዝወጸ ነጥቢ ኣይህሉን።
ቀንዲ ሓሳባት ንምጕላሕ ግቡእ ቈላሕታ እንተ ተገይሩሉ: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብቦ ጸብጻብ ብዝያዳ ህያው ኣብ ምግባር ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምጕላሕ: ነቲ ኣብ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚግበር ንባብ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዎ ይገብር። ብፍላይ ኣብ ከም ዓበይቲ ኣኼባታት ዚግበር ብንባብ ዚቐርብ መደረ ድማ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ብኸመይ ከም እትገብሮ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ትምደብ ትኸውን። እንታይ ኢኻ ኸተጕልሕ ዘሎካ፧ እቲ እተንብቦ ሓሳባት ዜተኵረሉ ቐንዲ ነጥቢ ወይ ኣገዳሲ ፍጻመ እንተ ኣልዩ: እዚ ኺጐልሕ ይግባእ።
እቲ እተንብቦ ዘለኻ ግጥሚ ይኹን ካልእ ዝርዝር ንባብ: ምስላ ይኹን ታሪኽ: ብዚግባእ እንተ ኣንቢብካዮ እዮም ሰማዕትኻ ዚጥቀሙ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ነዚ ንምግባር ነቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኰነ ንሰማዕትኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ።
ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ኻብ ጽሑፋትና ኸተንብብ እንተ ዄንካ: ከተጐልሖ ዘሎካ ቐንዲ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዚርከብ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕቶታት ከም ቀንዲ ሓሳባት ጌርካ ርኣዮ። ነቲ ምስቲ ብድሙቕ ፊደላት እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስቲ እተተሓሓዘ ሓሳባት እውን ኣጕልሓዮ።
ኣብ ጉባኤ እተቕርቦ መደረ: ብንባብ መልክዕ ከተቕርቦ ጽቡቕ ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ግን ኣብ ኵሉ ዓበይቲ ኣኼባታት ሕደ ሓሳባት ምእንቲ ኪቐርብ ተባሂሉ ብንባብ ዚቐርብ መደረ ይወሃብ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደረ ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ንምጕላሕ: እቲ ተዛራባይ ነቲ ጽሑፍ ተጠንቂቑ ኺምርምሮ ኣለዎ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት እንታይ እዩ፧ ነዚ ኺፈልጦ ኪኽእል ኣለዎ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት: ኣገዳሲ ዀይኑ ዚስምዖ ሓሳባት ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ጽሑፍ እተመስረተሉ ኣገዳሲ ሓሳባት እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ብንባብ ዚቐርብ መደረ: ንሓደ ዛንታ ወይ መረዳእታ ኸም መእተዊ ዀይኑ ዚቐርብ ሓጺርን ንጹርን ቀንዲ ሓሳባት ኣሎ። ብዙሕ ሳዕ: ሓደ ዚድግፍ መርትዖ ድሕሪ ምቕራቡ ሓያል መልእኽቲ ዘለዎ ሓሳባት ይወሃብ እዩ። እቲ ተዛራባይ ነዚ ቐንዲ ነጥብታት እዚ ምስ ኣለለየ: ኣብቲ ጽሑፍ ምልክት ኪገብረሉ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ሒደት ቀንዲ ነጥብታት እዩ ዚህሉ: ምናልባት እውን ካብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዚበዝሕ ኣይከውንን እዩ። ድሕሪኡ: እቶም ሰማዕቲ ነዚ ብቐሊሉ ኼለልይዎ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ ንባብ ኪለማመድ ኣለዎ። እዚ ኣብቲ መደረ ጐሊሑ ዚወጽእ ነጥብታት እዩ። እቲ ጽሑፍ ብግቡእ እናጐልሐ እንተ ቐሪቡ: እቲ ቐንዲ ሓሳባት መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ እዩ ዚዝከር። ዕላማ እቲ ተዛራባይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን ኣለዎ።
ሓደ ተዛራባይ: እቶም ሰማዕቲ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ከም ዜለልይዎ ገይሩ ኼጕልሓሉ ዚኽእለሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ገለ ኻብዚ ብውዕዉዕ መገዲ ምቕራብ: ፍጥነት ምቅይያር: ስምዒቱ ብዕምቈት ምግላጽ: ወይ ግቡእ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጥቃም ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።