መጽናዕቲ 21
ጥቕስታት ብግቡእ ኣጕሊሕካ ምንባብ
ንሰባት ብውልቂ ዀነ ኻብ መድረኽ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ክትዛረቦም ከለኻ: እቲ ዘረባኻ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዚብሎ ኼተኵር ኣለዎ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ዜጠቓልል ኰይኑ: ብግቡእ ኪግበር እውን ኣለዎ።
ብግቡእ ምጕላሕ ኪበሃል ከሎ ስምዒት የጠቓልል። ጥቕስታት ስምዒት ብዜንጸባርቕ መገዲ ኺንበብ ኣለዎ። ገለ ኣብነታት እሞ ርአ። መዝሙር 37:11 ዓው ኢልካ ኸተንብባ ኸለኻ: ድምጽኻ ነቲ ኣብኡ መብጽዓ ተገይሩሉ ዘሎ ዜሐጕስ ተስፋ ኼንጸባርቕ ኣለዎ። ነታ መከራን ሞትን ከም ዜብቅዕ እትገልጽ ራእይ 21:4 ኸተንብባ ኸለኻ: ድምጽኻ ነቲ ብትንቢት እተነግረ ዜደንቕ እፎይታ ዘሎካ ሞሳ ኼንጸባርቕ ኣለዎ። ነታ ኻብታ ሓጢኣት ዝመልኣ “ዓባይ ባቢሎን” ክንወጽእ እትምሕጸን ራእይ 18:2, 4, 5 ከተንብባ ኸለኻ: ብናይ ህጹጽነት ቃና ኸተንብባ ይግባእ። ልክዕ እዩ: እቲ ኣብዚ ዚንጸባረቕ ስምዒት መጠኑ ዝሓለፈ ዘይኰነስ: ካብ ልቢ ዝመነጨ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ግቡእ መጠን ስምዒት በታ ጥቕስን በቲ እትጥቀመሉ ኣገባብን እዩ ዚውሰን።
ግቡእ ቃላት ኣጕልሕ። ብዛዕባ ገሊኡ ጥቕሲ እትህቦ ሓሳባት ኣብ እተወሰነ ኽፋሉ ዘተኰረ እንተ ዀይኑ: ነታ ጥቕሲ ኸተንብብ ከለኻ ነቲ ኽፋል እቲ ኸተጕልሖ ኣሎካ። ንኣብነት: ማቴዎስ 6:33 ከተንብብ ከለኻ: ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ’ ንዚብል ሓሳብ ክትገልጽ እንተ ደሊኻ: ነታ “ጽድቁ” እትብል ቃል ወይ ነታ “እዚ ዅሉ” እትብል መግለጺ ብዝያዳ ኣይተጕልሕን ኢኻ።
ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ኣብ ዚቐርብ መደረ: ማቴዎስ 28:19 ከተንብባ ትምድብ ትኸውን። ኣየናይ ቃላት ኢኻ ኸተጕልሕ ዘሎካ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምሩ ተጊሆም ኪዓዩ ኸተተባብዖም እንተ ደሊኻ: “ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብላ ቓላት እየን ኪጐልሓ ዘለወን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ክርስትያናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንስደተኛታት ኬካፍልዎም ወይ ንገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይዶም ኬገልግሉ ኸተተባብዕ እንተ ደሊኻ: ነተን “ንዅሎም ኣህዛብ” ዚብላ ቓላት ተጕልሕ ትኸውን።
ብዙሕ ሳዕ ንሓንቲ ሕቶ መልሲ ንኪኸውን: ወይ ነቲ ገሊኦም ኣከራኻሪ ገይሮም ዚርእይዎ ጕዳይ መርትዖ ንኪኸውን ተባሂሉ ጥቕሲ ይቐርብ እዩ። ኣብታ ጥቕሲ ዚርከብ ኵሉ ሓሳባት ብማዕረ እንተ ጐሊሑ: እዚ ምስቲ ጕዳይ ዘለዎ ምትሕሓዝ ንሰማዕትኻ ኣይንጽረሎምን ይኸውን። እቲ ነጥቢ ንዓኻ ንጹር እኳ እንተ ዀነ: ንዓታቶም ግን ዘይንጹር ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ንኣብነት: ህዝቅኤል 18:4 ኸተንብብ ከለኻ: ነተን “ሓጢኣት እትገብር” ዚብላ ቓላት እንተ ኣጕሊሕካ: ሓደ ብዓል ቤት ነቲ ንጹር ዚመስለካ ነፍሲ ኸም እትመውት ዚገልጽ ሓሳብ ኣይርድኦን ይኸውን። ነተን “ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ዚብላ ቓላት ከተጕልሐን ኣሎካ። እንተዀነ ግን: ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ሰብ ስለምንታይ ከም ዚመውት ንምግላጽ ክትጥቀመላ ኸለኻ: ነተን “ሓጢኣት እትገብር” ዚብላ ቓላት ብቐዳምነት ከተጕልሐን ኣሎካ። ብተመሳሳሊውን: እምነት ብግብሪ ኽትስነ ኸም ዘለዋ ንምግላጽ ያእቆብ 2:24 ክትጠቅስ ከለኻ: ኣብ ክንዲ ነታ “ብግብሪ” እትብል ቃል: ነታ “ዚጸድቕ” እትብል ቃል ብቐዳምነት እንተ ኣጕሊሕካ: ገሊኦም ዚሰምዑኻ ነቲ ነጥቢ ኺስሕትዎ ይኽእሉ እዮም።
ካልእ ሓጋዚ ኣብነት ከኣ ኣብ ሮሜ 15:7-13 ኺርከብ ይከኣል እዩ። እዚ ኽፍሊ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብኣህዛብን ብስጋ ኣይሁድን ዝቘመት ጉባኤ ዝለኣኾ መልእኽቲ እዩ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ሃዋርያ: እቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ነቶም እተገዝሩ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ: ‘ኣህዛብ ንኣምላኽ ስለቲ ምሕረቱ ምእንቲ ኼመስግንዎ’ ንዓታቶም እውን እዩ ጽሒፉሎም። ድሕሪኡ ጳውሎስ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኣህዛብ ከም እተኸፍተ ንምሕባር: ኣርባዕተ ጥቕስታት ጠቐሰ። ነቲ ጳውሎስ ኬመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ ነጥቢ ኣብ ግምት ብምእታው: ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን ብኸመይ ከተንብበን ኣሎካ፧ ነቲ ኸተጕልሖ ዝደለኻ ቓላት ምልክት ክትገብረሉ እንተ ዄንካ: ነቲ ኣብ ቍጽሪ 9 ዚርከብ “ኣህዛብ:” ኣብ ቍጽሪ 10 ዚርከብ “ኣቱም ኣህዛብ:” ኣብ ቍጽሪ 11 ዚርከብ “ኵላትኩም ኣህዛብ:” “ብዘለዉ ህዝብታትውን” ዚብል: ከምኡውን ነቲ ኣብ ቍጽሪ 12 ዚርከብ “ኣህዛብ” ዚብል ቃላት ምልክት ትገብረሉ ትኸውን። ሮሜ 15:7-13 በዚ ኣገባብ እዚ ብምጕላሕ ከተንብባ ፈትን። ከምኡ ምስ እትገብር: እቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ መርትዖ ብዝያዳ ንጹርን ንኽትርድኦ ዝቐለለን ይኸውን።
እተጕልሓሉ ሜላታት። እቲ ብፍላይ ኪንጽር እትደልዮ ቓላት ብእተፈላለየ መገዲ ኺጐልሕ ይኽእል እዩ። እቲ እተጕልሓሉ መገዲ ምስቲ ጥቕስን ምስቲ ኽፍልኻን ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ዚስዕብ ሜላታት እንሆ።
ብድምጺ ጌርካ ምጕላሕ። እዚ ነቲ ሓሳባት ሒዙ ዘሎ ቓላት ካብ ካልእ ክፋል እቲ ምሉእ ሓሳብ ጐሊሑ ንኺወጽእ ዜኽእሎ ዝዀነ ይኹን ምልውዋጥ ድምጺ የጠቓልል። መጠን ድምጺ ብምቕያር: ማለት ዓው ወይ ቀስ ብምባል: ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት ኣብ ቅጥኒ ወይ ርጕዲ ድምጺ ለውጢ ምግባር ብዝያዳ ንምጕላሕ ይጠቅም እዩ። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ግን ከምዚ ምግባር ንትርጕም እቲ ቓል ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገዳሲ ቓላት ፍጥነትካ ምንካይ: ዝያዳ ርዝነት ከም ዚህልዎ ይገብሮ። ኣብቲ ብድምጺ ጌርካ ኸተጕልሕ ዘይከኣለሉ ቛንቋታት: ነቲ እተደልየ ሸቶ ንምውቃዕ ኣብቲ ቛንቋ እተለምደ ዝዀነ ይኹን ሜላ ኽትጥቀም የድሊ።
ዕረፍቲ ምግባር። እዚ ነቲ ቐንዲ ኽፋል እታ ጥቕሲ ቕድሚ ምንባብካ: ወይ ድሕሪኡ: ወይ ከኣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ኪግበር ይከኣል እዩ። ቀቅድሚ እቲ ቐንዲ ሓሳባት ዕረፍቲ ምግባር ሃንቀውታ የለዓዕል፣ ደድሕሪኡ ዕረፍቲ ምግባር ከኣ ዝዓመቘ ጦብላሕታ ይሓድግ። እንተዀነ ግን: ኣመና ዕረፍቲ እንተ በዚሑ: ዋላ ሓንቲ ኣይጐልሕን እዩ።
ምድግጋም። ነቲ እትዛረቦ ዘለኻ ሓንሳእ ብምዅላፍን ነቲ እተደልየ ቓል ወይ ሓረግ እንደገና ብምንባብን ንሓደ ነጥቢ ኸተጕልሕ ትኽእል ኢኻ። እቲ መብዛሕትኡ ዚምረጽ ሜላ ግን ነቲ ሓሳባት ድሕሪ ምዝዛምካ: ነቲ ቐንዲ ቓላት ምድጋም እዩ።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ። ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ቓል ወይ ሓረግ ብዝያዳ የጕልሖ እዩ።
ቃና ድምጺ። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት: ቃላት ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ብዚጸሉን ፈልዩ ብዜጕልሕን ቃና ኺንበብ ይከኣል እዩ። ኣብዚውን ብፍላይ ንሕጫጨ ብዚምልከት ጥንቃቐ የድሊ።
ካልኦት ሰባት ጥቕስታት ኬንብቡ ኸለዉ። ሓደ ብዓል ቤት: ጥቕሲ ኼንብብ ከሎ: ጌጋ ቓላት እናጕልሐ ወይ ፈጺሙ ኸየጕልሐ ኼንብቦ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ: ነቲ ጥቕሲ ኣወዓዕላኡ ብምግላጽ ከተነጽረሉ ይግባእ። ኣወዓዕላኡ ድሕሪ ምግላጽካ: ኣብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ነዚ ሓሳብ እዚ ሒዘን ዘለዋ ቓላት ብፍላይ ከተተኵር ትኽእል ኢኻ።